ድለ

ኣማዞናዊ ሲኖዶስ፥ ዝካየድ ክትዕ ንመንፈስ ቅዱስ ቦታ ዝህብ ኣማዞናዊ ሲኖዶስ፥ ዝካየድ ክትዕ ንመንፈስ ቅዱስ ቦታ ዝህብ 

ኣማዞናዊ ሲኖዶስ፥ ዝካየድ ክትዕ ንመንፈስ ቅዱስ ቦታ ዝህብ

ንምህዳራዊ ምላውጥ ዝብል ጸዋዕታ ማሕበረ ክርስቲያን ተቐቢሉ ናብ ናይ ምህዳራዊ ምልዋጥ ጐዳና ኣማእዚኑ ንኽጓዓዝ ብፁዓን ጳጳሳት ጻውዒት ኣቕሪቦም

እቲ ዛዕባ ኣምዞን ዝመክር ዘሎ ሲኖዶስ ዕለት 15 ጥቅምቲ 2019 ዓ.ም. ድሕሪ ቐትሪ 173 ብፁዓን ኣበው ሲኖዶስ ኣሳቲፉ ብር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ተመሪሑ ኣብ ዘካየዶ መበል 12 ኣኼባ፡ ከባቢ ኣማዞን ዘደልዮ ቤተ ክርስትያን ምስኡ ቃል ኪዳን እትኣትው ቤተ ክርስቲያን እያ፡ ኣካሉ ዝዀነት፡ እቲ ዝተሰቕለ ሕዝቢ ረሲዕካ ብዛዕባ ድኻታት ምዝራብ ረቒቕ ሓሳብ ኰይኑ ከምዝተርፍ ዝገልጽ ሓሳብ ኣርጊጹ ከምዘመላኸተ ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ብፁዓን ኣበው ሲኖዶስ ሎሚ ዕለት 16 ጥቅምትን ዕለት 17 ጥቅምቲ 2019 ዓ.ም. ብነኣሽቱ ጉጅለታት ተመዳዲቦም ክመያየጡን እቲ ብነኣሽቱ ጉጅለታት ተመዳዲቦም ብፁዓን ኣበው ሲኖዶስ ዘካየድዎ ዘተ ብዝርዝር ዝሕብር ሰነድ ዕለት 17 ጥቅምቲ ድሕሪ ፍርቂ መዓልቲ ኣብ ዝካየድ ኣኼባ ክቐርብ ምዃኑ ዝሓበረ ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥

ኣይፋል ንግዳይነትን ንዝዩድ ሓላፍነትን

ናይ ሕያዋይ ጓሳ ተክለ ሰብነት ዝተላበስካ ብምዃንን ወንጌላዊ ላኡኽን ተማጓቲ ናይ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ንሰማዕትነት እውን ቅርቡ ብምዃን፡ ምእንቲ ሕይወትን ኣብ ልዕሊ ሞት ሕይወት ንምዃን ኣብ ዝብል ጭቡጥ ኵነት ብምንባር ነቲ ዝተናዕቀን ዝተረስዔን ዝተሓረገን ቀረባ ንምዃን ኣብ ሕይወትካ ንፍድፋድ መንፈስ ቅዱስ ቦታ ምሃብ ከምዘደሊ ዘተሓሳሰቡ ብፁዓን ኣበው ሲኖዶስ፡ እቲ ተኣፋፊ ዝዀነ ሕዝቢ ኣማዞን ንግዳም ሓደርን ነቲ ኣደዳ ዓመጽን ዝዀነ ካብቲ ዝወደቕሉ ንምእላይን ነቲ ናብቲ ዝሰኻሕክሕ ምርጫ ዝዳረጐም ምኽንያት ብምቅዋም ካብ ጸገሞም ንኽናገፉን ናይ መጻኢ ዕድሎም ሓንጻጺ ኣካል ምዃንካ ተኣሚንካ ኣብ ደገፎም ርኹብ ምዃን የድሊ፡ ምእመናን ብተስፋን ብዘይተሓላለኸ ምንባር ሕይወቶም ናብቲ እግዚኣብሔር ንደቁ ዘዳለዎ መንግስቱ ኣቕኒዖም ንኽጓዓዙ እትድግፍ ቤተ ክርስቲያን መግለጺ ኰይንካ ምርኻብ የድሊ ከምዝበሉ ኣፍሊጡ።

