ድለ

ሲኖዶስ ዛዕባ ኣማዞን፡ ሓደገይና ዝውውር ዕጸ ፋርስን ምህዳራዊ ምልዋጥን ሲኖዶስ ዛዕባ ኣማዞን፡ ሓደገይና ዝውውር ዕጸ ፋርስን ምህዳራዊ ምልዋጥን 

ሲኖዶስ ዛዕባ ኣማዞን፡ ሓደገይና ዝውውር ዕጸ ፋርስን ምህዳራዊ ምልዋጥን

ኣስፍሆተ ወንጌል ኣብ ቅድሚ ህዝባውያን መንፈሳውን ኣምልዀ ዘይግደስ ኰይኑ ክቐርብ የብሉን፡ ህዝባውያን ኣምልዀ ናይ ሓደ ህዝቢ መግለጽታት ካብ ዝዀነ ጠባያት ሓደ እዩ

ዕለት 9 ጥቅምቲ 2019 ዓ.ም. ድሕሪ ቐትሪ እቲ ዛዕባ ኣማዞም ዝመክር ዘሎ ሲኖዶስ፡ ቅዱስ ኣቦና ኣብ ዝተረኽብሉ 180 ብፁዓን ኣበው ሲኖዶስ ኣሳቲፉ ኣብ ዘካየዶ ሻድሻይ ኣኼባ፡ ዝውውር ዕጸ ፋርስን ናይዚ ሓደገይና ዘሕዝን ፍጻሜ ዘለዎ ተግባር ሳዕቤናቱን ብዝርዝር ከምእተቓለሐን፡ ኣብ ገለ ገለ ከባቢ ሃገራት ኣማዞን ተኸላ ዕጸ ፋርስ ካብ 12 ሺሕ ናብ 23 ሺሕ ሄክታር መሬት ዝሽፍን ኰይኑ፡ እዚ ምስቶም ዘደንዛዚ ዕጸዋት ዘንቀሳቕሱ ናይ ገበን ጉጅለታትን ምስ እዚ ተተሓሒዙ ብዝተኣተዉ ካልኦት ገበናትን ናይ ከባቢ ኣማዞን ውድን ዝዀነ ተፈጥሮ ካብ ዘዛብዑ ኣሉታውያን ተግባራት ሓደ ምዃኑን ኣማዞን ምስ ዘጋጥሞ ሓደጋ ምብዳም ኣግራብ ብተወሳኺ መሬቱ ንምህርቲ ዕጸ ፋርስ ኣገልግሎት ምውዓል ነቲ ናይቲ ከባቢ ሽግራት ምዕባይ ከምዝኸውን ብፁዓን ኣበው ሲኖዶስ ከምዝሓበሩ ምንጪ ቫቲካን ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ናይ ኣማዞን ባህርያዊ ውድን ካብ ዘዛብዑ ካልኦት ተግባራት፥ ሕንጸት ሓይለ-ማየ ኤለትሪክ (ከህረበት) ማእከላት ኣብቲ ከባቢ ምኽንያት ኣግራብ ምብዳምን ምስ እዚ ተተሓሒዙ እውን ኣብ ልዕሊ ናይቲ ከባቢ ሃብቲ ብዙሓነት ሕይወት ዘስዕቦ ህልቂትን፡ ኣብቲ ከባቢ ዝኽሰት ሰደድ ባርዕ ሓውን ብሚሊዮናት ዝቑጸር ኣግራብን ሓምላይ ሃብትን የባድም ከምዘሎን፡ እዚ ንገዛእ ርእሱ ኣብ ምዝባዕ ከባቢ ኣየር ግደ ከምዘለዎ ብፁዓን ኣበው ሲኖዶስ ኣዘኻኺሮም፡ ምእንቲ’ዚ ምህዳራዊ ምልዋጥ ኣገዳሲ ምዃኑ ቤተ ክርስቲያን ደጋጊማ ጻውዒት ተቕርብ። ስለዚህ ኵለንትናዊ ምህዳር ኣብ ናይ ዓለም ሓቆፍ ዝክረ ነገር ዝኵር ክኸውን ይሓትቱ እንክብል ምንጪ ቫቲካን ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ይሕብር።

