ድለ

ሲኖዶስ፥ ጸብጻብ ካርዲናል ሁመስ፡ ንእግዚኣብሔር ኣብ ናይ ድኻታት መኣዲ ምግልጋል ሲኖዶስ፥ ጸብጻብ ካርዲናል ሁመስ፡ ንእግዚኣብሔር ኣብ ናይ ድኻታት መኣዲ ምግልጋል 

ሲኖዶስ፥ ጸብጻብ ካርዲናል ሁመስ፡ ንእግዚኣብሔር ኣብ ናይ ድኻታት መኣዲ ምግልጋል

እዚ ሲኖዶስ እዚ፥ እግዚኣብሔር ንድኻታት ሕዝቡ ዘሰናደዎ ሃብታም መኣዲ ከይኑ ኣብቲ መኣዲ ድኻታት ንእግዚኣብሔር ንኸነገልግሎ ይጽውዓና

እቲ ዛዕባ ኣማዞን ንኽመክር ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዝጸውዕዎ ናይ መላእ ከባቢ ሃገራት ኣማዞን ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ሲኖዶስ ብራዚሊያዊ ብፁዕ ካርዲናል ክላውዲዮ ሁመስ ብዘቕረብዎ ጸብጻብ ናብቲ ቀንዲ ውዕውዕ ዓውዲ ምይይጥ ከምእተሰጋገረን፡ ብፁዕነቶም ዘቕረብዎ ጸብጻብ፡ ናብ እትብልን ንእትወጽእን ቤተ ክርስቲያን ሓደስቲ ስጉምቲ ኣብ ኣማዞን ንብህልትውናን ንውስጠ ዝተፈላለዩ ባህልታት ርክብን ካብ ሓልዮት ንካህናትን ቅዱሳት ምስጢራትን ኵለንተናዊ ምህዳርን፡ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ከተማታትን ዛዕባ ሃብቲ ማያትን ወሓይዝን ዝምልከቱን ሕቶታት ዝዳህሰሰ ምንባሩ ልኡኽ ጋዜጠይና ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ቫቲካን ረዲዮ ኣለሳንድሮ ዲ ቡሶሎ ኣፍሊጦም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

እዚ ሲኖዶስ እዚ፥ እግዚኣብሔር ንድኻታት ሕዝቡ ዘሰናደዎ ሃብታም መኣዲ ከይኑ ኣብቲ መኣዲ ድኻታት ንእግዚኣብሔር ንኸነገልግሎ ይጽውዓና፡ ናይ ሲኖዶስ ኣበው ብርእሰ ውከሳ ዕብላለ ክይተጸልዉ ብምሕረት ተደሪዀም ገዓር ድኻታትን ገዓር እንነብረላ መሬትን ጽን ዝብለሉን ነታ እትወጽእ ቤተ ክርስቲያን ሓደስቲ ስጉምቲ ኣብ ኣማዞን ዘለልይ ምዃኑ ኣዘኻኺሮም። ሓልዮት ንካህናትን ናይ ዲያቆናትን ደቀንስትዮን ግድ፡ ብኵለንተንዊ ምህዳር ዝተሰነየ ክንክን ናይ ሓባር ቤትናን ንኣማዞን ዝምልከቱ ሕቶታትን ዘናብብ እዩ ከምዝበሉ ዲ ቡሶሎ ሓቢሮም።

ሓደስቲ ስጉምቲ ንእትወጽእ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ኣማዞን

እዞም መበል 85 ኣብ ብራዚል ናይ ሳው ፓውሎ ልሂቅ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ካርዲናል ሁመስ ኣብ ዘቕረብዎ ጸብጻብ፡ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስካ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ኰይኖም ካብ ዝተሓረዩላ ዕለት ካብ ገዛእ ርእሳ እትወጽእን ናብ እትብልን ቤተ ክርስቲያን ዝብል ኣመለኻኽታን ተግባርን ዘለዎ ኣገዳስነት የመላኽቱ፡ እትወጽእ ኣብ ታሪኽ እትጓዓዝ ኣብዚ ምቅይያራት ዝረኣየሉ ዘመን ኣብ ጐድኒ ኵሉ ብፍላይ ምስቲ ኣብ ደጋዊ ክፍሊ ከተማታትን ህልውናን ዘሎ ሓቢራ እትጓዓዝ ቤተ ክርስቲያን ዝብል እዩ።