መሰረታዊ ኣስተዋጽኦ ስነ ምርምር ተፈጥሮ ንምክልኻል

ኣማዞንን ሕዝቢ ኣማዞንን ዘቕርቦ ናይ ሓግዘኒ ሕቶ ንዅሉ ዝምልከት እዩ፡ ምእመናን ናይ ኵሉ ፍጥረት ክቡር ክብሪ ኣፍልጦ ንኽህብ ጽዉዕ እዩ፡ ክርስቲያናዊ ጸዋዕታ ንምክልኻል ፍጥረትን ተፈጥሮን ዘነቓቕሕ እዩ፡ ብውልቅን ብማሕበረሰብን ብዓለም ሓቆፍ ማሕበረሰብኣዊ ደረጃ ዘተባብዕ እዩ፡ ናይ መጻኢ ትውልዲ መጻኢ ዘይግዱስ ምዃን ዝከኣል ኣይኰነን፡ ኣማዞን ካብቲ ብሰኣዊ ፍጥረት ዝወርዶ ምግባረ ዕንወት ዘይምክልኻል ሰብኣዊ ኣይኰነን፡ ናይ ኵሉን ናይ መላእ ዘርኢ ሰብ ሓላፍነትን እዩ፡ ስለዚህ ነቲ ኣብ ዓለም ዝኽሰት ዘሎ ምቅይያርን ምዝባዕን ከባቢ ኣየር መልሲ ክረክብ ዝብል ጻውዒት ናይ ኵሉ እዩ ክኸውን ዘለዎ፡ ተመራመርትን ናይ ስነ ምርምር ኣካላትን ብዓለም ሓቆፍ ደረጃ ዘቕርብዎ ኣሰዋጽኦ መሰረት ምስኣቶም ብምትሕብባር ንፍጥረትን ተፈጥሮን ዝግደስ ውሕደት ብምፍጣር ፍጥረትን ተፈጥሮን ምክንኻንን ኣብዚ መዳይ እውን ኩሉ ሰብኣዊ ፍጥረት በቢ ደረጃኡ እጃሙ ንኸበርክት ምንቕቓሕ፡ ሓድሽ ምህዳራዊ ቀኖና ንኽህሉን፡ ኣብ ናይ ቤተ ክርስቲያን ሕገ ቀኖና እውን ነዚ ጉዳይ’ዚ ዝምልከት ናይ ክርስቲያን ሓላፍነት ኣብ ቅድሚ ዘፍጥረት ዘመላኽት ዓንቀጽ ክህሉ ብፁዓን ኣበው ሲኖዶስ ጻውዒት የቕርቡ።

