ድለ

ቍብታ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ቍብታ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ  ርእሰ ዓንቀጽ

ታሪኻዊ ውሳኔ ጻማ ናይቲ ኣብ ወርሒ ለካቲት 2019 ዓ.ም. ዝተኻይደ ዓውደ ኣኼባ

በርገሳውያን ኣባይቲ ፍርዲ ንናይ ኩሪያ ሮማና ዘቕርበኦ ሕቶ ዓለም ሓቆፍ ሕግጋታትን እቲ ኣብ መንጐ ቅድስቲ መንበርን ነፍሲ ወከፍ ሃገራትን ዘሎ ስምምዕ ዘኽብር ክኸውን ከምዘለዎን፡ በንጻሩ እቲ ንናይ ሰበኻታት ዝቐርብ ሕቶ ብቐጥታ ንናይ ነፍሲ ወከፍ ሰበኻ ጳጳስ ዝቐርብ ኰይኑ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብገለ ገለ ኣባላት ውሉደ ክህነት ዝፍጸም ናይ ወሲብ ዓመጽን ኣብ ልዕሊ ሕጻናት ዝፍጸምዎ ናይ ወሲብ ዓመጽን ገበናት ኣብ ዝምልከት ጉዳይ ናይ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣባይቲ ፍርዲ ናይቶም ናይቲ ዓመጽ ግዳይ ዝዀኑ ዜጋታት ዝቕበልዎ ምስክርነት ንናይ በርገሳውያን ኣባይቲ ፍርዲ ዝቐርብ ክኸውን መታን ዝነበሮ ጳጳሳዊ ስቱርነትን ዝሓክኽ ዝደንገግዎ ሓድሽ ክልተ ናይ ሕጋግ ሰነዳት፡ ነቲ ዘበገስዎ መደብ ግልጽነት ዝምስክርን ኣብ ከይዲ ግልጽነት ድሕር ከምዘይብሉ ዘረጋግጽ ምዃኑ ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ መራኸቢ ብዙሓን ሓልዮ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ዋና ርእሰ ዓንቀጽ ኣሰናዳኢ ኣንድረያ ቶርኒየሊ (Andrea Tornielli) ኣብ ዘቕረብዎ ሓተታ የመላኽቱ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 4 ታሓሳስ ዝደንገግዎ ዕለት 16 ታሕሳስ ወግዓዊ ዝዀኑ ክልተ ሰነዳት ሕጋግ እቲ ኣብ ወርሒ ለካቲት 2019 ዓ.ም. ናይቲ ብኣኦም ተጠሊቡ ብዛዕባ ምክልኻል ትሕቲ ዕድመ ሕጻናት ናይ ዝመኸረ ዓውደ ኣኼባ ውጽኢት እዩ። እቲ ዘመሓላለፍዎ ውሳኔ ኣገዳስነት ዘለዎን ብዙሓት ታሪኻዊ እንክብሉ ይገልጽዎ። ናይ ወሲብ ዓመጽን ኣብ ልዕሊ ሕጻናት ዝፍጸም ዓመጽን ገበን ዝርጋሔ ጸያፍ ኣሳእልን ኣብ ዝምልከት ጉዳይ ቅዱስነቶም ዘለዎም ድሕር ዘይብል ቆራጽ ውሳኔ ኣብቲ ዝደንገግዎ ክልተ ሰነዳት ሕጋግ እነስተውዕሎ እዩ።

