ድለ

ኣማዞናዊ ሲኖዶስ፡ ሓርፋፍ ናይ ፍጻሜ ሰነድ ቀሪቡ ኣማዞናዊ ሲኖዶስ፡ ሓርፋፍ ናይ ፍጻሜ ሰነድ ቀሪቡ 

ኣማዞናዊ ሲኖዶስ፡ ሓርፋፍ ናይ ፍጻሜ ሰነድ ቀሪቡ

ኣብ ዘፍጥረት ዘሎ ናይቲ ፍጹም ሰናይ ኣሰር ኣፍልጦ ምሃብን፡ ረብሓታቱ ምልላይን ንኣኡ ውዳሴን ምስጋናን ምቕራብ

ዕለት 21 ጥቅምቲ 2019 ዓ.ም. ቅድሚ ፍርቂ መዓልቲ ናይቲ ክሳብ ዕለት 27 ጥቅምቲ 2019 ዓ.ም. ዝቕጽል ዘሎ ዛዕባ ኣማዞን ዝመክር ሲኖዶስ 184 ናይ ሲኖዶስ ኣበው ኣሳቲፉ ብመርሕነት ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ዘካየዶ መበል 14 ኣኼባ ናይቲ ሲኖዶስ ሓርፋፍ ናይ ፍጻሜ ሰነድ ከምዝቐረበ ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

እቲ ሓርፋፍ ናይ ሲኖዶስ ናይ ፍጻሜ ሰነድ ነቲ ጉብኤ ዘቕረቡ ኣብ ብራዚል ናይ ሳው ፓውሎ ሰበኻ ልሂቅ ሊቀ ጳጳሳት ናይ መላእ ከባቢ ኣማዞን ቤተ ክርስቲያናዊ መረብታዊ መክብብ ኣቦ መንበር ብፁዕ ካርዲናል ክላውዲዮ ሁመስ ከምዝዀኑን፡ እቲ ሓርፋፍ ሰነድ ኣብቶም ዝተኻየዱ 13 ኣኼባታት ብፁዓን ኣበው ሲኖዶስ ዘቕረብዎን ምይይጥ ዝገበርሉን ዝቐረቡዎ ርእይቶታትን ዘጠቓለለ ክኸውን እንከሎ፡ ብምልኣት ናይ መላእ ብፁዓን ኣበው ሲኖዶስ ናይ ሓባር ሰነድ ኰይኑ ክቐርብ፡ ብፁዓን ኣበው ሲኖዶስ ብንኡሳን ጉጅለተ ተወዳዲቦም ናብ ዘካይድዎ ኣኼባ ክመሓላለፍን ምይይጥ ክገብረሉ እዩ።

ስዒቡ ካብ ዕለት 23 ክሳብ ዕለት 24 ጥቅምቲ 2019 ዓ.ም. ኣብቲ ናይ ፍዳሜ ሰነድ ብክኢላታት ድጋፍ ተሰንዮም ናይ ሲኖዶስ ጠቕላሊ ኣፈ ጉባኤን ናይቲ ሲኖዶስ ፍሉያት ጸሓፍትን ናይ መአረምታ ዘቕርብዎ ጽሑፋቶም ከጠቓልልን፡ ዕለት 25 ጥቅምቲ 2019 ዓ.ም. ኣብ መበል 15 ኣኼባ ንንባብ ቅድሚ ምቕራቡ ብናይቲ ናይ ፍጻሜ ሰነድ ኣወሃሃዲ ድርገት ክምርመር እዩ፡ ዕለት 26 ጥቅምቲ 2019 ዓ.ም. ኣብ ዝካየድ መበል 16 ኣኼባ ተጋብእያን ነቲ ናይ ፍጻሜ ሰነድ ናይ ድምጺ ውሳኔ ክህብሉ እዮም።

