ድለ

ኣማዞናዊ ሲኖዶስ፥  ንናይ ዓለማውያን ምእመናን መንፈሳዊ ህያባት ዋጋ ምሃብን ካብ ክህነታውነት ምርሓቕ ኣማዞናዊ ሲኖዶስ፥ ንናይ ዓለማውያን ምእመናን መንፈሳዊ ህያባት ዋጋ ምሃብን ካብ ክህነታውነት ምርሓቕ 

ኣማዞናዊ ሲኖዶስ፥ ንናይ ዓለማውያን ምእመናን መንፈሳዊ ህያባት ዋጋ ምሃብን ካብ ክህነታውነት ምርሓቕ

ንመላእ ከባቢ ኣማዞን ኣብ ጉዕዞ እምነት ዝድግፍ ንዓለማውያን ደቀንስትዮ ዘሳትፍ ብምስጢረ ማዕርግ ዘይኰነ ካልእ ዓይነት ተልእዀ ክቐውም

እቲ ክሳብ ዕለት 27 ጥቅምቲ 2019 ዓ.ም. ዝቕጽል ዛዕባ ኣማዞን ዝመክር ዘሎ ናይ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ሲኖዶስ ዕለት 14 ጥቅምቲ 2019 ዓ.ም. ድሕር ፍርቂ መዓልቲ 177 ብፁዓን ኣበው ሲኖዶስ ኣሳቲፉ ብር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ተመሪሑ ዓስራይ ኣኼባ ከምዘካየደን ተልእዀ ቤተ ክርስቲያንን ተልእዀታት ኣብ ቤተ ክርስቲያንን ብሕዱስ መንፈስ ምንባብን ምሕሳብን ከምዘድሊ ኣተሓሳሲቡ፡ ንናይ ዓለማውያን ምእመናን መንፈሳዊ ህያባት ዋጋ ምሃብን ካብ ክህነታውነት ምርሓቕን ዝብሉ መብርሂ ሓሳባት  ዘስመረ ምንባሩ ቫቲካን ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

እቲ ዓቢይ ብድሆ ንቤተ ክርስቲያን ኣብ ኣማዞን፡ ብመንጽር ቀዋሚ ሲኖዶሳውነት ኣብ ከባቢ ኣማዞን ብሕዱስ መንፈስ ቤተ ክርስቲያን ምሕሳብን ምንባብን ዝብል ምዃኑ ዘመላኸተ ዓስራይ ኣኼባ፡ ቃል ኣምላኽ ሓናጽን ነቢያውን ንሕንጸትን ንጡፍ ህላዌ ምሕረት ከምዝዀነን፡ ኣብ ዛዕባ ምህዳር እውን ንነፍሲ ወከፍ ሰብኣዊ ፍጥረት ሕቶ ዘቕርብን ኣብ ክንክን ፍጥረትን ተፈጥሮን ዝጽውዕን ኵለንተናዊ ምህዳርን ንናይ ሓድሽ ሰብኣውነት ምዕባለ ምልክታ ማሕበራውን ኤኮኖሚያውን ባህላውን ፖለቲካውን ጻዕርን እዩ። ቃል ኣምላኽ ከምዚ ብምዃኑ ሓደስቲ መልሲ ክህብ ዝኽእል ደቀንስትዮ ዘይንጽል ሓደስቲ ተልእዀታት ይሓትት/የመላኽት፡ ንውልደት ሓደስቲ ጸዋዕታ።