ምውጻእ፡ ስለምንታይ እዩ ዘድሊ? ብርሃን ንምዅላዕን ናይ ሕዝብን ማሕበረሰብን ሃገራትን መላእ ዘርእሲ ሰብ ትርጉም ናይ ሕይወትን ናይ ታሪክን ነኸለልይ፡ ልቢ ንኸተማሙቕ ምውጻእ፡ እዚ ብርሃንዚ ኢየሱስ ክርስቶስ፡ ሞይቱን ተንሲኡን መንግስቱን ምሕረቱን ፍቕሩን ንብምሳርን ምትሕብባር ብፍላይ ንድኻታትን ኣብ ስቓይ ንዝርከቡን ዝተረሱዑን ሕሩጋትን ስደተይናታትን ቀዳሞት ተወለደትን ዝብል

ባህልታት ኣብ ምህብታምን ንዅሉ ዘጠቓልል ጉዕዞን

ቤተ ክርስቲያን ብኸመይ እያ ክትጓዓዝ ዘለዋ? ነቲ ናይታ ህያው ዝዀነት ቤተ ክርስቲያን ታሪኽን ባህልን ትውፊትን እምንቲ ብምዃን፡ ኣብቲ ሕሉፍ ታሪኽ ዝቖመ ባህላውነት ዘይትብል፡ ኣብ ኢየሱስ ክርስቶስ ዘሎ እምነት ብምስትውዓል ናይዚ እምነት’ዚ ተመክሮታት ነፍሲ ወከፍ ትውልዲ እተእንግድ እያ፡ እዚ ባህሊ የሀብትም፡ በዚ መሰረት ኵሉ ከም ሓደ ስድራ ብዙሓነት ብምኽባር ብሓባር እናተጓዕዘት ናብ መጻኢ ተሰንይ።

ናይቲ ክርስቶስ ዝዀነ ሕዳሴ ዘይትፈርሕ ተባዕን ቆራጽን ቤተ ክርስቲያን

ክርስቶስ ትማልን ሎምን ጽባሕን - ዘለዓለምን ነዚ ክርስቶሳዊ ሕዳሴ ዘይትፈርሕ፡ ንእዋናዊ ጸውዒታቱን ሕቶታትን ጽን እትብል፡ ….

ሕይወቶም ወትሩ ንሓደጋ ዘቃላዑ ልኡካነ ወንጌልን ዓለማውያን ምእመናን ትብዓት

ኢየሱስ ክርስቶስ ናብ ኣሕዛብ ንምብጻሕ ዘገልግሉ ልኡካነ ወንጌል፡ ናይዞም ልኡካነ ወንጌል ትብዓትን መስዋዕትን ተመክሮ ሃብቲ ገይሩ ኣብ ኣሰር ናይ ትማልን ሎምን ትብዓት ልኡካነ ወንጌል እትጓዓዝ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ኣማዞን፡ ኣብ ልኡካነ ወንጌል ካህናትን ደናግልን ጐድኒ ዓለማውያን ምእመናንን ደቀባትን ኰይኖም ንወንጌል ዘገልግሉ ሰማዕትነት ዝተቐበሉን ትብዓት እዚ ዅሉ ተመክሮ ዝገበረት ቤተ ክርስቲያን።

እቶም ናይቲ ሲኖዶስ ጠቕላሊ ጸብጻብ ኣቕራቢ ኣስዒቦም፡ ኣብቲ ከባቢ ነገልግሎት ሕንጸትን ጸረ ድኽነትን ጸረ ግህሰት ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ዝቐውም መራኸቢ ብዙሓን ምስፋሕን፡ ኣብ ኣማዞን ቤተ ክርስቲያን ናይ መጋበርያ ሕጽረት ዘለዋን ዘጋጥማን እያ፡ ሕጽረት መንፈሳውን ንዋታውን መሳለጢ፡ እቲ ንዕለታዊ ሕይወት ክርስትና መሰረት ዝዀነ ቅዱሳት ምስጢራት ኣብ ምቕራብ ዘገልግሉ ካህናት ሕጽረት ዘለዋ፡ እዚ ኹሉ ኣብ ከባቢ ኣማዞን ዝረአይ ሓቂ ምዃኑ ኣዘኻኺሮም። ነዚ መሰረት ገይሮም፡