ናብ ምህዳራዊ ምልዋጥ ምምእዛን

ንምህዳራዊ ምላውጥ ዝብል ጸዋዕታ ማሕበረ ክርስቲያን ተቐቢሉ ናብ ናይ ምህዳራዊ ምልዋጥ ጐዳና ኣማእዚኑ ንኽጓዓዝ ብፁዓን ጳጳሳት ጻውዒት ኣቕሪቦም፡ እዚ ምህዳራዊ ምልዋጥ እዚ፥ ሲኖዶሳውን ኵለንተናውን ኣብ ክርስቶስን ኣብ ወንጌሉን ዝብል እዩ፡ ከም ኵላዊት ስድራ ብሓባር ንምጉዓዝን ኣብ ኣማዞን ሓባራዊ ጉዕዞ ንምንቕቓሕን እዚ ሓላፍነት’ዚ ንዝተወሰነ ኣካል ወይ ውን መንግስትን ሃገርን ኣይኰነን፡ ኩሉ ምስ ኩሉን፡ ዝብል እዩ፡ ኣብ ቅድሚ እቲ ማሕበረሰብ ዝነብሮን እቲ ዝተቐበሎ ጸጋታትን ንምልላይ ብኹነታቱ ንኽንሕተት ፈቓደይናታትን ንምዃን መንፈሳውን ናይ ቅዱሳት ምስጢራት ቲዮሎጊያ ሕጹጽ መሕትት ይስትውዓል፡ ኣብዚ መዳይ’ዚ ናይ ሓባር ዘተ ዘለዎ ልዑል ኣገዳስነት ርዱኡ ኰይኑ፡ ተራኻብነት/ተማራዃስነት ምዃናዊ ሰብኣዊ ፍትረት እውን ተስተውዕል፡ ኣብ ናይ ሓባር እምንቶ ንሱ ኸኣ ናይ ሓባር ቤትና ምክንኻን ኵሉ ሓላፍነት ከምዘለዎ ርግጸይና ኣብ ዝዀነ ትሕትና ዝጸንዔ ዘተ ወሳኒ እዩ፡ ውስጠ ሃይማኖታውን ባህላውን ሰብኣውን ዘተ ምክንኻን ፍጥረትን ተፈጥሮን ዝሓተ ሓላፍነት እዩ።

ኣልቦ ካህናት ዝዀነ ማሕበረሰብ ዝነብሮ ጽንኵር ኩነት

እቲ ከባቢ ኣማዞን ዝነብሮ ዘሎ ጭቡጥ ኩነት ምስትውዓል የድሊ፡ ካብ መላእ ኣማዞን እቲ 70 ሚእታዊ ዝሽፍን ኣብ ዓመት ሓንሳብ እንተበዝሔ እውን ክልተ ሳዕ ብካህናት ዝብጻሕ ከምዝዀነን፡ ሕጽረት ቅዱሳት ምስጢራትን ቃል ኣምላኽን በዓላት፥ ፋሲካን ጥምቀትን ልደትን ዝሓረሞን ከይኑ ስለ ዝርከብ ብዙሓት ናብ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ክምዝኣትውን ልክዕ ጓሳ ከምዘይብሉ መጓሰይ ከይኑ ይርአይ፡ ምእንቲ’ዚ ቤተ ክርስቲያን ነዚ ግምት ብምሃብ፡ ትብዓት ዝሓትት ድምጺ መንፈስ ቅዱስ ጽን ዝብል ምላሽ ክትህበሉ ሕጹጽ ጉዳይ ይኸውን፡ እተሓሒዞም ብፁዓን ኣበው ሲኖዶስ፡ እግዚኣብሔር ኣብ ግራቱ ዝዓዩ ክልእኽ ጸሎት ውሳኒ እዩ ቢሎም፡ ወንጌል ምክንኻን ብቐዳምነት ናይ ጐይታ እዩ፡ ስለዚህ ንኣኡ መልሲ ምሕታት የድሊ ከምዝበሉ ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ኣብ ኣሰር ኢየሱስ ዝወጽእ ልኡኻውነት

ናብቲ ኣዚዩ ርሑቕ ዝዀነ ካባቢ ዓለም ወንጌላዊ ልኡኽ ኰይንካ ምግልጋል ዝብል ብርቱዕን ውዕዉዕን ድላይ ሎሚ ዝቐሃመ እዩ ዝመስል፡ ኣብ ብዙሓት ከባቢ ዓለም ብስም ልምዓትን ድልያ ጸዓትን ማዕድንን ምውጻእ ነዳድን ንዝብል ድላይ ስዒቡ ዝተኣታተው ግህሰትን ዕንወትን ምስፋሕ ናይ ገበን ጉጅለታትን ንግድ ሰብን ዝውውር ኣደንዛዚ ዕጽዋትን ዝተፈላለዩ ማሕበራውን ሰብኣውን ሕማማትን ኣዚዩ ዘሰንብድን ዘስካሕክሕን እዩ፡ ስለዚህ ዓለም ሓቆፍ ማሕበረሰብ ኵሉ እቲ ጐዳኢ ዝዀነ ውጥን ክውገድ ነቲ ሰብን ከባብን ዘየኽብር መደብ ንምርግጋጽ ዝፈስስ ሃብቲ ገንዘብ ክዓግቶ ኣበው ሲኖዶስ ኣተሓሳሲቦም፡ ኣብዚ መዳይ ናይ ኢየሱስ ኣገባብ ሕይወት ናቶም ገይሮም ዝነብሩ ብዘይ ፈረቓ ናይ እትወጽእ ቤተ ክርስትያን ትእምርቲ ዝዀኑ ልኡካነ ወንጌል ዘበርክትዎ ኣስተዋጽኦ ዝነኣድ ምዃኑ ሓቢሮም፡ … ወንጌል ናይ ሓዱሽ ኣገባብ ሓባሪ እዩ ከምዝበሉ ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

