ድለ

በነዲክቶስ መበል 16፥ እቲ ናይ ፍቕሪ መሰረት ዝዀነ ሓቂ ዝርከብ ብትሕትና እዩ በነዲክቶስ መበል 16፥ እቲ ናይ ፍቕሪ መሰረት ዝዀነ ሓቂ ዝርከብ ብትሕትና እዩ 

በነዲክቶስ መበል 16፥ እቲ ናይ ፍቕሪ መሰረት ዝዀነ ሓቂ ዝርከብ ብትሕትና እዩ

እቲ ናይ ቲዮሎጊያ ድርገት ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ብኸመይ ክትንተን ከምዘለዎ ዝሕብር ናይ ወወዳእታ መጽናዕቲ ከቕርብ ዝብል ትጽቢት ነይሩ እዩ፡ እዚ ገና ዝተበጽሔ እውን ኣይዅን ብዛዕባ እቲ ብቐጻልነት ክስትንተን ዘለዎ ኣብ መንጐ ስልጣናዊ ትምህርቲ ቤተ ክርስቲያንን ቲዮሎጊያን ዘሎ ርክብን መሰረታውያን ሕቶታት ዛዕባ ውሳኔ ሓሴትን ተስፋን

እቲ ካብ ዝቐውም መበል 50 ዓመቱ ዘብዕል ዘሎ ዓለም ሓቆፍ ናይ ቲዮሎጊያ ድርገት ዋላ’ኳ ኣብ ዓለም ኣብ ናይ ሓባር ግብረ ገብ መርገጺ ከብጽሕ ዘኽኣለ ኣይዅን ኣብ ዘሰማምዕ ናይ ሓባር ነጥቢ ንምብጻሕ ዘካይዶ ጻዕሪ ኣዚዩ ኣገዳስን ወሳንን እዩ፡ ነዚ ዝበሉ ቅዱስነቶም ልሂቅ ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ናብቲ ዓለም ሓቆፍ ናይ ቲዮሎጊያ ድርገት ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽት ከምዝዀነ ልኡኽ ጋዜጠይና ኣግልግሎት ክፍሊ ዜና ቫቲካን ረዲዮ ሰርጆ ቸንቶፋንቲ ሓቢሮም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

በነዲክቶስ መበል 16 ነቲ ቅድሚ ሓምሳ ዓመት ብሓልዮት ጳውሎስ ሻድሻይ ድሕሪ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ስዒቡ ኣብ መንጐ እቲ ኣብ ዓለም ዝሰፍሕ ዝነበረ ቲዮሎጊያን ናይ ር.ሊ.ጳ. ስልጣናዊ ትምህርትን ዝተፈጥረ ምርሕሓቕ ንምስናፍ ብዝብል ሸቶ ክቐውም ዝገበርዎ መበል 50 ዓመቱ ዘብዕል ዘሎ ዓለም ሓቆፍ ናይ ቲዮሎጊያ ድርገት ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፡ ትሕትና ጥራሕ እዩ ነቲ ካልእ ኵሉ ጽግዕተይና ዝዀነሉ ናይ ፍቕሪ ዓንዲ ዝዀነ ሓቂ ዝረኽቦ ከምዝበሉ ዝሓበሩ ቸንቶፋንቲ ኣስዒቦም፡