ኣገዳስነት ብህልውትና፥ ኣማዞናዊ ወጅሂ ንዘለዋ ቤተ ክርስቲያን ክዋነ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 19 ጥሪ 2018 ዓ.ም. ከምዝሓበርዎ፥ ኣማዞናዊ ወጅሂ ዘለዋ፡ ናይ ቀዳሞት ተወለድቲ ወጅሂ ዘለዋ፡ ቤተ ክርስቲያን ህላዌ ኣገዳሲ  እዩ ዝበልዎ ቃል ብፁዕነቶም ኣዘካኺሮም። ንኣስፍሆተ ወንጌልን ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎን ሓደስቲ ኣገባባት ምልላይ፡ ቤተ ክርስቲያን ምስ ከባቢ ሕዝቢ ኣማዞንን ምስቲ ሓቅነት እቲ ከባቢ ዘለዋ ርክብ፡ ከምቲ ናይቲ ከባቢ ሕዝቢ ዝብሎ፡ ኣብ ምክልኻል ናይቲ ከባቢ ናይ ተፈጥሮ ሃብትን ተቐማጦን ብቐዳምነት እተዋሳእ ቤተ ክርስቲያን ክትህልው ናይ ደቀባት ሕቶ እዩ፡ ካብ ኵለ መዳያዊ ባዕዳዊ መግዛእቲ ናጻ ክኸውን መታን።

ምዕቃብን ምሕቛፍን ናይ ደቀባት ባህሊ

ናይ ደቀባት መንነት መለለዪ፥ ቋንቋን ባህልን መንፈሳውን ታሪኽን ኵሉ እቲ ከም ደቀባት ዝገልጾ መንነቱ ብዓለም ደረጃ ክኽበርን ክዕቀብን ክሕቆፍን፡ እዚ ሲኖዶስ’ዚ ናይ ቤተ ክርስቲያን ንቤተ ክርስቲያን እውን እንተዀነ፡ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ታሪክ ኣብ ናይ ከባቡ ጭቡጥ ኩነት ውህድትን ውስጥትን እያ።

ርክብ ዝተፈላለዩ ባህልታት

ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግምዊ፥ ኣብታ “Redemptoris Missio - ተልእዀ መድሃኔ ዓለም ብዝብል እርእስቲ ዝደረዋ ዓዋዲት መልእክቲ ሎሚ ካብ ቀደም ርክብ ዝተፈላለዩ ባህልታት ኣብ ቤተ ክርስቲያን ኣዚዩ ኣገዳሲ ምዃኑ ተመላኽት፡ ኣብ ኣስፍሆተ ወንጌል ርክብ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ዝምልከት እውን እዩ፡ እዚ ኣብ ሊጡርጊያን ኣብ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ኣብ ናይ ሓባር ዘተን ንውህደት ዝኣመተ ኣብ መንጐ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያን ብዝግበር ናይ ሓባር ዘተን ኣብ ናይ ሓባር ናብራን ዘተን ዝትግበር እዩ።

ምክንኻን ናይ ሓባር ቤት፥ ንሓደጋ ኣዚዩ ዘቓልዔ ኣማዞን ምክልኻል

ከባቢ ኣማዞን ካብ ቀደም ሎሚ ኣዚዩ ንዓቢይ ሓደጋ ተቓሊዑ ከምዘሎን፡ ንናይ ኣማዞን  ብዙሓነት ሕይወታውያን በቲ ኤኮኖሚያዊ መኽሰብ ጥራሕ ብዝብል ፖለቲካ ንሓደጋ ተቓሊዑን እዚ ኣብ ልዕሊ እቲ ከባቢ ዝወርድ ዘሎ ሓደጋ ንደቀባት ኣማዞን እውን ንስቓይ ይዳርግ ከምዘሎን፡ ናይ ከባቢ ኣማዞን ሃገራት ከባብያውን ብሔራውን መንግስታት ነቲ ኣብራሲ ኤኮኖሚ ዝፈቕዱን ኣብ ገለ ገለ እዋን እዋን ገለ ገለ መራሕቲ ደቀባት ከይተረፉ ይዅንታ ክህብሉ ይረአይ፡ ስለዚህ እዚ ሲኖዶስ’ዚ ኣብ ይሴባሕ ዓዋዲ መልእኽቲ ዝቖመ ኵለንተናዊ ምህዳር ዘቃልሕ እውን እዩ።

