ድለ

ሲኖዶስ ዛዕባ ኣማዞን፡ ሳልሳይ ኣኼባ፥  ምክልኻል ናይ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ሕንጸትን ሲኖዶስ ዛዕባ ኣማዞን፡ ሳልሳይ ኣኼባ፥ ምክልኻል ናይ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ሕንጸትን 

ሲኖዶስ ዛዕባ ኣማዞን፡ ሳልሳይ ኣኼባ፥ ምክልኻል ናይ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ሕንጸትን

ሃይማኖታዊ ሸለልተይናነትን ምስፋሕ ሓራጥቃውያንን ነዚ ዅሉ ብድሆ’ዚ ዝመዓራረይ መልሲ ንምቕራብ ኣብ መንጐ ቤተ ክርስቲያንን ዓለማውያን ምእመናንን ምትሕብባርን ቤተ ክርስቲያን ናይቲ ዓለማዊ ምእመን ድምጺ ጽን እናበለት ምስኡ ክትዝትን ነቲ ጸገማት ብሓባር ክትብድህ

ዕለት 8 ጥቅምቲ 2019 ዓ.ም. እቲ ዛዕባ ኣማዞን ዝመክር ዘሎ ሲኖዶስ ቅድሚ ፍርቂ መዓልቲ ኣብ ካልኣይ ዋዕላ ሳልሳይ ኣኼባኡ፡ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ዝተረኽብሉ፡ ብናይቲ ሲኖዶስ ናይ መዛተይ ሰነድ መሰረት ዝተፈላለዩ ካብ ኣበው ሲኖዶስ ዝቐረቡ ሓሳባት ከምዘአንገደን ኣብቲ ኣኼባ 183 ናይ ሲኖዶስ ኣበው ከምእተረኽቡ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ምክልኻል ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ኣብ ልዕሊ ናይ ከባቢ ኣማዞን መራሕትን ማሕበርሰብን ዝተፈላለዩ ማሕበራዊ ምንቅስቓሳትን ዝፍጸም ዓመጽን ኣብ ዝብል ማእከላዊ ሓሳብ እቲ ሳልሳይ ኣኼባ ተመያይጡን፡ ኣብ ከባቢ ኣማዞን ብዝሒ ሰማእታት ክብ ይብል ከምዘሎን፡ ካብ 2003 ክሳብ 2017 ዓ.ም. 1,119 ከባቢኦምን መሬቶም ሕዝቦምን ስለ ዝተኸላኸሉ ናይ ደም ሰማዕትነት ከምእተቐበሉን፡ እቶም ከባቢ ኣማዞን ካብ ዝዀነ ይኹን ዓይነት ምዝመዛን ስቓይን ናጻ ክኸውን ስለ ክብሪ እቲ ካባብን ተቐማጦን ዝዓዩ ማሕበራዊ ምንቅስቓሳትን መራሕትን ንሓደጋ ዝተቓልዑ ምዃኖም ፍሉጥ ክነሱ ንምክልኻሎምን ናይቲ ከባቢ ጸጥታን ሰላምን ውሑስ ንምግባር ተጊሁ ዝዓዪ ፖለቲካ ከምዘየለን፡ ቤተ ክርስትያን ኣብቲ ከባቢ ምስቲ ናይቲ ከባቢ ሕዝቢ ኰይና ብሰበኻ ደረጃ ድዩ ብልኡካነ ወንጌል ኣቢላ ትጣበቕ ማሕበራዊ ፍትሒ ተነቓቕሕ። ነዚ ኣነጺሮም ዝተመያየጡ ኣበው ሲኖዶስ፡ ናይ ኣማዞን ምህዳር ዘዕንው ዝትግበርን ክትግበሩ ዝሕንጸጹ መደባት ዝቃወም ናይቲ ከባቢ ሕዝቢ ድምጺ ቤተ ክርስቲያን ናታ ገይራ ኣሳታፊ ፖለቲካን ማንም ዘይንጽል ዘይጐንይ ኤኮኖሚ ዘለዎ ኣገዳስነት ተነቓቕሕን ኣብዚ መዳይ እውን ሕንጸት ተቕርብ።

