ድለ

ኣብቲ ካልኦት ሓጢኣትን በደል ፈጻምነትን ኣብ ዝርእይሉ ኢየስስ ግና ሓዋርያነት ረኣየ ኣብቲ ካልኦት ሓጢኣትን በደል ፈጻምነትን ኣብ ዝርእይሉ ኢየስስ ግና ሓዋርያነት ረኣየ  ርእሰ ዓንቀጽ

ኣብቲ ካልኦት ሓጢኣትን በደል ፈጻምነትን ኣብ ዝርእይሉ ኢየስስ ግና ሓዋርያነት ረኣየ

ተልእዀ መደብ ቅድሚ ምዃኑ ተሰምዖ ህዋሳትካ እትመስርቐሉን ኣብ ግብሪ ከተውዕሎ ዘሎካ መደብ ወይ ስራሕ ዘይኰነስ ናይ መንፈስ ቅዱስ ስራሕ ምዃኑ ተገንዚብካ

ወንጌል ብኸመይ እዩ ዝስበኽ? ካብቲ ኢየሱስ ናዝራዊ ኣብ ጐደናታት ዝራኸቦም እሞ ብእወታዊ ጥማቶ ዝምልከቶም ዝነበረ፡ ልክዕ ብእወታዊ ጥማተ እዩ፡ ነዚ ዝበሉ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 22 ሕዳር 2019 ዓ.ም. ኣብ ናይ ሳልሳይ መዓልቲ ውዕሎኦም ሓዋርያዊ ዑደቶም ኣብ ታይላንድ ምዃኑ ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ መራኸቢ ብዙሓን ዋና ርእሰ ዓንቀጽ ኣሰናዳኢ ኣንደረያ ቶርኒየሊ ዕለት 22 ሕዳር 2019 ዓ.ም. ኣብ ዘውጽኦ ርእሰ ዓንቀጽ ይሕብሩ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብቲ ካልኦት ሓጢኣትን ርኽሰትን ሓለፍቲ መደበር ቀረጽ ዝነበሩ ብላዕ ተቐባልነቶምን በደል ፈጻምነቶም ዝርእየሎም ኢየሱስ ግና ሓዋርያነት ይርእይ፡ እዚ እቲ ወንጌል ንኸነበስር ዘተባብዕና ኣብ ናይ ኢየሱስ ጥማቶ ዘሎ ጽባቔ እዩ። ክንየው ሓጢኣተይናነትካን ውስንነትካን ዝብል ኣባና ዘሎ ዕቁር ሓይሊ ዝርእይ እዩ፡ ዝልውጥ፡ እዘን ቃላት እዚኣተን ናብ ዝተፈላለየ ኵርናዕ ዓለም ኣብሰርቲ ወንጌል ዝለኣኻ እያተን። ቅዱስ ኣቦና ኣብ ታይላንድ ንካህናትን ገዳማውያንን ገዳማውያትን ተመሃሮ ዘረኣ ክህንት ናይ ትምህርተ ክርስቶስ መምሃራንን ኣብ ዋት ሮማን ኣብ ዝርከብ ቁምስና ቅዱስ ጴጥሮስ ካብ ባንግኮክ ውጽእ ቢሉ ኣብ ዝርከብ ክፍለ ከተማ ታ ክሃም ተረኺቦም ኣብ ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን ዘስመሩሉ ሓሳብ ምዃኑ ቶርኒየሊ ይሕብሩ።

ኣብቲ ካልኦት ሓጢኣትን በደል ፈጻምነትን ዝርእይሉ ኢየስስ ግና ሓዋርያነት ረኣየ

እቲ ናይ ኢየሱስ ጥማቶ ነቲ ኵሉ ጽሕፍቶነትን ዕጫነትን ውጥናነትን ዝብል ይሰብር፡ ቅዱስነቶም ነዚ ዝበሉ ኣብቲ ምስ ናይ ታይላንድ ብፁዓን ጳጳሳት ኣብ ቅዱስ ስፍራ ብፁዕ ኒኮላስ ቦንከርድ ኪትማምሩንግ ዘካየድዎ ርክብ ክኸውን እንከሎ፡ ተልእዀ መደብ ቅድሚ ምዃኑ ተሰምዖ ህዋሳትካ እትመስርቐሉን ኣብ ግብሪ ከተውዕሎ ዘሎካ መደብ ወይ ስራሕ ዘይኰነስ ናይ መንፈስ ቅዱስ ስራሕ ምዃኑ ተገንዚብካ ብኣባታውን እናታውን መንፈስ ዝድረኽ ብኣንብሮት ብርሃን መንፈስ ቅዱስ እዩ ዝፍጸም፡ እቲ ጓሳ እታ በጊዕ እትጠፍእ ባዕሉ ጠፊኣ እያ ቢሉ ክሓሳብ እንከሎ እዩ ዝብል ቅድመ ምስትዓል ክህልዎ ዝገብር ሻቕሎት ኣደነትን ኣቦነትን ዝንበሮ ክኸውን ኣለዎ ከምዝበሉ ቶርኒየሊ ኣብ ዘቕረብዎ ርእሰ ዓንቀጽ የመላኽቱ።

ሳዕቤን ናይቲ እወታዊ ጥማቶ ብህልውትና ዝብል ፍሉይ ኣብ ባህልታትን ያታን ዝተፈላለዩ ሕዝብታት ዘሎ ክብሪ ግቡእ ክብሪ ናይ ምሃብ ብቕዓት ዘለዎ ናይ ክርስቲያናዊ ተልእዀ መለለዪ እዩ። ጉይታ ይብሉ ቅዱስነቶም፡ ዝለኣኸና ንሰባትብጸቕጢ  ሕግታት ትእዛዛዊ ቀስቢ ወይ ኣብ ልዕሊ እቲ ድሮ ዘለዎም ከበድ ሕይወት ካልእ ተወሳኺ ከቢድ ጾር ኣብ ዕንግዕዳኦም ንኸነንብረሎም ዘይኰነስ ሓሴትን ግሩምን ሓድሽን ዘደንቕን ትርኢት ንኸነካፍሎም እዩ። ስለዚህ ወንጌል ብዝያዳ ንኸነብህልትዎ ከፍርሓና የብሉን፡ ጐይታ ንምፍላጥ ዝድርኽ ድላይ ንምንቕቓሕን ካብ ምትኻስ ንምብርባርን ዘብቅዕ ሓድሽ ዓይነት ኣቀራርባ ወንጌል ከነለልይ ይግብኣና፡ ወንጌል እቲ ዝኣረገ ዘይኰነ ሓድሽ ልብሲ ዘለዎ ልክዕ ከምዛ ናይዛ ሃገር ህዝቢ ስነ ሙዚቃ መንፈስ ዘወዓውዕ እዩ፡ ነዚ ጽባቔ እዚ ተላቢሱ ልቢ ኣሕዋት ዘወዓውዕ ኰይኑ ክቐርብ ኣለዎ ከምዝበሉ ጠቒሶም ቶርኒየሊ ዘቕረብዎ ርእሰ ዓንቀጽ ዛዚሞም።

(Andrea Tornielli)

ኣብቲ ካልኦት ሓጢኣትን በደል ፈጻምነትን ዝርእይሉ ኢየስስ ግና ሓዋርያነት ረኣየ
23 November 2019, 16:32