ካብ መሬቶም ዝተመንዙዑ ስደተይናታት ኣብ ከተማ

ቤተ ክርስቲያን በገባብ ጉባእያውነትን ሲኖዶሳውነትን፡ ኣብ ዕለታዊ ሰብ ንኽትኣትው ዝተጸውዔት እያ፡ ቤተ ክርስትያን ኣብ ጭቡጥ ኩነት ሰብኣዊ ፍጥረት፡ ናይ ሰብኣዊ ፍጥረት ዕለታዊ ሕይወት ዜጋ እያ፡ ናይቲ ካብ መሬቱን ገዛእ ከባቢኡን ብዘይ ድላዩ ሕሱም ኩነታት ኣገዲድዎ ናብ ከተማታት ንኽስደድ ዝግደድን ድሮ ዝተሰደን፡ ካብ መሬቱን ከባቢኡን ዝተመንዝዔ እዩ፡ ብፖለቲካን ማሕበራውን ኤኮኖሚያውን ብመነባብሮ ምኽንያት በቲ ዝሰፍሕ ዘሎ ዘቖጥዕ ውልቃውነት ተደሪኹ ምንባሩ ነኸውሕስ ይስደድ፡ ስለዚህ ኣብ መንጐ እቲ ስደተይና ክፍሊ ሕብረተሰብ ወንጌል ዝሓዘ ህልዎት ኣገዳስን ግድን እዩ፡ ደቀባት ቀንደይና ተዋሰእቲ ዝገብር ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ምንቕቓሕን፡ ስደተይናታት ምክልኻልን መሬቱን ከባቢኡን ኩሉ ንምንባሩ ውሑስ ክኸውን ናይቲ ሕዝቢ ባህልን ልምድታትን ያታን ምኽባር፡ ሰብኣዊ መሰሉን ክብሩን ክሕሎን፡ ንባህሉን ቋንቁኡን መሰሉን ክሕለወሉን ናይ ገዛእ ርእሱ ቲዮሎጊያ ክኽበርን ሃይማኖትን ኵሉ ንናይ መላእ ሰብኣዊ ፍጥረት ረብሓ ቅዕቀብን ኣማዞን ንዓለም ከብርክቶ ዝኽእል ዓቕሙን ሃብቱን ግምት ብምሃብ ንኣኡ ምክንኻን መላእ ዓለም ምኽንኻን ምዃኑ ዘስተውዓለ ሓልዮት ከረክብ ኣለዎ፡ ኣብ ፍጻሜ እቲ መበል 12 ኣኼባ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዝተሰምየ ወንጌል ናብ ኩሉ ምብጻሕን ክንክን ጥዕና ምቕራብን ብዝብል ዕላማ ኣብ ብራዚል ከባቢ ኣማዞን ፓራ ዝኣተወት ጀልባዊት ቤት ሕክምና እተበርክቶ ድጋፍ ዘርእይ ብምስሊ ዝተደገፈ ርእየት ከምዝቐረበ ቫቲካን ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ሓቢሩ።

ኣማዞናዊ ሲኖዶስ፥ ዝካየድ ክትዕ መንፈስ ቅዱስ ቦታ ዝህብ
16 October 2019, 17:31