ድለ

ራባይ (ናይ ኣይሁድ ሃይማኖት መምህር) ስኮርካ፥ ጸረ ሰማዊ ገና ደም ዝተፍእ ዘሎ ቁስሊ እዩ ራባይ (ናይ ኣይሁድ ሃይማኖት መምህር) ስኮርካ፥ ጸረ ሰማዊ ገና ደም ዝተፍእ ዘሎ ቁስሊ እዩ 

ራባይ (ናይ ኣይሁድ ሃይማኖት መምህር) ስኮርካ፥ ጸረ ሰማዊ ገና ደም ዝተፍእ ዘሎ ቁስሊ እዩ

እቲ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 13 ሕዳር 2019 ዓ.ም. ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ኣብ ዝለገልሱ ዕለት ንጸረ ሰማዊ ጉዳይ ዝቃወም ዝገለጽዎ ሓሳብ ኣገዳሲ እዩ፡ ኵላትና ኣሕዋት ምዃንና ዝሕብርን፡ ብባህልን ብቋንቋን ሃይማኖትን ዓሌትን ኵሉ ካባኻ ዝተፈልየ፡ ከማኻ ሰብን ሓውኻን ምዃኑ ዘዘኻኽር እዩ

ሎ ሶርቫቶረ ሮማኖ እተሰምየ ናይ ቅድስቲ መንበር ዕለታዊ ጋዜጣ ኣብ ናይ ዕለት 13 ሕዳር 2019 ዓ.ም. ሕትመቱ፡ ናይቲ ጋዜጣ ዋና ኣሰናዳኢ ኣንድረያ ሞንዳ፡ ቅዱስ ኣቦና በታ ዕለት እቲኣ ኣብ ዝለገስዎ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርት ክርስቶስ ኣብ ልዕሊ ኣይሁድ ዝተፈጸመ ሕልቂትን ስደትን ግፍዕን ሎሚ እውን ሓሓሊፉ ዳግም ዝውለድ ዘሎ ይመስል ቢሎም፡ ኣብ ልዕሊ ኣይሁድ ዝፍጸም በደል ኢሰብኣውን ዘይክርስቲያናውን ተግባር እዩ እንክብሉ ኣበርቲዖም ጸረ-ሰማዊ ተግባር ኩሉ ኰኒኖም ኩሉ ጸረ ሰማዊ ዘበለ ተግባር ክቃወሞ ጻውዒት ኣብ ዘቕረብሉ ዕለት ኣብ ናይ ቅድስቲ መንበር ዕለታዊ ጋዜጣ ሕንጻ ምብጻሕ ዘካየዱ ራባይ ኣብራሓም ስኮርካ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ከምዘንበበ ክፍልጥ እንከሎ፡