ብህልትውትናን ኣስፍሆተ ወንጌልን

ብፁዓን ኣበው ሲኖዶስ ብኻልእ መዳይ እውን ኣብ መንጐ ብህልትውትናን ኣስፍሆተ ወንጌልን ውድንንነት ክህሉን እዚ ኣብቲ ኣንደበተ ርቱዕ ዝዀነ ናይ ኢየሱስ ኣብነት ዝተመርኰዘ ክኸውን ሓቢሮም፡ ትስብእቲ እቲ ዓቢይን ትእምርቲ ብህልትውትናን እዩ፡ ቃለ እግዚኣብሔር ብፍቕሪ ቀረባ ንኽኸውን ሰብኣዊ ባህርይ ለበሰ፡ እዚ እዩ ናይ ቤተ ክርስቲያን ሓላፍነት፡ ኣብ ጭቡጥ ናይ ፍጥረት ሰብ ሕይወት ከምቲ ልኡካነ ወንጌል ኣብ ኣማዞን ዝገበርዎ ክትስባእ ዝብል።

ሲኖዶሳውነት ተልእዀ ወንጌል

ንሕዝብታት ኣማዞንን ንናይ መላእ ቤተ ክርስቲያን ጥቕሚ ኣማዞን ናይ ሲኖድሳውነት ተልእዀ ወንጌል - ቤተ ሙክራ ክትከውን ዝብል ሓሳብ እውን ከምእተለዓለን፡ እዚ ኣብ ኣስፍሆተ ወንጌልን ብህልትውናን ዘለዎ ዓቢይ ኣገዳስነት ባህልታት ሕዝብታትን ናይ ደቀባት ባህልታትን እውን ግምት ክወሃቦ ዝብል ኰይኑ፡ ቆስሞሳዊ ርእየት ንናይ ሓባር ቤትና ክንክን ደጋፊ እዩ።

ሽግር ጸዋዕታን ምኵራት ኣብ እምነትን

ብዛዕባ ኣስፍሆተ ወንጌል ክዝረብ እንከሎ ምስኡ ተተሓሒዙ ኣብ ዓለም ዘጋጥም ዘሎ ዋሕዲ ጸዋዕታ ይዝከር፡ ዋሕዲ ጸዋዕታ ንምብዳህ እተን ብዝሒ ካህናት ዝረአየለን ሃገራት ናብቲ ዋሕዲ ካህናት ናብ ዘለሉ ከባቢ ካህናተን ብናይ ቤተ ክርስቲያን ውስጠ ርክባት መምርሒ መሰረት ክልእኻን ካህን ናይ ማሕበረሰብ ዘኰነስ ናይ ቤተ ክርስትያን ስለ ዝዀነ፡ ብኻልእ መዳይ እውን Viri probati - ኣብ እምነት ምኵራት ብዝብል ሓሳብ ምርዑዋት ብሱላትን ዓበይትን ኣብ እምነት ጽኑዓትን  ነቲ ኣብቲ ሳንቡእ ዓለም ተባሂሉ ዝንገረሉ ከባቢ ኣማዞን (ኣብ ዓመት እውን ሓደ መዓልቲ እውን ቅዳሴ ዘይበጽሖምን ማሕበረ ክርስቲያን) ዝረአይ ዘሎ ዋሕዲ ክህነት መልሲ ክረክብ ማዕርገ ክህነት ክቕበሉ ዝብል ርእዮቶ ክም ሓሳብ እውን ከምዝቐረበን፡ ናይ ቅዱስነት መገልገልቲ ዘይኰኑስ ናይ እምነት ዲያቆናት እዮም ዘድልዩ ዝብል ሓሳብ ቀሪቡን፡ ካብ ክህነታውነት እዚዩ ዝረሕቐ ሕንጸት ንካህናትን ሕንጸት ንዓለማውያን ምእመናን ኣብ ሓላፍነት ዘለዎ ኣገዳስነት ከምእተሰመረሉ ዝሓበረ ምንጪ ቫቲካን ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ኣስዒቡ፡

ህዝባውያን መፍነሳዊ ኣምልዀ (መግለጺ እምነት)