ናይ ሓባር ውሁድ ቲዮሎጊያዊ ግብረ ገብ

ኣብ ዝሓለፉ ሓምሳ ዓመታት እቲ ዓለም ሓቆፍ ናይ ቲዮሎጊያ ድርገት ዘዕተሮ ውጽኢታት ዝምስገን እውን እንተዀነ ኣብ መንጐ ናይቲ ድርገት ኣባላት ሊቃውንቲ ቲዮሎጊያ ዘሎ ናይ ርእይቶ ፍልልያት ንምውጋድ ዘካይዶ ጻዕርታት ኣፍልጦ ምሃብ ግቡእን እውን እንተዀነ፡ በንጻሩ ኣብ ናይ ሓባር ቲዮሎጊያዊ ግብረ ገብን ኣብ መንጐ ናይ ዓለም ሊቃወንቲ ቲዮሎጊያ ሓድነት ክረጋገጽ ኣይገበረን ቢሎም፡ … እቲ ኵሉ ዝምነዮ ሓድነት እውን ዝተበጽሔ ኣይዅን እቲ ድርገት ዘርኣዮን ዘርእዮን ዘሎ ህርኵት ጻዕሪ ንኢዶም፡ እቲ እንኰ ዝዀነ እምነት ብዛዕባ ናይ እግዚኣብሔርን ግልጸቱን ኣብ ምሕሳብን ምዝራብን ኰነ ኣብ ናይ ሓባራዊ ምስረቓ ዘብጽሕ ክኸውን ኣብ ዝብል ተስፋ እሓብር ከምዝበሉ ገሊጾም።

ናይቲ ድርገት ኣባላት ናይ ቲዮሎጊያ ሊቃውንቲ

በነዲክቶስ መበል 16 ናይቲ ዓለም ሓቆፍ ናይ ቲዮሎጊያ ድርገት ኣባላት ዝነበሩ ከም በዓል ሄንሪ ደ ሉባክ፡ ይቨስ ኮንጋርን ካርል ራህነርን ኾርገ መዲና ኤስተቨዝን ፊሊፐ ደልሃቨን ገራርድ ፊሊፕስን ካርሎ ኮሎምቦን ቺፕሪያኖ ቫጋጊን ሃንስ ኡርስ ቫን ባልታሳርን ልዊስ ቡየርን ማሪየ ጆሰፍ ለ ጉዩን ሮዶልፍ ሽናኸንበርግን ኣንድረ ፈኡለትን ሄንዝ ሹርማንን ዮሃነስ ፋይነርን ካርሎ ካፋራን ራኒየሮ ካንታላመሳን ኦቶ ሰመርሎትን ካርል ለህማንን ዊሊያን ማይን ታደዉስ ስተይችዘንን ኣንድረይ ስዞዝተክን ሰርቪያስ ፒንካርስን ኣብ መልእኽቶም ዘኺሮም፡

ስነ ትንታነ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካንን ናይ ስነ ሓርነት ቲዮሎጊያን

እቲ ናይ ቲዮሎጊያ ድርገት ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ብኸመይ ክትንተን ከምዘለዎ ዝሕብር ናይ ወወዳእታ መጽናዕቲ ከቕርብ ዝብል ትጽቢት ነይሩ እዩ፡ እዚ ገና ዝተበጽሔ እውን ኣይዅን ብዛዕባ እቲ ብቐጻልነት ክስትንተን ዘለዎ ኣብ መንጐ ስልጣናዊ ትምህርቲ ቤተ ክርስቲያንን ቲዮሎጊያን ዘሎ ርክብን መሰረታውያን ሕቶታት ዛዕባ ውሳኔ ሓሴትን ተስፋን፡ ምስ ምዕባለ ዝተሓሓዙ ጸገማትን ድሕነት ክርስቲያንን ዝምልከቱ ጉዳያትን ከምኡ እውን ብዛዕባ ስነ ሓርነት ቲዮሎጊያን ዘተኣታትዎ ዝነበረ ሓደጋን፡ እቲ ንቲዮሎጊያዊ ክትዕ ዘወዓውዖ ዝነበረ ጭቡጥ ኩነት ምስ ፖለቲካዊ ሕቶታት ማዕረ ማዕረ ዝኸይድ ይመስል ከምዝነበረ ኣዘኻኺሮም፡