ተራ ዓለማውያን ምእመናንን ደቀንስትዮ

ተልኣዀኣዊት ቤተ ክርስትያን፡ ዝብል ሓሳብ ኣብቲ ናይ ዕለት 14 ጥቅምቲ 2019 ዓ.ም. ናይ ድሕሪ ቐትሪ ኣኼባ ዳግም ተላዒሉ፡ ናይ ዓለማውያን ምእመናን መፈነሳውያን ህይባት ብግቡእ ክግለጹን ግቡእ ዋጋ ምሃብ ከምዘድልን እዚ ናይታ ካብ ክህነታውነት ዝረሓቐትን ናይ እትወጽእ ቤተ ክርስቲያን ወጅሂ መግለጺ እዩ፡ ብእምነት ምኩርን ተልእዀኣውነት ደቀንስትዮን ዝብል ሓሳብ ቀሪቡ፡ እዚ ሓሳብ’ዚ ዝለዓለ ኵለንተናውነት ዘለዎ ብምዃኑ ንገዛእ ርእሱ ብዝኸኣል ብካልእ ሲኖዶስ ክረአይ ዘለዎ ኣርእስቲ እዩ ዝብል ሓሳብ እውን ቀሪቡን። ቅድም ብእምነት ምኵር ማዕርገ ክህነት ብእምነት ምኵር ምዕርገ ድቁና ዝብል ምሕሳብ መሰረታዊ ምዃኑ ዘመላኽት ርእይቶ ስዒቡ፡ ቀዋሚ ድቁና፡ ብፍላይ ብዛዕባ ደቀንስትዮ ዝምልከት፡ እቶም ብሰማዕነት መሰል ዝሳተፉ ዘለዉ፡ ንመላእ ከባቢ ኣማዞን ኣብ ጉዕዞ እምነት ዝድግፍ ንዓለማውያን ደቀንስትዮ ዘሳትፍ ብምስጢረ ማዕርግ ዘይኰነ ካልእ ዓይነት ተልእዀ ክቐውም ዝብል ሓሳብ ከምዘቕረቡን፡ እዚ ኸኣ ብዕሎት ቃል ኣምላኽን ካልእ ዓይነት ማሕበራዊ ግብረ ሰናይ ዝምልከት ዓይነት ተልእዀ ክኸውን ዝብል እዩ።

ምክልኻል ትሕቲ ዕድመ ሕጻናትን ተኣፈፍቲ በጽሒ ወለዶን

ትሕቲ ዕድመ ሕጻናትን ተኣፈፍቲ በጽሒ ክፍሊ ሕብረተሰብ ኣማዞን ምክልኻል፡ እቲ ኣብ ልዕሊ ትሕቲ ዕድመ ሕጻናት ዝፍጸም ናይ ወሲብ ዓመጽ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ምውጋድ ኣበርቲዓ ከምእትዓይን ነትሕቲ ዕድመ ሕጻናትን ተኣፈፍቲ በጽሒ ወለዶ ክፍሊ ሕብረተሰብ ምክልኻል ብትብዓት ነቒሓ ትዓዪ፡ ደቀንስትዮ ነመንዝራነት ሕይወት ዝዳርግን ሓድሽ ዓይነት ጊልያነትን ንንግድ ናይ ውሽጢ ኣካልን ዝኣመሰሉ ናይ ገበን ጉጅለታት ዝፍጽምዎ ጸረ ሰብኣዊ ተግባራት ኩሉ ንኽወገድ ቤተ ክርስቲያን ብሕንጸት መዳይ ጥራሕ ዘይኰነ መንግስታት ኣብዚ መዳይ ተጊሆም ክዓዩ ጻውዒት ብምቕራብን ብናይ ብፁዓን ጳጳሳት ኣባይቲ ምኽርን ዝተፈላለያ ናይ ደናግል ማሕበራትን ኣቢላ ናይ ወሲብ ዓመጽ ብዓንተውኡ ንምክልኻል ዘኽእል ድጋፍን ሕንጸትን ከምእተቕርብ ተሓቢሩ፡ ንግድ ሰብን ሓድሽ ጊልያነትን ንምቅዋም ነዚ ጸረ ሰብኣዊ ተግባር ንምውጋድ ዝድግፍ  ናይ ገዛእ ርእሱ ፍልዩ ናይ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልው ድርገት ክቐውም ዝብል ሓሳብ እውን ከምዝቐረበ ቫቲካን ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ኣፍሊጡ።