ኣስፍሆተ ወንጌል ኣብ ቅድሚ ህዝባውያን መንፈሳውን ኣምልዀ ዘይግደስ ኰይኑ ክቐርብ የብሉን፡ ህዝባውያን ኣምልዀ ናይ ሓደ ህዝቢ መግለጽታት ካብ ዝዀነ ጠባያት ሓደ እዩ፡ ኢየሱስ ክርስቶስ ዝግለጸሉ ምዃኑ ካብ ምርዳእ ዝነቐለ ምክንኻን ይሓትት፡ ንህዝባውያን ባህልታት ቤተ ክርስቲያን ብትህቦ መሰነይታን እትህቦ ግምት መሰረት ዝምራሕ ክኸውን ከምዘለዎ ብፁዓን ኣበው ሲኖዶስ ከምዝተሓሳሰቡን፥

ቲዮሎጊያ ዘፍጥረት

ብፁዓን ኣበው ሲኖዶስ ጠመተኦም ኣብ ቲዮሎጊያ ዘፍጥረት ዝብል ኣብጺሖም - ዘፍጥረት መንበረ ቃል ኣምላኽ ንሰብኣዊ ፍጥረት እዩ። በዚ መሰረት’ዚ ይብሉ ብፁዓን ኣበው ሲኖዶስ ዘፍጥረት ምርሳዕ ማለት ፈጣሪ ምርሳዕ ስለ ዝኸውን ኣብ መንጐ ቲዮሎጊያን እወታውያን ስነ ምርምራት ዘተ ክህሉ ከምዘለዎ ገሊጾም፡ ናይ ደቀባት ህዝቢ ኣማዞን መሰልን ክብርን ምኽባርን ናይ ገዛእ ርእሱ ዕድል ብገዛእ ርእሱ ናይ ምውሳን ብቕዓት ዘለዎ ተዛታዪ ኣካል ምዃኑ ክፍለጠሉ ይግባእ፡ ንደቀባት መንእሰያት ልክዕ ከምቶም መንእሰያት ምዕራብ ሃገራት ኣብ ውሽጦም ዝተፈላለዩን ዝተኸፋፈሉን ከም ምዃኖም ኣፍልጦ ብምሃብ ቅርበትን ሓልዮትን ምቃብን ዘነቃቕሕ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ክንክን ክረኽቡ ምግባር የድልዮም ከምዝበሉ ኣፍሊጡ።

ተራ ጓለንስተይቲ ኣብ ቤተ ክርስቲያንን ሕብረተሰብን

ኣብዚ ሻድሻይ ኣኼባ’ዚ ብሰማዕነት መሰልን ናይ ሕውነታውያን ልኡካንን ፍሉያት ልኡካንን ሓሳብ እውን ከምእተሰምዔ ክፍለጥ እንከሎ፡ ኣብዚ ዝተሰምዔ ሓሳብ’ዚ ግደ ጓለንስተይቲ ኣብ ቤተ ክርስትያንን ሕብረተሰብን ኣብ ስድራ ቤት ዘለዋ ግደ መርሕነትን እውን ዓቢይ ግምት ክወሃቦ ዝብል ኰይኑ፡ ጓለንስተይቲ ዓቃቢት ሕይወትን ወንጌላዊትን ናይ ተስፋ ኣንጠረይናን ብፍላይ ወረጃ ህዱእ ንፋስ እግዚኣብሔርን ናይ ቤተ ክርስቲያን ኣደኣውን መሓርን ወጅሂ እያ ብዝብል መጸውዕ ብምግላጽ፡ ምእንቲ’ዚ ደቀንትዮ ኣብ ኣማዞን ኣብ ምስፋሕ ወንጌል ዘለወን ኣገባብ ኣዚዩ ኣገዳሲ ምዃኑ ክስትውዓል ከምዘለዎ ብምዝኽኻር፡ ብዙሕ እዋን ብጽሞና ዝተሰነየ እውን እንተዀነ ኣብ ሕብረተሰብ ዘለዋ ተሳትፎ ዓቢይ እዩ፡ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ጾታዊ ሲኖዶሳውነት ክህሉ ዝብል ሓሳብ ከምዘቕረቡ ዝሓበረ ምንጪ ዜና ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ኣስዒቡ፥

