ድለ

ኣማዞናዊ ሲኖዶስ፥ ኣገዳስነት ናይ መላእ ከባቢ ኣማዞን ቀዋሚ ጳጳሳዊ ውድብ ኣማዞናዊ ሲኖዶስ፥ ኣገዳስነት ናይ መላእ ከባቢ ኣማዞን ቀዋሚ ጳጳሳዊ ውድብ 

ኣማዞናዊ ሲኖዶስ፥ ኣገዳስነት ናይ መላእ ከባቢ ኣማዞን ቀዋሚ ጳጳሳዊ ውድብ

ኣብቲ ሃብታም ዝዀነ ብዝሓ ባህሊ ኣማዞን ቤተ ክርስቲያን ሓደስቲ መገድታት ንኸተለልይ ዘርህዋ ናይ ቤተ ክርስቲያን ምዃን መግለጺ ካብ ዝዀነ ሓደ ብህልውቲ ክትከውን

ዕለት 15 ጥቅምቲ 2019 ዓ.ም. እቲ ኣማዞን ሓደስቲ ጐደናታት ንቤተ ክርስቲያንን ንኵለንተናዊ ምህዳርን ኣብ ዝብል ርእሰ ጉዳይ ዛዕባ ኣማዞን ዝመክር ዘሎ ናይ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ሲኖዶስ ቅድሚ ፍርቂ መዓልቲ 180 ብፁዓን ኣበው ሲኖዶስ ኣሳቲፉ ናይቲ ክሳብ ዕለት 27 ጥቅምቲ 2019 ዓ.ም. ናይ ዝቕጽል ምይይጥ፥ መበል 11 ኣኼባ ብርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ተመሪሑ ከምዘካየደ ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብ ኣማዞን ሲኖዶሳውነት ዘነቓቕሕ ብናይ ኣማዞን መረብታዊ ናይ ቤተ ክርስቲያን መክብባዊ ማሕበር ኣዋሃሃድነት ዝምራሕ ናይ ከባቢ ኣማዞን ቀዋምን ተባእላዪን ጳጳሳዊ ውድብ ምቋም ዘለዎ ኣገዳስነት ኣብቲ መበል 11 ኣኼባ ተገሊጹ፡ እዚ ጳጳሳዊ ውድብ’ዚ ኣብ ናይ መላእ ሃገራት ላቲን ኣመሪካን ካሪቢያንን ብፁዓን ጳጳሳት ኣባይቲ ምኽሪ ሕብረት ቅድው ኰይኑ ዘገልግል ኣብ ኣማዞን ናይ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ቅርጺ ብመንጽር ስሉጥን ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ድሕሪ እዚ ዝካየድ ዘሎ ሲኖዶስ ፍጻሜ ብዘቕርብዎ ናይ ድህረ ሲኖዶስ ሓዋርያዊ ምዕዳን መሰረት ዝህብዎ መምርሒ ኣብ ግብሪ ንምውዓል ብዝድግፍ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ተፈጻምነቱ ክብ ንምባል ኣስተዋጽኦ ዘበርክት እዩ። እቲ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ መላእ ናይ ከባቢ ኣማዞን ጭቡጥ ኵነት ቤተ ክርስቲያን ትእምርቲ ብዝዀነ ሲኖዶሳውነት ኣገባብ ዝውጠን ኰይኑ ምስቲ ናይ ላቲን ኣመሪካን ካሪቢያንን ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ሕብረት ስሩዕን ውሁድን ርክብ ዘለዎን ነቶም ነቲ ናይ ሓባር ጸጋ ዝበሃል፡ ምዝመዛን ናይ ገበን ጉጅለታትን ገበናትን ዝውውር ዕጸ ፋርስን ንግድ ሰብን ኣመንዝራነትን ዝኣመሰሉ ሰብኣውን ማሕበራውን ጸገማት ንምብዳህ ኣብ ዝግበር ቤተ ክርስቲያናዊ ጻዕሪ ዝዋሳእ እዩ።

