ድለ

ናይ ብፁዕ ኣቡነ ጋላንቲኖ መጽሓፍ፡ ብምርኻብ ፍርሕን ዘይተገዳስነት ምስናፍ ናይ ብፁዕ ኣቡነ ጋላንቲኖ መጽሓፍ፡ ብምርኻብ ፍርሕን ዘይተገዳስነት ምስናፍ 

ናይ ብፁዕ ኣቡነ ጋላንቲኖ መጽሓፍ፡ ብምርኻብ ፍርሕን ዘይተገዳስነት ምስናፍ

ብፁዕ ኣቡነ ጋላንቲኖ ኣብታ ደባውነት ዘርእስታ መጽሓፎም፡ ገሊኣቶም ኣገዳስነት ዶብ ዝገልጹን፡ ዝፈልየካን ዝሕልወካን እውን እዩ እንክብሉ፡ ገሊኣቶም ከኣ ዶብ ኣነን እቲ ካባይ ዝተፈልየን ምስ ዝዀነ ንሱነት ዘራኽብ ነጥቢ እዩ ቢሎም ይገልጽዎ

ብፁዕ ኣቡነ ጋላንቲኖ ዝደረስዋ ዶባውነት ዘርእስታ ሓዳስ መጽሓፍ መሰረት ገይሮም ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ መራኸቢ ብዙሃን ጉዳይ ሓልዮ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ህየንተ ፓውሎ ሩፊኒ ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት፡ ናብ ምዃናዊ ውሳጠና ንኽንጓዓዝ እተነቓቕሕን እቲ ጉዕዞ ብዛዕባ ነፍሲ ወከፍናን ብዛዕባ ሕይወትናን ዝምልከትን ክንየው ቅጽበታውን ክንየው እቲ ብዝኽሪ ባዶ ንምዃን ሓደጋ ዝተቓልዔን ረዓዳይን ዓይነት ህልውነት ብምባል ኣብቲ ነቶም ካባና ዝተፈልዩ ዘይንስና ንዝኸኑ ንኸይንርእይ ዝዕንቅጸና ንእሽተይ ናይ ዝዀነ ናይ ገዛእ ርእስና ጣዕሚ ኣብ ዝብል ዓለም ንኸይንዕጸውን እትምህረና መጽሓፍ እያ ኢሎም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብ ሓደ እዋን ክልተ ኣብ ዝሓለፈ ዘመን ዝነበሩ ናይ ስነ ምርምር ሊቃውንቲ ሓንስ በተንን ለዮ ስዚላርድን ዘካይድዎ መጐተ ኣብ እተዘንትው መጽሓፍ፡ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ናይ ዝርእዮም ነገራትን ዝነብሮ ሕይወትን ርክባቱን ጦብላጥታቱን ስምዒታቱን ዘዘንትው መዝገበ ፍጻሜታት ዕለት ኣገዳሲ እዩ እንክብሉ ዝገለጽዎ ሓሳብ ንረክብ ዝበሉ ሩፊኒ ኣስዒቦም፡ በተ ንገዛእ ርእሱ ዘይኰነ ንዝኽሪ እግዚኣብሔር ዝምልከት ይኹን ደኣ እምበር እግዚኣብሔር ኵሉ ዝፈልጥ ብምዃኑ ስሌኡ መዝገበ ፍጻሜታት ዕለት ምሕሳብ ትርጉም የብሉን ይብል፡ ስዚላርድ ነዚ ንናይ በተ ሓሳብ ሰሚዑ፡ እውን ሓቅኻ ኢኽ፡ ይዅን ደኣ እምበር እግዚኣብሔር ናተይ ራእዩ እንታይ ምዃኑ ዝፈልጥ ኣይመስለንን እንክብሉ ይምልሰሉ፡ እቲ ናይቶም ክልተ ሊቃውንቲ ሓሳብ ነታ ናይ ብፁዕ ኣቡነ ኑንዚዮ ጋላንቲኖ መጽሓፍ ተዘኻኽረኒ ዝበሉ ሩፊኒ ኣስዒቦም፡ እታ ናይ ብፁዕ ኣቡነ ጋላንቲኖ መጽሓፍ፡ ንገዛእ ርእስኻን ንእግዚኣብሔርን ንኻልኦትን ዝተጻሕፈ ማሕበራውን መዝገበ ፍጻሜታት ዕለት እያ ኢሎም። እቲ ኣብ ከባቢኻ ዝኽሰት ንምዝካርን ናይ ኣስተንትኖ ግዜ ከምዘድልየካ፡ ምስ እግዚኣብሔር ኣብ ዘሎካ ርክብ ኰይንካ መንነትካን ናይ ካልኦት መንነት ንኽትፈልጥ ምስ ካልኦት ምርኻብ ኣገዳሲ ከምዝዀነ ካብታ መጽሓፍ ነስተውዕል፡ … ርክብን ኩነትን ክስተትን ነቲ ራኢኻ ዘለዎ ትርጉም ንኽትርዳእ ዝብል ሓሳብ እተመላኽት መጽሓፍ እያ ኢሎም።

