ድለ

2019.01.21 AIF Autorita di Informazione Finanziaria 2019.01.21 AIF Autorita di Informazione Finanziaria 

ንናይ ቅድስቲ መንበር ናይ ቁጠባ ሓልዮ ሓበሬታቤት ጽሕፈት በዓል ስልጣን ሓድሽ ኣቦ መንበር

እቲ ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ ቁጠባ ሓልዮ ሓበሬታ በዓል ስልጣን ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ኣብ 2010 ዓ.ም. ብውሳኔ በነዲክቶስ መበል 16 ዝቖመ ኰይኑ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ እውን

ነቶም ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ ቁጠባ ጉዳይ ሓበረታ ዝከታተል በዓል ስልጣን ቤት ጽሕፈት ኣቦ መንበር ኰይኖም ዘገልገሉ ናይ ኣገልግሎት ዘመኖም ኣብ ቀረባ እዋን ንዘብቅዑ ረነ ብሩዔልሃርት ዝትኽኡ ሓድሽ ኣቦ መንበር ብር.ሊ.ጳ. ከምሰመዩ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ሓቢሩ፡ ናይቶም ዝተሰምዩ ሓድሽ ኣቦ መንበር ስም ቅዱስነቶም ኣብ ታይላንድን ጃፓንን ዘካይድዎ መበል 32 ዓለም ሓቆፍ ሓዋርያዊ መገሻ ዛዚሞም ናብ ሃገረ ቫቲካን ምስ ተመልሱ ብወግዒ ክፍልጡ እውን ምዃኑ የመላኽት።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ቅዱስ ኣቦና ነቶም ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ ቁጠባዊ ጉዳይ ሓበሬታ ዝሓልዮ በዓል ስልጣን ቤት ጽሕፈት ኣቦ መንበር ኰይኖም ንዘገልገሉ ንዶክተር ረነ ብሩኤልሃርት ንዘበርከትዎ ኣገልግሎት ከምዘመስገንዎም ዝሓበሩ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ዋና ሓላፊ ማተዮ ብሩኒ ኣስዒቦም፥ ናይቲ ቤት ጽሕፈት ኣቦ መንበር ንኽዀኑ ዝሓረይዎም ብዓለም ሓቆፋውን ብሔራውን ደረጃ ተፈላጥነት ዘለዎም ኣብ ናይ ቁጠባን ኤኮኖምን ስነ ኪደት ዝለዓለ ናይ ሙያ ተክለ ሰብነት ዘለዎም ብቁዕ ሰብ ከምዝዀኑን ገሊጾም፡ ስም ናይ ሓድሽ ኣቦ መንበር ካብቲ መበል 32 ዓለም ሓቆፍ መገሻኦም ምስ ተመልሱ ብወግዒ ከፍልጡ ከምዝዀኑን፥ እቲ ናይ ቁጠባ ናይ ሓበሬታ ቤት ጽሕፈት ስርሑ ብብሔራውን ዓለም ሓቆፋውን ደረጃ ከም ቀደም ብምትሕብባር ዝቕጽል ከምዝዀነ ኣፍሊጦም።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ እቲ ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ ቁጠባ ሓልዮ ሓበሬታ በዓል ስልጣን ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ኣብ 2010 ዓ.ም. ብውሳኔ በነዲክቶስ መበል 16 ዝቖመ ኰይኑ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ እውን ንግብረ ሓጻቢቶ ረሳሕ ሃብቲ ገንዘብን ዝውውር ሃብቲ ገንዘብ ጉጅለ ኣሸበርትን ናይ ገበን ጉጅለታትን ንምቁጽጻርን ብዝብል ውሳኔ መሰረት ክቕጽል ከምዝገበሩን፡ እዚ ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ ቁጠባ ሓልዮ ሓበሬታ በዓል ስልጣን ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ካብ ዕለት 3 ሓምለ 2013 ዓ.ም. ኣትሒዙ እቲ ብኤግሞንት ዝፍለጥ ዓለም ሓቆፍ ናይ ቁጠባ ሓልዮ ሓበሬታ በዓል ስልጣን 152 ሃገራት ብኣባልነት ዝሓቁፍ ክኽውን እንከሎ፡ ቅድስቲ መንበር እውን ሓንቲ ካብተን ኣባላት ሃገር ምዃና ብሩኒ ገሊጾም።

ንናይ ቅድስቲ መንበር ናይ ቁጠባ ሓልዮ ሓበሬታቤት ጽሕፈት በዓል ስልጣን ሓድሽ ኣቦ መንበር
19 November 2019, 16:13