ናይ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ክንክን ኣማዞንን ዝሓልይ ተዓዛቢ ኣካል

ብፁዓን ኣበው ሲኖዶስ ምልስ ቢሎም ብዛዕባ ደቀባት ብምትኳር፡ ብዙሕ እዋን ንሕልፈት ሰብን ከባብን ምኽንያት ዝዀነ ባዕዳዊ መግዛእትን ውሳጣዊ ስደትን መዝማዝን ወራሪ ናይ ኤክኖሚ ኣገባባት ምስፋሕን ዝብሉ ጉዳያት ሓደ ብሓደ ብምዝርዛር፡ ናይ ኣማዞን ማሕበረሰብ መሬቱን ሃብቱን ንምምንዛዕ ዝገብር ኢሰብኣዊ ኤኮኖምን ደቀባት ብዘይ ናጻ ፍቓዱ ንኽስደድ ዝድርኸዎ ምኽንያት ኩሉ ምስቲ ናይቲ ከባቢ ሕዝብን ደቀባትን ብሓባር ብምግጣም ነዚ ዅሉ ጸገም ብዕምቆት ዝምልከት ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ብምዝርጋሕ ናይ ኣማዞን ህዝቢ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ውሑስ ንኽኸውንን ክንክን ንከባቢ ኣማዞን ንኽረጋገጽን ናይ መሬትን ሕዝብን ኣማዞንን ገዓር ጽን ምባልን ነቲ ድምጺ ዘይብሉ ብፍላይ ንመንእሰያት ካብ ትውልዲ ናብ ትውሊድ ዝመሓላለፍ ወሎዶኣዊ ምትእስሳር ዘለዎ ፍትሒ ንኽረጋገጽ ዝዓዪ ቀዋሚ ተዓዛቢ ኣካል ምቛም ዝብል ሓሳብ እውን ቀሪቡ።

ብህልትውናን ሕንጸትን

ኣብቲ ሃብታም ዝዀነ ብዝሓ ባህሊ ኣማዞን ቤተ ክርስቲያን ሓደስቲ መገድታት ንኸተለልይ ዘርህዋ ናይ ቤተ ክርስቲያን ምዃን መግለጺ ካብ ዝዀነ ሓደ ብህልውቲ ክትከውን ዝብል ኰይኑ፡ ነዚ ማእከል ዝገበረ ሓሳብ እውን ተላዒሉ፡ እዚ ኣገባብ’ዚ ቤተ ክርስቲያን ብምስማዕን በገልግሎትን ብምትሕብባርን ብምክብባርን ብፍትሕን ዕርቅን ገዛእ ርእሳ ነቲ ናይቲ ከባቢ ሕዝቢ ቀረባ ኰይና  ሓዋርያን ሓብትን መምህርን ኣደን ምዃና ንኽትምስክር ዘኽእላ እዩ፡ ምስ እዚ ብህልውትና’ዚ ተተሓሒዙ ሕንጸት ዝብል ሓሳብ እውን ተላዒሉ፡ ኣብ ከባቢ ኣማዞን ዝረአይ ሎ ዋሕዲ መደብ ሕንጸትን ኣባይቲ ትምህርትን መልሲ ክረብ ቤተ ክርስቲያን ኣብዚ መዳይ ምስ ዝተፈላለያ ኣብ መዳይ ሕንጸት ዝዓያ ማሕበራትን ተቕዋማትን ውድባትን ብምትሕብባር ናይቲ ከባቢ ሕዝቢ ትምህርቲ ናይ ምርካብ መሰሉ ንኽኽበር ኣብርቲዓ ክትዓይን እዚ ኸኣ ንዘተን ንናይ ባህልታትን ቋንቋታትን ርእየትን ምርኻብ ዝድግፍ ምዃኑ እቲ መበል 11 ኣኼባ ከምዘብርሄ ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ቫቲካን ኣሊጡ።

ወንጌላዊ ተልእዀን ናይ ሰማዕታት ምስክርነትን

ብፁዓን ኣበው ሲኖዶስ ኣስዒቦም፡ ዓመጽ ኣብ ዝብል ቃል ኣተኵይሮም፡ ኣማዞን ልክዕ ከም ሓንቲ ኣደዳ ዓመጽ ዝዀነት ጓለንስተይቲ፡ ገዓራን ንብዓታን ኣብቲ ከባቢ ንዝሰፍሕ ኣስፍሆተ ወንጌል ከመይ ክኸውን ከመዘለዎ ሓባሪ መገዲ ምዃኑ ተኣሚና፡ እቲ ዝቖሰለ ብፍቕሪ ክርስቶስ ምድሓን ዝጽበይ ብምዃኑ ኣስፍሆተ ወንጌል ምስቲ ናይቲ ከባቢ ስቓይን ቁስልን ካብ ምርኻብን ናትካ ካብ ምግባርን ዝነቕል ክኸውን ከምዘለዎ ክተስተውዕል ይግብኣ። ስለዚህ ናይ ሕይወት ቲዮሎጊያ ዝወልዶ ክኸውን ኣለዎ። ኣብዚ ጐዳና’ዚ ናይ እምነት ሰማዕታት ዝዀኑ ብፁዕ ኣቡነ ኣለኻንድሮ ላባካን ከም ኣባል ሳልሳይ ማሕበር ፍራንችካውያን ደናግል ኢነስ ኣራንጐን ዶሮትይ ስታንግን ከም ኣብነት እቲ ጉባኤ ጠቒሱ፡ ኣብ ኣማዞን ንዝካየድ ኣስፍሆተ ወንጌል መሳለጢ ብሔራውን ዓለም ሓቆፋውን መዋሊ ማሕበር ምቛም ኣገዳሲ ምዃኑ ይሕብሩ።

