ድለ

ግረኽ፡ ሲኖዶስ ወትሩ ንናይ ቤተ ክርስቲያን ወንጌላዊ ልኡኽነት ወሳኒ ኵነት እዩ ግረኽ፡ ሲኖዶስ ወትሩ ንናይ ቤተ ክርስቲያን ወንጌላዊ ልኡኽነት ወሳኒ ኵነት እዩ 

ግረኽ፡ ሲኖዶስ ወትሩ ንናይ ቤተ ክርስቲያን ወንጌላዊ ልኡኽነት ወሳኒ ኵነት እዩ

እቲ ቅዱስ ኣቦና ዝገልጽዎን ዝነብርዎን ሲኖዶሳውነት፡ ሕዝበ እግዚኣብሔር ዝብል እዩ፡ ናይ ሕዝበ እግዚኣብሔር ቲዮሎጊያ ዝንበሮ

ናይ ብፁዓን ጳጳሳት ሲኖዶስ ጠቕላሊ ዋና ጸሓፊ ብፁዕ ኣቡነ ግረኽ ኣብ ናይ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ር.ሊ.ጵጵስና ሲኖዶሳውነት ዘለዎ ዓቢይ ክብሪ ዝምህርን ዘተሓሳስብን እዩ፡ ከምዚ ምዃኑ እውን ብኣኦም ተጸዊዑ ዝተኻየዱ ሲኖዶስ ዘረጋግጾ ምዃኑ ምስ ቫቲካን ረዲዮ ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ይሕብሩ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ብፁዕ ኣቡነ ማሪዮ ግረኽ ናይ ብፁዓን ጳጳሳት ሲኖዶስ ጠቕላሊ ዋና ጸሓፊ ንኽዀኑ ብር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 2 ጥቅምቲ 2019 ዓ.ም. ተሓርዮም ዝተወሃቦም ሓላፍነት ካብ ዕለት 6 ክሳብ ዕለት 27 ጥቅምቲ 2019 ዓ.ም. ኣብቲ ዛዕባ ኣማዞን ዝመኸረ ሲኖዶስ ምስቶም ዝትክእዎም ናይ ሲኖዶስ ጠቕላሊ ዋና ጸሓፊ ኰይኖም ዘገልገሉ ምስ ዝነበሩ ብፁዕ ካርዲናል ሎረንዞ ባልዲሰሪ ሓቢሮም ከምዘገልገሉ ኣዘኻኺሮም፡ እዞም ተወላዲ ማልታ ጳጳስ፡ ሲኖዶሳውነት ኣብ ናይ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ስልጣናዊ ትምህርትን ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎን ዘለዎ ልዑል ስፍራ ከመላኽቱ እንከለዉ፡ ጭቡጥ ወይ ውን ክውንነት ካብ ማእከል ዘይኰነ ብብቕዓት ክስትውዕኣል ዝከኣል ካብ ወሰናስን እዩ፡ ስለዚህ ኣብ ደጋዊ ክፍሊ ከተማታትን ህልውናን እዩ፡ እዚ ንማሕበራውን ባህላውን ጉዳይ እውን ዝምልከት ምዃኑ ኣብሪሆም፡ ማእከላውነት ካብ ወሰናስን እዩ፡ ምስ በሉ ኣብ ማልታ ካብ እትርከብ ንእሽተይ ቁምስና ከምዝመጹን ንሽተይ እውን እንተዀነት ወጌላዊ ልኡኽነት እትነብር ሰበኻ እያ ቢሎም፡ ዓለም ቍምስናይ እዩ ብዝብል መርሕ ሓሳብ እውን ከምእተሓነጹ ዘኪሮም፡ ከም ክርስቲያንን ካህንን እቲ ክንበር ዘለዎ ተልእዀ ወንጌል እዩ፡ ኣብ ቅድስቲ መንበር ይኹን ኣብ ሃገረ ቫቲካን እውን እተገልግል ኵን፡ ብርግጽ ናይ ተልእኰ ወንጌል ሃገር እውን ኣይዅን ኣብ ሃገረ ቫቲካን እትህቦ ኣገልግሎት ንናይ ቤተ ክርስቲያንን ር.ሊ.ጳ. ተልእዀ ወንጌል ምግልጋል ማለት እዩ፡ ክርስትና ተልእዀ ወንጌል እዩ ኢሎም።