ብዛዕባ ዝተፈጸመ ናይ ወሲብ ዓመጽን ኣብ ልዕሊ ሕጻናት ዝፍጸም ዓመጽን ዝምልከት ዝቐርብ ክስን ኣደዳ ዝዀኑ ወይ ብቐረበ ነዚ ገበን እዚ ዝፈልጡ ኣካላት ዝህብዎ ምስክርነት ኣብ ዝተፈላለያ ናይ ኩርያ ሮማና ላዕለዎት መዋቕራትን ኣብ ዝተፈላለያ ሰበኻታት ዓለምን ቤተ መዝገብ ዝተተሓዘ ክሳብ እዛ እዋን እዚኣ ብጳጳሳዊ ስቱርነት ብዝብል መጸውዕ ተዓቂቡ ዝነበረ ንዝምልከቶ ኣካል ማለት ንናይ ሃገራት በርገሳውያን ኣባይቲ ፍርዲ ምስ ዝሓታ ብዘይ ምንም ቅድመ ኩነት ክመሓላለፍ ፍቑድን ግድን ዝብል እዩ፡ ብሓቂ እዚ ግልጽነትን ክፉትነትን ምትሕብባር ምስ በርገሳውያን ስበ ስልጣናትን ክህሉ ዝብል ዓቢይን ታሪኻውን ውሳኔ እዩ።

በርገሳውያን ኣባይቲ ፍርዲ ንናይ ኩሪያ ሮማና ዘቕርበኦ ሕቶ ዓለም ሓቆፍ ሕግጋታትን እቲ ኣብ መንጐ ቅድስቲ መንበርን ነፍሲ ወከፍ ሃገራትን ዘሎ ስምምዕ ዘኽብር ክኸውን ከምዘለዎን፡ በንጻሩ እቲ ንናይ ሰበኻታት ዝቐርብ ሕቶ ብቐጥታ ንናይ ነፍሲ ወከፍ ሰበኻ ጳጳስ ዝቐርብ ኰይኑ፡ ኣብ መንጐ ቤተ ክርስቲያንን መንግስትን ዘሎ ስምምዕ መሰረት ብዝገበረ ኣገባብ እውን ክኸውን እቲ ሓድሽ ክልተ ሰነደ ይእዝዝ።

እቲ ናይ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ጽኑዕ ውሳኔ ምስቲ ናይ ዓለም ብርሃን ኢኻትኩም ብዝብል ኣርእስቲ ዝሓለፈ ወርሒ ግንቦት ብዘለዎም ቅዱስ ጴጥሮሳዊ ስልጣን ምስ ዝደንገግዎ ሕጊ ዝተኣሳሰረ እዩ። እዚ ኸኣ ናይ ትሕቲ ዕድመ ሕጻናት ሰናይን ሓልዮትን ክብርን ብዘይ ቅድመ ኩነት ቀዳምነት ክወሃቦ ዝብል እዩ፡ ስለዚህ ልዕሊ ዝዀነ ይኹን ስቱርነትን ጳጳሳዊ ስቱርነት እውን ይኹን ናይ ሕጻናት ክብሪ ቀዳምነት ክምዘለዎ ዘረጋግጽ እዩ። እዚ ውሳኔ’ዚ ናይ ቅዱሳት ምስርጥራት ቅዱስነት ዝግህስ ኣይኰነን፡ ንኣብነት ምስጢረ ንስሓ፡ ስለምንታይ ክስን ምስክርነትን ካብ ምስጢረ ንስሓ ዝተፈልየ እዩ፡ ነቶም ከሰስትን መሰኻርን ነቶም ግዳይ ዝዀኑን ንምክልኻል ብዝብል ኣገብብ ዝቐርቡ ክስታትን ዝወሃቡ ምስክርነትን ህዝባዊ ርስቲ ክኸውንን ወይ ዝነጕሕ ዜና ክኸውን የብሉን ። ካብዛ ሰዓት እዚኣ እቲ ናይ ክስን መሰኻኽርን መዝገብ ንዝምልከቶ መርመራ ንዘካይድ በርገሳዊ ስልጣን እቲ ድሮ ብሕገ ቀኖኖ መሰረት ኣብ ክሂሎት ዝርከብ ሰነድ ከመሓላለፍ ዝእዝዝ እዩ።

(Andrea Tornielli)

ታሪኻዊ ውሳኔ ጻማ ናይቲ ኣብ ወርሒ ለካቲት 2019 ዓ.ም. ዝተኻይደ ዓውደ ኣኼባ
18 December 2019, 16:50