ናይ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስትያን ናይ ሃባር ዘተ ብድሆ

ልእኽቲ ቤተ ክርስትያን - ወንጌላዊት ቤተ ክርስቲያን ተዛታይት - ንሓድነት ኣሚቱ ናይ ዝግበር ከይዲ ተዋሳኢት ማለት እውን እዩ፡ ካብ ኣስዳዕነትን ካብ ክርስቲያናዊ መግዛእትነትን ዝረሓቐ ክርስቲያናዊ ኣስፍሆተ ወንጌል ምርግጋጽ፡ ናጻን ብናጻን ብዘይ ጥቕማጥ ጥቕምታትን፡ ናንይቲ ከባቢ ሕዝቢ ኩነት ትኵር ዝዀነ ኣብቲ ከባቢ ኰይኑ እሙን ምስክርነት ብምቕራብ፡ እምነት ዘራኽብ መጋበሪያ ኵሉ ምጥቃም፡ ባህልን፡ ሙዚቃን ብጠቕላላ ናይ ሕዝቢ ተምሳጥ ዘስተውዕል።

ቅዱስ ቍርባናዊ መልሲ

ነቲ ብዙሕን ማእለያ ዘይብሉ ናይ ኣማዞን ሽግራት መፍትሒ ካብ ቅዱስ ቍርባን እዩ፡ በቲ ጸጋ ኣምላኽ ዝበጽሓሉ ቅዱስ ምስጢር፡ ስለዚህ ቅዱስ ቁርባን ማእከል ዝገበረ ኣገልግሎት፡ ኣብ ሕይወት ዝሰረተ፡ ከምዚ ካብ ኰነ ይብሉ ኣበው ሲኖዶስ፡ ተልእዀ ብሓድሽ ርእየት ዳግም ምሕሳብ የድልይ፡ ኣብ ከባቢ ኣማዞን ብምኽንያት ዋሕዲ ካህናት ቅዱስ ቍርባን ዘይበጽሖ ማሕበረሰብ ብዙሕ እዩ፡ ስለዚህ ኣብ ቅዱስ ቍርባናዊ ኣገልግሎት ዝሓብሩ ንምሕራይ ዝድግፉ መምዘንንታት ምቕራብን ቅዱሳት ምስጢራት ዘመሓድር ናይ ምሕደራ ተልእዀ፡ ንውሑዳት ሓለፋ ዘይብል ምቕራብ ይብሉ።

ኣብ ናይ ቀዳማይ ዘመን ቤተ ክርስቲያን ኣብነት ዝጸንዔ ተልእዀ ደቀንስትዮ

ሓደስቲ መገድታት ንጥንታዊ ባህሊ፡ ኣብ ጥንታዊት ወይ ከኣ ኣብ ናይ ቀዳማይ ዘመን ቤተ ክርስቲያን ተልእዀ ደቀንስትዮ፡ ብኸመይ ይንበርን ይግለጽን ከምዝነበረ ብምስትንታን፡ ኣብ እዋናዊት ቤተ ክርስቲያን ምትርጓም፡ ብኻልእ ሸነኽ እውን ካብ ግትኣተ ሩካቤ  ናጻ ዝዀነ ዓይነት ማዕርገ ክህነት ሕሱብ ምግባር፡ ነቲ ፋሕ ዝብለ ማሕበረ ክርስቲያን ኣማዞን ዘተኣኻኽብ፡ ብእምነት ምኵርን ብሱልን ሓላፍነት ዝስምዖን፡ ንናይ ከባቢ ኣማዞን ዓለማውያን ምእመናን መንፈሳዊ ሕንጸት ብፍላይ ቅዱስ መጽሓፋውን ስነ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎን ቲዮሎጊያውን ሕንጸት ንምቕራብን ነዚ ዝድግፍን መዋሊ ተቕዋም ምፍጣር ከምዘድሊ ሓሳብ ዘቕረቡ ብፁዓን ኣበው ሲኖዶስ ኣስዒቦም፡ መሰረታውያን ማሕበረሰብ ቤተክርስቲያንን ውፉይ ሕይወትን ዘለዎ ኣገዳስነት ከምዘዘኻኸሩ ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ቫቲካን ኣሊጡ።

ኣማዞናዊ ሲኖዶስ፥ ኣገዳስነት ናይ መላእ ከባቢ ኣማዞን ቀዋሚ ጳጳሳዊ ውድብ
16 October 2019, 17:18