ናይ ጸዋዕታን ናይ መንእሰያትን ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ

ካልእ ኣብቲ ዓስራይ ኣኼባ፡ ኣገዳስነት ናይ ጸዋዕታን ናይ መንእሰያትን ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ዝብል ሓሳብ ተላዒሉ፡ እዚ ኣብቲ ናይ ኣስፍሆተ ወንጌል ተልእዀ ክጠቓለልን፡ ብፍላይ ምስ ኢየሱስ ግላዊ ርክብ ንኽህሉን ናይ እምነት ተመክሮ ኣብ ግላዊ ሕይወት ዘተባብዕን ነዚ ጥልቂ መንፈሳውነት መሰረት ዝገበረ ክኸውን ዝብል ርእይቶ ቀሪቡ፡ ኣብ ኣማዞን ዘገልግሉ ካህናት ዘቕርብዎ ትምህርተ ክርስቶስ ቀለማውን ምህሮኣውን ዘይኰነስ ብናይ ተልእኰ ወንጌላውነትን ካብ ናይ ጓሳ ልቢ ዝነቐለ ይዅን ዝብልን ሓሳብ እውን ከምእተቓልሔ ናይ ቫቲካን ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ኣመልኪቱ።

ናይ ሓበሬታ መራኸቢ ብድሆ

እቲ ዓስራይ ኣኼባ እቲ ኣብቲ ታሽዓይ ኣኼባ ተላዒሉ ዝነበረ ብዛዕባ ብድሆ መራኸቢ ሓበሬታ ምልስ ቢሉ ብምምልካት፡ ንመራኸቢ ብዙሓንን ንናይ ኵሉ ዓይነት ናይ መራኸቢ ብዙሓን ባህልን ቋንቋን ክፉት ብዝዀነ ኣገባብ ቀረባ ኰይንካ መራኸቢ ብዙሓን ንናይ ኣማዞን ሕዝቢ ድጋፍ ክኸውንን ናይ ቤተ ክርስቲያን መራኸቢ ብዙሓን ንናይ ከባቢ ኣሞዞን ደቀባት ዝሓንጽን ኣብዚ መዳይ እውን ክስልጥኑ ዝድግፍ ክኸውንን፡ ናይ ሕዝቢ ኣማዞን መሰልን ክብርን ንኽኽበር ኣብ ዝግበር ጻዕሪ ቀንደይና ተዋሳኢ ክኸውን እንክብሉ ብፁዓን ኣበው ሲኖዶስ ከምዘተሓሳሰቡ ዝሓበረ ቫቲካን ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ኣስዒቡ፡ ቤተ ክርስቲያንን ልኡካነ ወንጌልን ደናግልን ድምጺ ናይቲ ድምጺ ዘይብሉ ህዝቢ ክዀኑ ዝተጸውዑ ምኻኖም ተኣሚኖም ክገልግሉን፡ ኣብቲ ከባቢ ንሰላምን ፍትሕን ናይ ብፁዓን ጳጳሳት ኣባይቲ ምኽሪ ናይ ፍትሕን ድርገታት ንናይ ሰብኣዊ ሕይወትን ንናይ ተፈጥሮን መሬትን ኣብ ዝብል መርሓ ግብሪ ምትሕብባር ክህሉ ዘለዎ ኣገዳስነት ከምዘመላኸቱ ኣፍሊጡ።

ናይ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣስተንትኖ

ኣብ መዛዘሚ እቲ ዓስራይ ኣኼባ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብቲ ታሽዓይን ዓስራይን ኣኼባ ዝቐረቡ ሓሳባትን ዝተወሃቡን ርእዮታትትን እቲ ኣዚዩ ዝተንከፎም ፈልዮም ጠቒሶም ናይ ገዛእ ርእሶም ኣስተንትኖ ከምዘቕረቡ ናይ ቫቲካን ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ኣፍሊጡ።

ኣማዞናዊ ሲኖዶስ፥ ንናይ ዓለማውያን ምእመናን መንፈሳዊ ህያባት ዋጋ ምሃብን ካብ ክህነታውነት ምርሓቕን
15 October 2019, 17:13