ድለ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፡ ናይ ሞንትሪያል ውዕሊ ፍጥረት ንምድሓን ኣብነት እዩ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፡ ናይ ሞንትሪያል ውዕሊ ፍጥረት ንምድሓን ኣብነት እዩ 

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፡ ናይ ሞንትሪያል ውዕሊ ፍጥረት ንምድሓን ኣብነት እዩ

ኣብዚ ኣዋን’ዚ ምእንቲ ንናይ ሓባር ረብሓ ድዩ ወይ ውን ጸረ ናይ ሓባር ጥቕሚ ዝብል ባህሊ እቲ ዝዓበየ ብድሆ ምዃኑ ቅድስነቶም ገሊጾም፡ ስለዚህ ቅኑዕን ውጽኢታውን ዝዀነ ናይ ሓባርን ናይ ውልቅን ረብሓ ጽን ዝብል ህልውን መጻእን ናይ ምህዳር ሕንጸት ዝጠልቦ ምትሕብባርን ምህዞነትን ዝብል ናይ ሓባር ዘተ ምንቕቓሕ ከምዘድሊ

ናብቲ ሮማ ኣብ ዝርከብ ናይ ዓለም ሓቆፍ መግብን ሕርሻን ሓልዮ ውድብ ዋና ሕንጻ ኣብ ዝርከብ ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ ናብ ዝካየድ ዘሎ መበ 31 ናይ ሞንትሪያል ውዕሊ ከተምቲ ሃገራት ዓውደ ጉባኤ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብቲ ዓውደ ጉባኤ ብዝሳተፉ ዘለዉ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ብፁዕ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን ኣቢሎም መልእኽቲ ከምዘመሓላለፉን፡ ቅዱስነቶም እቲ ናይ ሞንትሪያል ውዕሊ ንኽንክን ምህዳር ኣብ ግብሪ ምውዓል ኣገዳሲ ምዃኑ ኣዘኻኺሮም፡ ነቲ ውዕሊ ምኽባር ተፈጥሮን ፍጥረትን ኣብ ምክንኻን ንቕድሚት ምስጓም እዩ ቢሎም፡ ቅድስቲ መንበር ምህዳርን ብጠቕላላ ተፈጥሮ ዝብክል ዘበለ ንጥረ ነገር ምቅዋም ዝብል ናይ ኪጋሊ ውዕሊ ከምእተቐበለቶ ይሕብሩ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ቅዱስነቶም ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ኣብታ ይሴባሕ ዘርእስታ ዓዋዲት መልእክቲ ዘተኰረ ኰይኑ፡ እቲ መልእኽቲ ቅዱስ ኣቦና፡ ሰለስተ ነጥብታት ዘመላኽት ኰይኑ፡ ነቲ ኣብ ዓለም ዝረአይ ዘሎ ናይ ከባቢ ኣየር ብከላን ሙቐት ሜረት ክብታን ንምንካይ ዝድግፍ ናይ ሞንትሪያል ውዕሊ ምትግባር ናይ ዓለም ስነ ምርምር ሊቃውንትን ፖለቲካን ናይ ኤኮኖሚ መዳያትን እንዳስትሪታን በርገሳውያን ማሕበረሰብን ክተሓባበሩ ኣለዎም፡ ምኽባር ተፈጥሮ ሎሚ ንናይ ጽባሕ ወለዶ ተስፋን ድጋፍን እዩ ከምዝበሉ ልእኽቲ ጋዜጠይና ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ቫቲካን ረዲዮ ኤማኑኤላ ካምፓኒለ ሓቢረን።

ናይ ሰብኣዊ ፍጥረት ናጽነት ብግቡእ ምጥቃምን ምዕባለ ዕደ ጥበብ ብግቡእ ንምምስራቕን ንተቐባልነት ዘለዎ ምዕባለን ዝድግፍን ሰብኣውን ምህዳራውን ኵለንተናዊ መሰረት ብዝገበረ ዓይነት ኣነባብራ ክግለጽ ከምዘለዎ ኣብቲ ብፁዕ ካርዲናል ፓሮሊን ዘንበብዎ መልእኽቲ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ተመልኪቱ ከምዘሎ ካምፓኒለ ኣፍሊጠን።