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ቅዱስነቶም እቲ ኵሉ ኣብ ልዕሊ ኣይሁድ ዝተፈጸመ ጸረ-ሰማዊ ተግባር ዳግም ከይተባባዕ ነቒሑ ክዓይን፡ ኣብ ልዕሊ ኣይሁኣውያን ዝተፈጸመ ሕልቂትን ኣሳዶን መከራን ዳግም ንኽምለስ ዝገብሩ ሓሓልሊፎም ኣብ ገለ ገለ ሃገራት ዝረአዩ ተግባራት ኢሰብኣውን ኢክርስቲያናውን እዩ ዝበልዎ ቅዱነቶም፥ ንሕዝቢ ኣይሁድ ዘለዎም ቅርበት ንተመሳሳሊ ሕልቂት ከይቃላዕ ዘካይድዎ ልዑልን ጥልቅን ህርኵት ጻዕሪ ዝምስክር እዩ ዝበሉ ራባይ ኣብራሓም ስኮርካ ኣስዒቦም፡ እቲ ቃል ር.ሊ.ጳ. ብሓቂ ውሽጦም ከምዝተንከፎምን፡ ክምስገኑ እውን ይግብኦም ቢሎም፡ ቅዱስነቶም ዝበልዎ ኵሉ ካብ መዓሙቕ ልቦም እዩ ዝነቅል፡ ሓሓሊፉ ብፍላይ ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ገለ ገለ ሃገራት ዝረአይ ዘሎ ጸረ-ሰማዊ ተግባራት ብሓቂ ዘሰክፍ እዩ፡ እዚ እውን እቲ ኣብ ዝሓለፈ ታሪኽ ኣብ ልዕሊ ኣይሁድ ዝተፈጸመ ህልቂት ዝተፈጸመ ዘስካሕክሕ ግብረ ጸረ ሰማዊ ገና ደም ዝተፍእ ዘሎ ቁስሊ ክይኑ ፍፈጺሙ ከምዘይሓወየ ዘመላኽት እዩ፡ ጸረ ሰማዊ ናይ ክልተ ሺሕ ዓመታት ታሪኽ ዘለዎ እዩ፡ ካብቲ ኵሉ ናይ ኣይሁድ ገበን እዩ ካብ ዝብል ኣጻልም ስም ዝገለጽን፡ እቲ ናዛዊ ስርዓት ነዚ ገበን ናይ ኣይሁድ ዝብል ኣብ ጥንታዊ ታሪኽ ዝነበረ ህልዩ መሰረት ገይሩ ዝተበገሰ እዩ፡ …. ኣብ ስነ ሰብእ ምርምር፥ ሰባት ኣብ ሓደ ስርዓት ውሽጥን ኣብ ሓደ ዓይነት ስነ መጐታውን መጋርያ (ዕስለ) ይነብር ዝብል ኣእማኒ ዝዀነ ጥንታዊ ሓሳብ ኣሎ፡ ውልቀ ሰብ (ንሱነቱ) ዘይኰነ ዕስለነት (ጭፍራውነት) ጥራሕ ዝብልን፡ ቅዱስ መጽሓፍ ነዚ ጭፍራውነት እዚ ይኣልይ። እግዚኣብሔር ነፍሲ ወከፍ ሰብ ኣብ ሓላፍነቱ ይጽውዕ፡ ይኹን ደኣ እምበር እቲ መጋርያነት ዝብል መጐት ሎሚ ሓይሊ ንኽረክብ ዝበራበር ዘሎ እዩ ዝመስል፡ እቲ ስርዓት ናዚ እውን መጋርያ ጀርመን ዝብል እዩ፡ ናዚያዊ ስርዓት ጀርመን ዘይኰነ ውልቀ ሰብ ዝሓክኽ መጋርያነትን ዕስለነትን እዩ ከዕውት ዝሓልም ዝነበረ፡ ክልተ ዓይነት ኣረኣእያ ወይ ኣመዛዝና ነገራት ኣሎ፡ እቲ ሓደ፥ ጵላጦነ ከምዝብሎ፡ ሓሳብ ቅድሚ ሰብ እቲ ካልኣይ መርኣያ ድማ ሰብ ቅድሚ ሓሳብ ዝብል ቅዱስ መጽሓፋዊ ኣረኣእያ እዩ፡ ክልተ ዓይነት ዘይራኸቡ ናብ ዝተረሓሓቕ ጫፍ ዝውንጨፉ መገድታት፡ እቲ ሓደ ውልቃውነት ዝብል ኣህላኺ ማሕበረሰብ ዝብል ህልዮነትን እቲ ካልኣይ ከኣ መጋርያነት/ጭፍራነት ዝብል፡ ውልቃውነት ዝብል ኣካይዳ ንምውጋድ መጋርያነት ወሳኒ እዩ ዝብል ክብርን ናይ ውልቀ ሰብ ናጽነት ዝግህስን ምስ ዘለዓዕሎ ማሕበራዊ ውጥረትን ማሕበራዊ ጽልእን ተረኪብ ዝደልይ ወይ ውን ፍንወተ ምኽንያት ቢሉ ዘቕርቦ ዘለዎ (ዝሕረዱ ዝሳደዱን ዝብሎም)። ሎሚ እቲ ዝርአይ ዘሎ ዘሕዝንን ዘቖጥዕን ማሕበራዊ ምስሕሓብ ካብዞም ክልተ ህልዩታት ዝነቅል እዩ ኢሎም።

ነዚ ኹሉ ግምት ብምሃብ እቲ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 13 ሕዳር 2019 ዓ.ም. ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ኣብ ዝለገልሱ ዕለት ንጸረ ሰማዊ ጉዳይ ዝቃወም ዝገለጽዎ ሓሳብ ኣገዳሲ እዩ፡ ኵላትና ኣሕዋት ምዃንና ዝሕብርን፡ ብባህልን ብቋንቋን ሃይማኖትን ዓሌትን ኵሉ ካባኻ ዝተፈልየ፡ ከማኻ ሰብን ሓውኻን ምዃኑ ዘዘኻኽር እዩ፡ ጸረ ሰማዊ ኢሰብኣውን ኢክርስቲያናውን እዩ እንክብሉ ዝገልጽዎ ሓሳብ ኵሉ ከስተውዕሎ ኣለዎ ኢሎም።

ራባይ ስኮርካ፥ ጸረ ሰማዊ ገና ደም ዝተፍእ ዘሎ ቁስሊ እዩ
14 November 2019, 17:43