ኣብ መንጐ ዝተፈላለያ ሃይማኖታትን ኣብ መንጐ ኣቢያተ ክርስቲያንን ናይ ሓባር ዘተ

ኣበው ሲኖዶስ ቀጺሎም እውን ምስ ዝተፈላለያ ሃይማኖታትን ምስ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያን ናይ ሓባር ዘተ ዘለዎ ኣገዳስነት ብኣጽንዖት ሓቢሮም፡ እዚ ኣብ ምትእምማንን ፍልልያት ከም ዕድልን ካብ ሃይማኖታዊ ባዕዳዊ መግዛእቲ ዝረሓቐን ጽን ንምብህሃልን ምቅርራብን ዝንበሮን ኣብ ምስትውዓል ካልእነት ዝብል መርገጺ ዝቖመ ዘተ ዝብል እውን ከምዝዀነ ኣነጺሮም፡ ኣብ መንጐ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያን ዝግበር ናይ ሓባር ዘተ፡ ናይቲ ብዙሕ እዋን ናይ ዓመጽ ኣደዳ ዝኸውን ሕዝብ ካባቢ ኣማዞን ዘለዎ ናይ ማዕድን ጸጋታትን ንምምዝማዝ ዝግበር ማዕድን ናይ ምውጻእ ኪደትን ግዳይ ዝኸውን ከባቢን ምህዳራውን ሰብኣውን መሰልን ክብርን ንኽበርን፡ ሃይማኖታትን ኣቢያተ ክርስቲያንን ኣብ ናይ ሓባር ዘተ ክተግሃን ማሕበረ ክርስቲያን ነዚ መሰረት ብምግባር እውን ኣብቲ ከባቢ ወንጌል ንምስፋሕን ኣብቲ ከባቢ ዝረአዩ ዓመጻት ንኽዋግኡ ንገዛእ ርእሱ ኣገባብ እውን እዩ ዝኸውን፡ ኣብ ቅድሚ እቲ ኣብ ልዕሊ ኣማዞን ዝፍጸም በደል ማሕበረ ክርስቲያን ኣፉ ክዓብስ የብሉን፡ ፍቕሪ እግዚኣብሔር ኣብ ኵሉ ደጋዊ ፍክሊ ኩርናዕ ዓለም ምእዋጅ ንገዛእ ርእሱ ኣብ ልዕሊ ኵሉ ጽባቔ ፈጣሪ ዝፍጸም ዓመጽን መግዛእትን ጸቕጥን ናይ ምዅናን ኣገባብ ምዃኑ ከምእተሓበረ የመልክት።

ኣማዞን ንዅልና ዝምልከት ጭቡጥ ስፍራ

ኣማዞን ዘተፈላለዩ ዓለም ለኻዊ መልክዕ ንዘለዎም ብድሆታት ዝስትርአየሉ ጭቡጥ ስፍራ እዩ፡ ንዅላትና ዝምልከት ብድሆ፡ ናይ ሕዝቢ ኣማዞን ስቓይን ካብቲ ሕይወት ከም ኣቕሓ ንድግ ዝምልከትን መነባብሮ ፍልልያት ብዝገደደ ክብ ካብ ዘብል ዴስነታዊ ዓይነት ኣገባብ ሕይወት ዝነቅል እዩ፡ ደቀባት ኣብ መንጐ ፍጥረት ዘሎ ተሞራዃስነት ንኸነስተውዕል ዝድግፉናን እዚ ብዓለም ሃቆፍ ደረጃ ንዝግበር ምትሕብባርን መሰረት ከይኑ፡ ዓለም ለኻዊ ምትሕብባር ሕጹጽን ተኻኣልን ምዃኑ ንኸነስተውዕልን ንኽንትግብሮን ይሕጉዙና።

ኣብነት ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት

እቲ ሻድሻይ ኣኼባ ብናጻ ሓሳባት ዝቐረበሉ ኰይኑ፡ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስክ እውን ክሳብ እዚ እዋን’ዚ ዝተፈጸሙ ከይድታት ከምዝዳህሰሱን፡ ነቲ ኣኼባ ሳልሳይ ዋዕላ ኣብ መዛዘሚ ኣብ ሰምዕዎ ጸሎት፡ ኣብ መዓልቲ ዮምኪፑር ኣብ ጀርመን ከተማ ሃለ ኣብ ዝረክብ ናይ ኣይሁድ ምኰራብ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ዘኪሮም፡ ምእንቲ ናይ ሞት ሓደጋ ዘጋጠሞምን ማህሰይቲ ዝወረዶምን ከምዝጸለዩ ምንጪ ዜና ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ኣፍሊጡ።

ሲኖዶስ ዛዕባ ኣማዞን፡ ሓደገይና ዝውውር ዕጸ ፋርስን ምህዳራዊ ምልዋጥን
10 October 2019, 16:37