ድለ

በርጠለመዎስ ቀዳማዊ፡ ብርቱዕ ድላይ ሱታፌ ኣብ መንጐ ምብራቕን ምዕራብን በርጠለመዎስ ቀዳማዊ፡ ብርቱዕ ድላይ ሱታፌ ኣብ መንጐ ምብራቕን ምዕራብን 

በርጠለመዎስ ቀዳማዊ፡ ብርቱዕ ድላይ ሱታፌ ኣብ መንጐ ምብራቕን ምዕራብን

ኣብ መንጐ ኣሕዋት ኣባቢያተ ክርስቲያን ዝነበረ ሓድነት ዳግም ተመሊሱ ክረጋገጽ ናይ ዘሎ ብርቱዕ ድላይ ትእምርቲ ዝዀነ ነቲ ኣብ መንፈስ ቅዱስ ዘሎ ናይ ሰላምን ፍቕርን ሓድነት ንዘሎ ጥምረት ዝምስክር እዩ

ናይ ቁስጥንጥንያ ናይ ውህደት ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ፓትሪያርክ ብፁዕ ወቅዱስ በርተለመዎ ቀዳማዊ ዝኽሪ ሕርየቶም ምኽንያት ብናይ ቅድስቲ መንበር ምስ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያን ውህደት ዘነቓቕሕ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ኣቦ መንበር ብፁዕ ካርዲናል ኰኽ ዝተመርሔ ልኡካን ቅድስቲ መንበር ኣብ ኢስታምቡል ብድላይ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ከምእተላእከን፡ ብፁዕ ወቅዱስ በርጠለመዎስ ቀዳማዊ ኣብ ዝሰምዕዎ ቃል፡ ናይ ፍቕርን ሓቅን ዘተ ነሰጉሞ ከምዝበሉ ልኡኽ ጋዜጠይና ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ቫቲካን ረዲዮ ሚከለ ራቪያርት ሓቢሮም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ናይ ቁስጥንጥንያ ናይ ውህደት ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ፓትሪያርክ ብፁዕ ወቅዱስ በርጠለመዎስ ቀዳማዊ ዝተሓረይሉ ዕለት 2 ታሕሳስ ምኽንያት ኣብ ዝተኻየደ መንፈሳዊ ዝኽሪ ኣብ ዝለገስዎ ቃል፡ ብፁዕ ወቅዱስ በርጠለመዎ ቀዳማዊ ሓደ ናይ ኦርቶዶካዊት ቤተ ክርስቲያን ናይ ቲዮሎጊያ ሊቀ ጠቒሶም፡ መላእ ማሕበረ ክርስቲያን ኣብ ሓደ ናይ ሓባር መንፈሳዊ ስፍራ እዩ ዝርክብ ቢሎም፡ ምእንቲ’ዚ እቲ ኣብ መንጐ ኣቢያተ ክርስቲያን ዘሎ ፍልልይ ክትርድኦ ዘይከኣል እዩ፡ ስለምንታይ ቅድሚ እቲ ምፍልላይ ሓድነት ዝነበሮ ስለ ዝዀነ፡ ካብ ሓደ ደሓር እናጐደለ ካብ ዝመጸ ካብ ናይ ሓባር መንፈሳዊ ውርሻ እያቶም ዝመንጨዉ፡ ከምዝበሉ ዝሓበሩ ልኡኽ ጋዜጠይና ኣግልግሎት ክፍሊ ዜና ቫቲካን ረዲዮ ራቪያርት ኣስዒቦም፡

ናይ ሰላምን ፍቕርን ጥምረት

ብምኽንያት ዝኽሪ ሕርየት ፓትሪያርክ በርጠለመዎስ ቀዳማዊ ኣብ ኢስጣንምቡል መንበር ናይ ቅስጥንጥንያ ናይ ውህደት ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ዝተኻየደ ስነ ስርዓት ናይ ቅድስቲ መንበር፥ ኣብ መንጐ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያን ሓድነት ዘነቓቕሕ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ኣቦ መንበር ብፁዕ ካርዲናል ኩርት ኰኽ ዝተመርሔ ጉጅለ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ምስታፉ፡ ኣብ መንጐ ኣሕዋት ኣባቢያተ ክርስቲያን ዝነበረ ሓድነት ዳግም ተመሊሱ ክረጋገጽ ናይ ዘሎ ብርቱዕ ድላይ ትእምርቲ ዝዀነ ነቲ ኣብ መንፈስ ቅዱስ ዘሎ ናይ ሰላምን ፍቕርን ሓድነት ንዘሎ ጥምረት ዝምስክር እዩ ከምዝበሉ ኣፍሊጦም።

ጐደና ናይ ሓባር ጽዋዕ

ካብቲ ኣብ 1964 ዓ.ም. ኣብ መንጐ ጳውሎስ ሻድሻይን ኣብቲ እዋን ናይ ቅስጥንጥንያ ናይ ውህደት ኦርቶዶክሳዊት ቤት ክርስቲያን ፓትሪያርክ ዝነበሩ ኣተናጎራ ኣብ ኢየሩሳሌም ዝተራእየ ምትሑቑቓፍ ዝተበገሰ ኣብ ናይ ሓባር ክርስቲያናዊ ኣናስር ባህልን ሕገ ቀኖናን መሰረት ዘለዎ፡ ናይ ፍቕርን ሓቅን ዘተ ኣብ ጐደና ናይ ሓባር ጽዋዕ ዝስጉም እዩ ከምዝበሉን፡

ሱታፌ ቅዱሳን

ናይ ቅዱሳን ሱታፌ ኣገዳሲ እዩ፡ እቲ ኣብ ክልቴኣተን ኣቢያተ ክርስቲያን ዘሎ ኣኽብሮት ንናይ ቅዱሳት ትሩፋት ነቲ ናይ ሓባር ዘተ ጻዕሪ ደጋፍን ኣገዳስን እዩ፡ ናይ ኣቢያተ ክርስቲያን መራሕቲ ክራኸቡ ክደይ ባህ የብል፡ እዚዩ ባህ ዘብል ከኣ እቲ ርክብ ኣብ መንጐ ናይ ክልቲኣተን ኣቢያተ ክርስቲያን ምእመናን ክኸውን እንከሎ እዩ፡ በዚ ኣገባብ’ዚ ስለ እቲ ናይ ቅዱስ ጴጥሮስ ቅሱሳት ዓጽም ጭራፍ ንናይ ቍስጥንጥንያ ናይ ውህደት ኦርቶዶካዊት ቤተ ክርስቲያን ንዝለገሱ ሓው ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ አመስግን፡ እዚ ዝፈጸምዎ ቅዱስ ተግባር ኣብ ኢስጣምቡል ነሕዋት ጴጥሮስን እንድርያንስ ዘራኸበ ነቢያዊ ተግባር እዩ እንክብሉ ገሊጾም፡ ናብቲ ዝተመዓደ ሓድነት ንኽብጻሕ እንገብሮ ጻዕሪ ዘበራትዕን ዘወዓውዕን እውን እዩ ከምዝበሉ ኣፍሊጦም።

በርጠለመዎስ ቀዳማዊ፡ ብርቱዕ ድላይ ሱታፌ ኣብ መንጐ ምብራቕን ምዕራብን
05 December 2019, 16:35