ናይ ምንጭታት ምግርጫዋትን ድልያ ስምምዕን

ኣብ ቲዮሎጊያዊ ግብረ ገብ ዘተኵሩ ሕቶታት ዝተመስረቱ ጥልቅን ውዕዉዕ ክትዓትን ብፍላይ ምስጢረ ተክሊል ዝምልከት፥ ሎሚ ኣብ ሓደ ናይ ሓባር ርእየት ዘይምብጻሕና ዘሳቕየና ዘሎ ናይ ምንጭታት ምግርጫዋትን ናይ ሓባር መስራቒ መሰረት ዘይምህላዉን ኣብ ሓደ ናይ ስምምዕ ነጥቢ ንኸይብጻሕ ምኽንያት ከምዝኸውን ዘስተዕሎዎ ዝነበረ ጉዳይ ምዃኑ ዘኪሮም እዚ ኵነት እዚ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግምዊ እውን ብወገኖም ነታ ናይ ሓቂ ጽባቔ/ግርማ ብዝብል ኣርእስቲ ክደርስዋ ዝሓሰቡ ዓዋዲት መልእኽቶም ትጽናሕ ቢሎም ቅድም እቲ ደሓር ዕለት 6 ነሓሰ 1993 ዓ.ም. ወግዓዊ ዝገበርዎ ናይ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ትምህርቲ መዝገበ ሃይማኖት ክሕተም ከምዝገበሩ እውን ዘኪሮም እቲ ዓለም ሓቆፍ ናይ ቲዮሎጊያ ድርገት ዘለዎ ጸገማት ኣፍልጦ ሂቡን ናብ ናይ ሓባር ናይ ስምምዕ ነጥቢ ክበጽሕ ዘካይዶ ጻዕሪ ይቐጽል ከምዝበሉ ቸንቶፋንቲ ኣፍሊጦም።

መናእሰይ ኣቢያተ ክርስቲያናትን ሓድሽ ናይ ቲዮሎጊያ ባህልን  

ኣብ ኪደት እቲ ድርገት ናይ ሓደስቲ ኣቢያተ ክርስቲያን ድምጺ እውን ምስማዕ ዘለዎ ኣገዳስነት ከስተውዕል ጀሚሩን ነቲ ኣብ ናይ ምዕራባዊ ቲዮሎጊያ ኣብ ናይ ምዕራባዊ ባህሊ ቅዩድ ዝዀኑ ሕቶታት ናብ ሕቶ ብምእታው ካልኦት ባህልታት እውን ሓድሽ ቲዮሎጊያዊ ባህሊ ከቕርባ ጀሚረንን፡ በዚ መሰረት እውን ክውስና ከምዝኸእላን ነዚ እውን ከመላኽታ ከምዝጀመራን እዚ እቲ ሓደ ምስ ካልኦት ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ናይ ሓባር ዘተ ንኽነቓቓሕ ዝገበረ ሕቶ እውን እዩ ዝበሉ በነዲክቶስ መበል 16 ኣስዒቦም፡     

ትሕትና መገዲ ሓቂ ዘርህው እዩ

ብናተይ ናይ ውልቀይ ኣመለኻኽታ፡፥ እቲ ዓለም ሓቆፍ ናይ ቲዮሎጊያ ድርገት ምስ ካልኦት ቋንቋታትን ባህልታትን መቓን ኣመለኻኽታን ፍካሬን ክራኸብ ዝገበረኒ ብምዃኑ ዓቢይ ሓጐስ ዝፈጠረለይ ከምዀነ ክምስክር እፈቱ፡ ብፍላይ ንዓይ ቀጻሊ ናይ ትሕትና ኰነት ከምዝዀነንን ማለት ነቲ ዝዓበየ ሓቂ መገዲ ዘርህው ናይ ገዛእ ርእስኻ ኣመለኻኽታ ውሱንነቱ  ክትርእይ ዝገብር ኣጋጣሚ ከይኑኒ ከምዝነበረ ክዝክር እፈቱ እንክብሉ መልእኽቶም ከምዘጠቓለሉ ቸንቶፋንቲ ሓቢሮም።  

በነዲክቶስ መበል 16፥ እቲ ናይ ፍቕሪ መሰረት ዝዀነ ሓቂ ዝርከብ ብትሕትና እዩ
29 November 2019, 16:57