ድለ

ሲኖዶስ፥ ግደ ኣዴታት ሲኖዶስ ሲኖዶስ፥ ግደ ኣዴታት ሲኖዶስ 

ሲኖዶስ፥ ግደ ኣዴታት ሲኖዶስ

እቲ ናይ ሲኖዶስ ናይ ፍጻሜ ሰነድ ነቲ ጉብኤ ዘቕረቡ ኣብ ብራዚል ናይ ሳው ፓውሎ ሰበኻ ልሂቅ ሊቀ ጳጳሳት ናይ መላእ ከባቢ ኣማዞን ቤተ ክርስቲያናዊ መረብታዊ መክብብ ኣቦ መንበር ብፁዕ ካርዲናል ክላውዲዮ ሁመስ

ዕለት 26 ጥቅምቲ 2019 ዓ.ም. ናይቲ ክሳብ ዕለት 27 ጥቅምቲ 2019 ዓ.ም. ዝቕጽል ዛዕባ ኣማዞን ዝመክር ዘሎ ሲኖዶስ 182 ናይ ሲኖዶስ ኣበው ኣሳቲፉ ብመርሕነት ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ዘካየዶ መበል 15 ኣኼባ ናይቲ ሲኖዶስ ናይ ፍጻሜ ሰነድ ከምዝቐረበን ድምጺ እውን ከምእተወሃበሉን ናይ ድህረ ኣማዞናዊ ሲኖዶስ መማክርት ጉባኤ ኣባላት ምርጫ እውን ከምእተኻየደ ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ናይቲ ድህረ ኣማዞናዊ ሲኖዶስ መማክርት ጉባኤ ኣባላት ንንዀኑ 13 ኣካላት ከምእተሓርዩን ካብ ካባቢ ኣማዞን ሃገራት ዝመጹን፡ ኣርባዕተ ካብ ብራዚል ክልተ ካብ ቦሊቪያ ክልተ ካብ ኮሎምቢያ ክልተ ካብ ፐሩ ሓደ ካብ ኣንቲለን ሓደ ካብ ቨነዘወላን ሓደ ካብ ኤኳዶርን ምዃኖም ዝሓበረ ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፡ እዚ ጉብኤ ቤት ምኽሪ ድህረ ኣማዞናዊ ሲኖዶስ እቲ ሲኖዶስ ዘቕረቦ ሓበሬታ ንምትግባር ዝዓዩ ክኸውን እንከሎ፡  እቲ ናይ ሲኖዶስ ናይ ፍጻሜ ሰነድ ነቲ ጉብኤ ዘቕረቡ ኣብ ብራዚል ናይ ሳው ፓውሎ ሰበኻ ልሂቅ ሊቀ ጳጳሳት ናይ መላእ ከባቢ ኣማዞን ቤተ ክርስቲያናዊ መረብታዊ መክብብ ኣቦ መንበር ብፁዕ ካርዲናል ክላውዲዮ ሁመስ ክዀኑ እንከለዉ፡ እቲ ሰነድ ኣብቶም ዝተኻየዱ 15 ኣኼባታት ብፁዓን ኣበው ሲኖዶስን ተጋባእያን ክኢላታትን ብሰማዕነት መሰል ዝተሳተፉን ልኡካን ተግባእያንን ዘቕረብዎን ምይይጥ ዝገበርሉን ዘቐረቡዎ ርእይቶታትን ዘጠቓለለ ክኸውን እንከሎ፡ ብምልኣት ናይ መላእ ብፁዓን ኣበው ሲኖዶስ ናይ ሓባር ሰነድ ኰይኑ ክቐርብ፡ ብፁዓን ኣበው ሲኖዶስ ብንኡሳን ጉጅለ ተወዳዲቦም ናብ ዘካይድዎ ኣኼባ ተመሓላሊፉን፡ ስዒቡ ካብ ዕለት 23 ክሳብ ዕለት 24 ጥቅምቲ 2019 ዓ.ም. ኣብቲ ናይ ፍዳሜ ሰነድ ብክኢላታት ድጋፍ ተሰንዮም ናይ ሲኖዶስ ጠቕላሊ ኣፈ ጉባኤን ናይቲ ሲኖዶስ ፍሉያት ጸሓፍትን ናይ መአረምታ ዘቕርብዎ ጽሑፋቶም ዘጠቓለለን፡ ዕለት 25 ጥቅምቲ 2019 ዓ.ም. ኣብ መበል 15 ኣኼባ ንንባብ ቅድሚ ምቕራቡ ብናይቲ ናይ ፍጻሜ ሰነድ ኣወሃሃዲ ድርገት ከምእተመርመረን፡ ዕለት 26 ጥቅምቲ 2019 ዓ.ም. ኣብ ዝተኻየደ መበል 16 ኣኼባ ተጋብእያን ነቲ ናይ ፍጻሜ ሰነድ ብድመጸ ውሳኔ ክምዘጽደቕዎ ኣፍሊጡ። ኣብ ፍጻሜ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንዅሎም ተጋባእያን ሲኖዶስ ዛዕባ ኣማዞን፡ ምስሊ ኣማዞን ዝተነብሮ ናይ 2019 ዓ.ም. ጳጳሳዊ መዳሊያ ከምዝለገሱ ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ኣማዞናዊ ሲኖዶስ፡ ናይ ፍጻሜ ሰነድ
26 October 2019, 17:46