እቲ ቅዱስ ኣቦና ዝገልጽዎን ዝነብርዎን ሲኖዶሳውነት፡ ሕዝበ እግዚኣብሔር ዝብል እዩ፡ ናይ ሕዝበ እግዚኣብሔር ቲዮሎጊያ ዝንበሮ እዩ። ቤተ ክርስቲያን መስርዕ ማዕርግ ወይ መስርዕ ስልጣን፥ ጳጳስ ውፉያን ካህናትን እናበለት ብተዋረድ ዝኸይድ ስልጣን ዝነበራ ኣይኰነን፡ ቤተ ክርስቲያን ብሕዝበ እግዚኣብሔር እያ እትግለጽ፡ ኣብ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ኣብ ዘሎ ሃምነናዊ ውሳኔ ብዛዕባ ቤተ ክርስቲያን፥ ትርጉም እምነትን ህያብ ሕዝበ እግዚኣብሔርን ኣብ ዝብል ንኡስ ኣርእስቲ፥ ኣብ ፍቕዲ 12፡ ኵሎም እቶም ብቕብኣት መንፈስ ቅዱስ ዝተቐብኡ ምእመናን ኣብ ጉዳይ እምነት ኣይጋገዩን ኢዮም፡ (1ዮሓ. 2.20) ዝብል ሓሳብ ቅዱስ ኣቦና ዝነብርዎ ሓቂ እዩ፡ እዚ ኣብታ ናይ ወንጌል ሓሴት ዘርእስታ ሓዋርያዊ ምዕዳኖም ፍቕዲ 119 ብሰፊሕ ተመልኪቱ ንረኽቦ። ቅዱስ ጆን ሀንርይ ነውማን ዝገልጾ ሓሳብ ኣብቲ ውሳኔ ቃለ እግዚኣብሔር ፍቕዲ ሸሞንተን ኣብ ብርሃነ ኣሕዛብ ፍቕዲ 12 ንረኽቦ ምስ በሉ፡ ሲኖዶሳውነት ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናይ ቤተ ክርስቲያን ጉባኤታት ዘቃልሕ እዩ፡ ነቲ ቤተ ክርስቲያን ብቑዱሳት ጉባኤታታ ኣቢላ ዝገለጸቶ መንፈስ ሲኖዶሳውነት ንንበር እንክብል ዘተሓሳስብ ምዃኑ የብርሁ።

ናይ ብፁዓን ጳጳሳት ሲኖዶስ ቅዋሜ መሰረት ድላይ ቅዱስ ጳውሎስ ሻድሻይ እዩ፡ ፍቓድ እግዚኣብሔር እውን ማለት ሲኖዶስ ንሕዝበ እግዚኣብሔር ንምስማዕ ዘብቕዕ መጋበርያን ንናይ ር.ሊ.ጳ. ስልጣናዊ ትምህርቲ ዘተባብዕን እዩ። ጳውሎስ ሻድሻይ ነዚ ሓዋርያዊ ሱታፌ ቢሎም ዝገልጽዎ ሓሳብ’ዚ ሱታፌ ጳጳሳትን ቤተ ክርስቲያናዊ ሱታፌን ሱታፌ ምእመናን ዝሕብር እዩ፡ ናይ ዓቢይ ውህዶን ናይ ምሉእ ተሳታፍነትን መግለጺ እዩ፡ ጳጳስ ኣብ መንጐ ሕዝቢ ኰይኑ ንመንፈስ ቅዱስ ጽን ዝብለሉን ናይ መጓሰይ ድምጺ ዘቃልበሉን ዘስተውዕለሉን ብናይ ሰበኻታት ኣባይቲ ጽሕፈት ኣቢሉ እውን ድምጺ ሰበኻኡ ጽን ዝብል ክኸውን ኣለዎ፡ እዚ ነፍሲ ወከፍ ጳጳስ ዝነብሮ ኩነት ብሲኖዶስ እቢሉ ብኵላውነት ይንበር። ባዕሎም ቅዱስ ኣቦና ብዝኽሪ መበል 50 ዓመት ቅዋሜ ናይ ብፁዓን ጳጳሳቲ ሲኖዶስ ምኽንያት ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፡ ሲኖዶሳውነት፡ ብግቡእ መስርዕ ማዕረግ ወይ መስርዕ ስልጣን ኣብ ቤተ ክርስቲያን እንታይ ማለት ምዃኑ ብብቕዓት ንኸነስተውዕልን እንህቦ ትንተና ንኽንርዳእን ዘብቅዕ መቓን እዩ እንክብሉ ይገልጽዎ፡ ስለዚህ ሲኖዶስን ቤተ ክርስቲያንን ዝመሳሰሉ እያቶም፡ ስለምንታይ ቤተ ክርስቲያን ማለት መጓሰይ እግዚኣሔር ምስ ኢየሱስ ኣብ ናይ ምራኻብ ታሪኽ መገዲ ብሓባር ምጉዓዝ ማለት እዩ፡ ሓውን ሓብትን እተገልግለሉ፡ እዚ ዅሉ ኣገባባት ናይ ምስማዕ ኪደት፡ ንናይ ቤተ ክርስቲያን ስልጣናዊ ትምህርቲ ዘነቓቕሕ እዩ እንክብሉ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ዛዚሞም።

ግረኽ፡ ሲኖዶስ ወትሩ ንናይ ቤተ ክርስቲያን ወንጌላዊ ልኡኽነት ወሳኒ ኵነት እዩ
05 November 2019, 17:56