ዕደ ጥበብ ንበይኑ እንኰ መፍትሒ ኣይኰነን

ኣብዚ ኣዋን’ዚ ምእንቲ ንናይ ሓባር ረብሓ ድዩ ወይ ውን ጸረ ናይ ሓባር ጥቕሚ ዝብል ባህሊ እቲ ዝዓበየ ብድሆ ምዃኑ ቅድስነቶም ገሊጾም፡ ስለዚህ ቅኑዕን ውጽኢታውን ዝዀነ ናይ ሓባርን ናይ ውልቅን ረብሓ ጽን ዝብል ህልውን መጻእን ናይ ምህዳር ሕንጸት ዝጠልቦ ምትሕብባርን ምህዞነትን ዝብል ናይ ሓባር ዘተ ምንቕቓሕ ከምዘድሊ ኣመላኺቶም፡ እደ ጥበባዊ ምዕባለ ንበይኑ ምሉእ መልሲ ክህብ ኣይክእልን፡ ወይ ውን እንኰ መፍትሒ ኣኰነን፡ እንኰ መፍትሒ እዩ ዝብል ኣካዳ እደ ጥበብ ሓደ ሽግር ኣብ ምፍታሕ ካልእ ጽገም እዩ ዝፈጥር፡ ስለዚህ ነቲ ኣብ ፍጥረት ዘሎ ተራኻብነት ግምት ዝህብን ኵለተናዊ ጠመተ ብዘለዎ ኣገባብ ክምራሕ ኣለዎ ከምዝበሉ ዝሓበራ ካምፓኒለ ኣስዒበን፥

ናይ ኪጋሊ ውዕልን ተቐባነቱ ብቕድስቲ መንበርን

ኣብቲ ናይ ሞንትሪያል ውዕሊ እቲ ናይ 2016 ዓም. ናይ ኪጋሊ ናይ መአረምታ ሰነድ ምስዃዕ ኣገዳሲ እዩ፡ ስለምንታይ ፍንዎት በካሊ ንጥረተ ንገር ናብ ከባቢ ኣየር ክኽልክል ዝብልን ብጠቕላላ እቲ ናይ መሬት ዋዒ ክብ ዘብል ተግባራት ኵሉ ክውገድ ዝብል ምዃኑ ኣብሪሆም፡ ቅድስቲ መንበር ነቲ ናይ ኪጋሊ ውዕሊ ቅቡል ቢላ ክታማ ተንብር ከምዝበሉ ኣፍሊጠን።

ኵሉ ተሟራዃሲ እዩ

ተፈጥሮ ንምክልኻል እነካይዶ ጻዕሪ ካብቲ ኵሉ ተሟራኻሲ እዩ ዝብል ምስትውዓል ዝነቐለ ክኸውን ኣለዎ፡ እቲ ናይ ኪጋሊ ናይ መአረምታ ሰነድ ዘንበሮም መሰረታውያን ሓሳብ እውን ዘመላኽቶ እዩ፡ ስለዚህ ሰብኣዊ ፍጥረት ኣብ ኣነባብራኡ መላእ ፍጥረት ዘማእከለ ሓልዮት ተፈጥሮ ዝብል መሰረታዊ ሓሳብ ክህልዎ ይግባእ ከምዝበሉ ካምፓኒለ ገሊጸን፡

ንናይ ሓባር ረብሓ ምስሩቕ ዝዀነ ባህሊ

ነቲ ታሪኻዊ እዋን ንምግጣም ክንስዕቦ ዝግብኣና መገዲ ቅዱስነቶም ኣብ መልእኽቶም ክሕብሩ እንከለዉ፡ ኣርሒቑ ዝጥምት ንምሉእን ኵለንተናዊ ኪደት ምዕባለ ርሑቕን ቀረባን ንዘሎ ኵሉ መላእ ሰብኣዊ ስድራ ሓለፋ ዝብል፡ እዚ ርእየት እዚ ብሕንጸት ኰነ ብስነ ባህሊ እውን ብምትብባዕን ብምስፋሕን ነፍሲ ወከፍ ዜጋ ኣብ ፖለቲካውን ስነ ምርምራውን ኤኮኖሚያውን ጉዳይ ሓላፍነት ዝስምዖን ኣብቲ  ወሳኒ ኣካል ብተዘዋዋሪ መገዲ ትውሱእ ክኸውን ምድጋፍ የድሊ ከምዝበሉ ዝሓበራ ካምፓኒለ ኣስዒበን፥ እቲ ኪደት ምዕባለ ንናይ ሓባር ጥቕሚ ዘተኰረ ክኸውን ኣለዎ ከምዝበሉ ኣፍሊጠን።

ዕደ ጥበባዊ መፍትሒ ናይቲ ሓፈሻዊ ርእየት ክፍሊ መታን ክኸውን ማንም መፍትሒ ቡሉ ዝሓስበ ዘበለ ናይ ገዛእ ርእሱ ኣመለኻኽታ ብጸቕጢ ካብ ምቕራብ ተቖጢቡ ሸቶኡ ናይ ሓባር ጥቕሚ ዝብልን ኣብ ልዕሊ ተፈጥሮ ኰነ ኣብ ልዕሊ ናይ ሎምን ናይ ጽባሕን ሕይወት ውድመት ኰነ መሰናኽል ከይሁሉ ዝብል ክኸውን ኣለዎ ከምዝበሉ ካምፓኒለ ገሊጸን።

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፡ ናይ ሞንትሪያል ውዕሊ ፍጥረት ንምድሓን ኣብነት እዩ
08 November 2019, 16:43