ብፁዕ ኣቡነ ጋላንቲኖ ኣብታ ደባውነት ዘርእስታ መጽሓፎም፡ ገሊኣቶም ኣገዳስነት ዶብ ዝገልጹን፡ ዝፈልየካን ዝሕልወካን እውን እዩ እንክብሉ ገሊኣቶም ከኣ ዶብ ኣነን እቲ ካባይ ዝተፈልየን ምስ ዝዀነ ንሱነት ዘራኽብ ነጥቢ እዩ ቢሎም ይገልጽዎ፡  ስለዚህ እዚ ካልኣይ ትርጉም ዶባውነት መንነትን ዘተን ኢታእላው ደረር ትርኢትን፡ ማንም መሬት ጓና ከምዘይኰነ ዘመላኽትን ካብ ውልቀ ዘረባ ናብ ዘተ ዝድርኽ፡ ጽን ካብ ምባልን ካብ ምስማዕን ዝነቅል ፍልጠት ኣገዳሲ ምዃኑ ዘመላኽት ምዃኑ ብሰፊሕ ከምዘብርሁ ሩፊኒ ሓቢሮም፡ ከምቲ ወንጌል ማቴዎስ ዝብሎ ድማ ኣብ መንጐ ሰናይን እከይን ዘሎ ፍልልይ ዘመላኽት እዩ (ማር. 7, ፍቕዲ 15ን ካብ ፍቕዲ 21-22 ረአ) እዚ ዶብ እዚ ልልያ ይበሃል። እዚ ኣገዳሲ ዶብ እዩ፡ ናጽነትና ዘየኽብር፡ ናይ ምስሉይነት ዶብ ምእላይ፡ ማርቲን ቡበር፡ እግዚኣብሔር ንኽኣትው ኣብ ዝፈቀደሉ ኣዩ ዝነብር ይብል፡ እግዚኣብሔር ንኽኣትው መታን ኣብቲ ብሓቂ ዝርከብሉ ስፍራ ምባል የድሊ፡ ኣብቲ ዝርከበሉ ስፍራ …. ብጭቡጥ …  ምርኻብ እግዚኣብሔር ንኽኣትው ኣብ ዝፍቀደሉ ዝነብር ምዃኑ ትነብር። ህልዎተ ዶብ ንኽትራኸብ ዘተባብዕ እምበር ዘረሓሕቅ ክኸውን የብሉን፡ ምስቲ ካባኻ ዝተፈልየን … ህሙማንን ስደተይናታትን እሱራትን … እቲ ሎሚ ኣብ ናይ ደሞክራስያውነት ምቾት ዝነብር ዓለም ካብ ገዛእ ርእሱ ከባቢ ወጻኢ ውግእ ክባራዕ እናገበረ ዝፈጥሮም ህልውናዊ ዶባት፡ … ኤውርጳ ንኽትውለድ ዝገብሩ ዕሴታት እናነጸግካ ኤውሮጳ ክሓንጽ እየ ምባል ዝከኣል ከምዘይኰነ ብፁዕ ኣቡነ ጋላንቲኖ ኣብታ መጽሓፎም ብሰፊሕ ይትንቱ።

ብፁዕነቶም ኣስዒቦም እውን ብዛዕባ ስርዓተ ፖለቲካን ስርዓተ ኤኮኖምን … ናይ ካልእ ጸገም ሸለል ንኽትብል ዝድርኽ፡ ናይ መሬት ጽሕፍቶ ከምዘይምልከተካ እናሓሰብካ ገዛእ ርእስኻ ምጉዳእ፡ … ናይ ሓባር ረብሓ ናብ ዝብል ዕሴት ምምላስ የድሊ፡ ናይ ማሕበራዊ መዝገብ ፍጻሜታት ዕለት ናብ ዝበለጸ ኩነት ንኸነብል፡ ካብቲ ጉግይ ኣጠቓቕማ ገዛእ ርእስኻ ምክልኻል ዝብል ካብ ናይ ካልእ ህልውና ዝኽሕድ ዓይነት ኣነባራ ንኽንላቐቕን ብሓጺሩ ካብ ታሪኽ ንኽንመሃር የብቅዓና፡ ካብ እዋናዊ ጸገም ከድሕነና ዝኽእል ተዘክሮ ወይ ከኣ መዝገበ ጸብጻብ ዕለት እዩ፡ እዚ ንምፍጻም ከኣ ትሕትና ዘድሊ ምዃኑ ብሰፊሕ ከምዘብርሁ ፓውሎ ሩፊኒ ብዛዕባ እታ መጽሓፍ ኣማእኪሎም ምስ ቫቲካን ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ዛዚሞም።

07 November 2019, 17:43