ዋሕዲ ካህናት ኣብ ኣማዞን

ብፁዕ ካርዲናል ሁመስ ኣስዒቦም፡ ኣብ ከባቢ ኣማዞን ዘሎ ዋሕዲ ካህናትን ሕጽረት ቅዱሳት ምስጢራትን ጠቒሶም፡ እዚ ጉዳይ’ዚ እቲ ሓደ መፍትሒ ዘድልዮ ሕጹጽ ሕቶ እዩ፡ ንኵለንተናዊ ሰብኣውን ምህዳራውን ዕብየት መሰረታዊ እዩ፡

ማሕበረ ክርስቲያን ኣማዞን ግትኣተ ሩካቤ ዘለዎ ክብሪ ኣብ ክህነታዊ ሕይወት ዓቢይ ኣፍልጦ ዝሀበሉ ጉዳይ እዩ፡ ይኹን ደኣ እምበር ነቲ ኣብቲ ከባቢ ዘሎ ዋሕዲ ካህናትን ሕጽረት ቅዱሳት ምስጢራትን ንምፍታሕ፡ ናይ ኣማዞም ከባቢ ተቐማጦ ካብ ዝዀኑ ምርዑዋት እውን እንተዀነ ማዕርገ ክህነት ምሃብ ዝብል ሕቶ የቕርቡ፡ ንደቀንስትዮ ምስቲ ዘለወን ሓላፍነት ዝሳነይ ዓይነት ቤተ ክርስቲያናዊ ኣገልግሎት ምምስራቕ የድሊ፡

ዋሕዲ ዝስተይ ጽሩይ ማይ

ኣብ መላእ ዓለም ዋሕዲ ማይ ይሰፍሕ ኣሎ፡ ስለዚህ ኣብ ኣጠቓቕማ ሃብቲ ማይ ግብረ ገባዊ ተላበስ ኣገባብ ክህሉን ምዝባዕ ካባቢ ኣየር ኣዚዩ ኣብ ዘሰክፍ ደረጃ በጺሑ ኣሎ፡ ስለዚህ ሰብኣዊ ፍጥረት ኣብ ኣጠቓቕማ ናይ ተፈጥሮ ሃብቲ ቀጥዒ ክህልዎን ካብቲ ኣብ ሎማዊ ዕጽው ዝዀነ ዓይነት ኣጠቓቕማ ሃብቲ ተፈጥሮ ክላቐቕን ከባቢ ኣየር ዝብክል ኣገባብን ዓይነት ኣነባብራን ሰብ ኣመሓዳሪ ፍጥረት እምበር ወናኒ ኣይኰነን ኣብ ዝብል እምንት ብዝጸንዔ ኣገባብ ክምራሕ እቲ ሲኖድስ ኣብዚ ሓሳብ እዚ እውን ናይ ገዛእ ርእሱ ሓሳብ ከቕርብ እዩ።

ቤተ ክርስቲያን ናይ ሓባር ቤትና ንክንክናኸን ትጽውዕ፡ ብፍላይ ሎሚ እቲ ኣብ ኣማዞንን ኣብ ካልእ ከባቢ ዓለምን ዝኽሰት ምብራስ ሃብቲ ሓምላይን ኣግራብን ብዙሓነት ሕይወታውያንን ክግታእን ኣብ ልዕሊ ናይ ሕርሻ መሬት ዝፍጸም ብስነ ምርምር ዝተሰነየ ዓመጽ ክውገድን ነቲ ናይ መሬት ዋዕይ ካብቲ በጺሕዎ ዘሎ ደረጃ ንኽንክይ ዝድግፍ ካልእ ዓይነት ተቐባልነት ዘለዎ መደብ ልምዓት ተኻኣልነት ዘመላኽት ሲኖዶስ እዩ።

ሲኖዶስ፥ ጸብጻብ ካርዲናል ሁመስ፡ ንእግዚኣብሔር ኣብ ናይ ድኻታት መኣዲ ምግልጋል
08 October 2019, 17:01