ናይቲ ከባቢ ናይ ማዕድን ሃብቲ ንምውጻእ ዝግበር ዕዮ

ኣማዞን ዝተዓደሎ  ጸጋታት ንምጥቃም ዝብል ነቲ ከባቢ ኰነ ነቲ ናይቲ ከባቢ ሕዝቢ ዘይናሕስይ ተመጽዋቲ እምበር ተጠቃሚ ዘይገብር ናይ ኤኮኖሚ ኪደት ሓደገይናን ሕዝብን ከባቢ ኣማዞንን ንሓደጋ ዝዳርግ ምዃኑን ዘመላኸቱ ናይ ሲኖዶስ ኣበው፡ ናይቲ ከባቢ ናይ ተፈጥሮ ሃብቲ ንምጥቃም ዝመርሕ ስርዓትን ሕግን ናይቲ ከባቢ ጽባቔን ሃብትታትን ተቐማጦን ዘይከላኸል ናይቶ ዝምዝምዙ ጥቕሚ ሓለፋ ዝብል ከምዝዀነን፡ ኣብቲ ከባቢ እትርከብ ቤተ ክርስቲያን ነዚ ዓይነት ምዝመዛን ዓመጽን ኰኒና ንዝምልከቶ ኣካል ኣቤት ትብል፡ ኣብ ኣጠቓቕማ ናይ ተፈጥሮ ጸጋታትን ምህዳርን ተቐማጦን ዘኽብር ከይዲ ኤኮኖሚ ክረጋገጽ ጻውዒት ተቕርብ። ኣብዚ መዳይ ድምጾም ስለ ዘስምዑ ዝቕተሉ ልኡካነ ወንጌልን ዓለማውያን ምእመናንን ብዙሓት እያቶም።

ኣማዞን መሬት ስደተይናታት

ከባቢ ኣማዞን ብዙሓት ዜጋታት ናብ ካልኦት ሃገራት ንኽስደዱ ዘቋርጽዎን ከም መሰጋገሪ ዝጠቀምሉ ከባቢ ከምዝዀነ ክፍለጥ እንከሎ፡ ነቶም ናብቲ ከባቢ ዝኣትዉ ስደተይናታት ዝሓልይ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ቤተ ክርስቲያን ብምንቕቓሕ ኵለ መዳያዊ ድጋፍ ኣብ ምቕራብ ከምእተዓይን፡ እዚ ጉዳይ’ዚ መላእ ሃገራት ከባቢ ኣማዞን ዝምልከት ብምዃኑ ናይቲ ክባቢ ኣቢያተ ክርስቲያን ብምትሕብባር ክዓያንን ጸኣት ስደተይናታት ከይሁሉ ዝድግፍ ፖለቲካን ኤኮኖምን ክኸውን ድምጻ ተስምዕ። መንእሰያት ናይ ተስፋ ነቢያት ክዀኑ ኣብ ቤተ ክርስቲያናውን ማሕበራውን ፖለቲካውን መዳኢ ሓላፍነት ዘለዎ ትውሳኤ ክህልዎም ተነቓቕሕ ዘድሊ ሕንጸት እውን ተቕርብ።