እቲ ዕለት 21 ጥቅምቲ 2019 ዓ.ም. ዝተኻየደ መበል 14 ኣኼባ ብጽሎት ዘሰዓታት ሰለስቱን ስዒቡ ቃለ ኣስተንትኖ ናይ መላእ ላቲን ኣመሪካን ካሪቢያንን ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ሕብረት ኣቦ መንበር ኣብ ፐሩ ናይ ሰበኻ ትሩኺዮ ሊቀ ጳጳስ ብፁዕ ኣቡነ ሚገል ካብረኾስ ቪዳርተ ቀሪቡን፥ ብፁዕነቶም ኣብ ዝለገስዎ ቃለ ኣስተንትኖ፡ ናይ ቅዱስ ፍራንቸስኮ ዘኣሲዚን ናይዚ ቅዱስ ማህሌት ዘፍጥረትን ከም ኣብነት ክሰዓብን ክንበርን ከምዘለዎ ኣዘኻኺሮም፡ ጽባቔ ናይ ስነ ጽባቔ ሕቶ ዘይኰነስ ፍቕሪ እዩ፡ ናይ ሕውነትን ጸጋን ዋጋ እዩ፡ ቅዱስ ፍራንቸስኮ ዘኣሲዚ፥ መላእ ዘፍጥረ ብዓብይ ፍቕርን ተራእዩ ብዘይፈልጥ ኣኽብሮት ምስ ዘፍጥረት እናተዛረበ ክኽበር እናመዓደ ዝሓቖፎን እዩ፡ በዚ ኣገባብ’ዚ ኣቢሉ ቅዱስ ፍራንቸስኮ ኣብ ማእከላይ ዘመን ናይ ስነ ምህዳር ጦብላሕታ መሃዛይ ኰነ ከምዝበሉ ዝሓበረ ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥

ምፍላጥን ምልላይን ንቡርነቱ ምምላስን ዝብሉ ሰለስተ ቃላት ጠቒሶም፡ ናይ ፍራንቸስኮስ ዘኣሲዚ መንፈሳዊ ኪደታት ዘመላኽቱ ግስታት እያቶም ቢሎም፡ ኣብ ዘፍጥረት ዘሎ ናይቲ ፍጹም ሰናይ ኣሰር ኣፍልጦ ምሃብን፡ ረብሓታቱ ምልላይን ንኣኡ ውዳሴን ምስጋናን ምቕራብን ብቓልን ሕይወትን ዝመስከረን፡ እቲ ሓጢኣት እምባር ዘፍጥረት ኣክንዲ ምምሕዳር ወናኒኡ ምዃን ካብ ዝንብል ዝነቅል እዩ ቢሎም፡ ቅዱስ ፍራንቸስኮ ኣብ ማይሌቱ ዘፍጥረት እቲ ንእግዚኣብሔር ዝቐርብ ውዳሴን ምስጋናን ዘመሓላልፍ ምዃኑ የረጋግጽ፡ ዘፍጥረት ንእግዚኣብሔር ውዳሴን ምስጋናን ናይ ምቕራብ ክብሪ ዘለዎ እዩ፡ ዘፍጥረት ንእግዚኣብሔር መሊስካ ምቕራብ እምበርከስ ውዳሴን ምስጋና እዩ፡ በዚ ኣቢልካ እግዚኣብሔር ናይ ኵሉ ኵላዊ ኣቦ ምዃኑ ተስተውዕል እንክብሉ ዝለገስዎ ቃለ ኣስተንትኖ ከምዘጠቓለሉ ኣፍሊጡ።

እቲ ናይ ዕለት 21 ጥቅምቲ 2019 ዓ.ም. መበል 14 ኣኼባ ብዛዕባ ኵለንተናዊ ምህዳርን ብፍላይ ነዚ ጉዳይ’ዚ ምስቲ ኣብ ዓለም ዝረአይ ዘሎ ምዝባዕ ካብቢ ኣየር ኣተሓሒዞም በዓል ሞያ ብዘስምዕዎ ናይ መጽናዕቲ ጽሑፍ ከምእተዛዘመ ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

ኣማዞናዊ ሲኖዶስ፡ ሓርፋፍ ናይ ፍጻሜ ሰነድ ቀሪቡ
22 October 2019, 17:27