ሕጹጽ ኣገዳስነት ሕንጸት

ቤተ ክርስቲያን ነቲ ዅሉ ግምት ካብ ዝህብ ሓላፍነት ተነቓቒሓ፡ ኣብ መክበብ ቤተ ክርስቲያን ተሳትፎ ዓለማውያን ምእመናን ክብ ክብል ተተባብዕ፡ ነቲ ዕለታዊ ብድሆ ብቑዕ መልሲ ዘቕርብ መደብ ሕንጸት ዘለዎ ኣገዳስነት እቲ ሳልሳይ ኣኼባ ብኣጽንዖት ኣተሓሳሲቡ፡ ሃይማኖትን ግብረ ገብን ካብ ማሕበራዊ ሕይወት ዝንጽል ባህልን፡ ሃይማኖታዊ ሸለልተይናነትን ምስፋሕ ሓራጥቃውያንን ነዚ ዅሉ ብድሆ’ዚ ዝመዓራረይ መልሲ ንምቕራብ ኣብ መንጐ ቤተ ክርስቲያንን ዓለማውያን ምእመናንን ምትሕብባርን ቤተ ክርስቲያን ናይቲ ዓለማዊ ምእመን ድምጺ ጽን እናበለት ምስኡ ክትዝትን ነቲ ጸገማት ብሓባር ክትብድህ ከምዘድልን ኣተሓሳሲቦም፡ ኣብቲ ከባቢ ዘረአይ ዋሕዲ ካህናት ስዒቡ ዝተኣታተው ጸገም ንምብዳህ ግትኣተ ሩካቤን ንጽሕናን ኣብ ጸዋዕታ ክህነት ዘለዎ ክብሪ ሎሚ ከም ቀደም ግብኡ ኣፍልጦ ዝወህብ ከይኑ፡ ኣብቲ ከባቢ ሰብ ቃል ኪዳን (ምርዑዋት) ኣቦ ስድራ ዝዀኑ ዓበይቲ ማዕርገ ክህነት ክቕበሉ ምፍቃድ ዝብል ውሳኔ ክሕሰበሉ ከምዘለዎ ናይ ሲኖዶስ ኣበው ሓሳብ ከቕርቡ እንከልዉ፡ ገሊኣቶም ኣበው ሲኖዶስ፡ እዚ ሓሳብ’ዚ ካህን ናይ ማሕብረሰብ ጓሳን ናይ ሕይወት ክርስቲያን መምህርን ጭቡጥ ምልክት ቅርበት ክርስቶስ ንሕዝቡን ምዃኑ ኣረሲዑ ናብ ተራ መስዋዕተ ቅዳሴ ሰራዒ ሰራሕተይና ከምስሎ ዝከኣል እዩ ዝብል ሓሳብ እውን የቕርቡ።

ሓድሽ ስጉምቲ ንሕንጸት ውሉደ ክህነት

ኣብ ኣማዞን ንእስፍሆተ ወንጌል ዝተሰናደዉ ካህናትን ልኡካነ ወንጌልን ሕጹጽ ኣገዳስነት ዘለዎ ጉዳይ እዩ፡ ይኹን ደኣ እምበር ኣብ ከባቢ ኣማዞን ጸዋዕታ ክህነት ምንቕቓሕን ናይቲ ከባቢ ተወለድቲ ዛዕባ ጸዋዕታ ሕንጸት ክረኽቡን ቀዋሚ ዲያቆናት ንምስንዳው ቤተ ክርስቲያን ዘድሊ ሕንጸት ኣብ ምቕራብ ክትተግህን፡ ኣብ መስዋዕተ ቅዳሴ ምስራዕ ክሳተፉ ዝኽእሉ ፍሉይ ፍቓድ ዝወሃቦም ነገልገሎት ምስንዳውን፡ ካህናትን ልኡካነ ወንጌልን ዘሰንይ ጉጅለ ምቛም፡ መደብ ሕንጸት ኣብ ቃል ኣምላኽን ጽዑቕ ሕንጸት ነገልገልትን፡ መሰረታዊ ቲዮሎጊያዊ ሕንጸት ነቶም ኣብ ናይ ቤተ ክርስቲያን ኣገልግሎት ብዝተፈላለየ ደረጃታት ክሳተፉ ንዝደልዩ ክቐርብን፡ ንናይቲ ከባቢ ሕዝቢ ቀረባ ዝዀነ መደብ ሕንጸት ንተመሃሮ ዘርኣ ክህነት ከባቢ ኣማዞን ምቕራብ ዝብሉ ሓሳባት ዝተቓልሓሉ ኣኼባ ከምዝነበረን ኣብ መወዳእታ እውን ቤተ ክርስቲያናዊ ጸዋዕታ ዓቢይ ግምት ክወሃቦ ብዝብል ሓሳብ መሰረት እውን ማዕርገ ድቁና ንደቀንስትዮ ምፍቃድ ዝብል ሓሳብ ከምዝቐረበ ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።

ሲኖዶስ ዛዕባ ኣማዞን፡ ሳልሳይ ኣኼባ፥ ምክልኻል ናይ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ሕንጸትን
09 October 2019, 10:48