ድለ

ካርዲናል ሾንቦርን፡ ብመሰረት ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ሕዝበ እግዚኣብሔር ንዳግማይ ምጥቀት ካርዲናል ሾንቦርን፡ ብመሰረት ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ሕዝበ እግዚኣብሔር ንዳግማይ ምጥቀት 

ካርዲናል ሾንቦርን፡ ብመሰረት ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ሕዝበ እግዚኣብሔር ንዳግማይ ምጥቀት

ምኩራት ኣብ እምነትን ብሱላትን ኣቦታት ስድራን ንማዕርገ ክህነት ምፍቓድ ዝብል ሓሳብ ክጽናዕን ክሕሰበሉን ዘለዎ ጉዳይ እዩ፡ ምስ ናይ ኣማዞን ህልው ኩነታት ብምትሕሓዝ፡ ስለዚህ ንማዕርገ ክህነት ብማዕርገ ድቁና ምሕላፍ ግድን ብምዃኑ፡ ቀዋሚ ድቁና ዝብል ኣገልግሎት ምሕሳብ የድሊ

ኣብ ሃገረ ቫቲካን ክሳብ ዕለት 27 ጥቅምቲ 2019 ዓ.ም. ዛዕባ ኣማዞን ዝመክር ዘሎ ሲኖዶስ ናይ ካልኣይ ሰሙን መደቡ ኣብ ዝዛዘመሉ እዋን ናይ ሲኖዶስ ብፁዓን ኣበው ብነኣሽቱ ጉጅለ ተወዲቦም ዕለት 18 ጥቅምቲ 2019 ዓ.ም. ዘካየድዎ ምይይጥ መሰረት ድሕሪ ዝቐረበ ጸብጻብ፥ ቀዋሚ ድቁና ዝብል መገዲ ብኣጽንዖት ኣተንቢሆም ኣብ ኵሉ ምስጥረ ጥምቀት ኣብ ዝቕበል ዘሎ ሓባራዊ ክህነት መሰረት፡ ሓደስቲ ቅርጽታት ተልእዀ ቅድሚ ምሕሳብ ኣተኵሮኻ ኣብ ሕዝበ እግዚኣብሔር ክጭምት ምግባር ኣገዳሲ ምዃኑ ኣብ ኦስትሪያ ናይ ቪይና ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ካርዲናል ክሪስቶፍ ሾንቦርን ምስ ቫቲካን ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ይሕብሩ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫትካን

ጭቡጥ ኩነት ኣማዞን ብቐረባ ዘይፈልጠዎ ምዃኖም ሓቢሮም፡ ነቲ ናይቲ ከባቢ ጭቡጥ ኩነት ዘይፈልጥ ቅድም ቀዳድም ነቲ ናይቲ ከባቢ ድምጺ ጽን ክብል ኣለዎ፡ ስለዚህ ኣነ ይብሉ ኣብቲ ሲኖዶስ ነቶም ካብ ናይ ኣማዞን ጭቡጥ ኩነት ዝመጹ ልኡካንን ካብቲ ከባቢ ዝመጸት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ምስማዕ ከምእተጸምዱን፡ ናይቲ ካበቢ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ብድሆታት ካብቲ ናይቲ ከባቢ ሕዝብን ቤተ ክርስቲያንን ንላዕሊ ካልእ ዝፈልጦ ክህሉ ክኡል ኣይኰነን፡ ... ንካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ዓቢይ ሕቶ ካብቲ ከባቢ ብዝተፈላለየ ምኽንያት ይቐርብ፡ ቤተ ክርስቲያን ህልውቲ እምበር በጻሒት ክትከውን የብላን፡ ስለዚህ ነዚ ኣብ ግብሪ ንምውዓል ሓደስቲ ዓይነት ተልእዀታት ምሕሳብ ግድን ይኸውን፡ ነቲ ኣብቲ ከባቢ ዘሎ ዋሕዲ ካህናትን ልኡካነ ወንጌልን ቤተ ክርስቲያናዊ መልሲ ምሃብ የድሊ፡ ብእምነት ምኵራትን ኣብ ስድራን ብሱላትን ኣብነታውያንን ንማዕርገ ክህነት ድልዋት ምባል ዝብል ሓሳብ ብርግጽ ክሕሰበሉ ዘለዎ ጉዳይ እዩ፡ ነዚ ክኸውን ኣይክእል ዝብል ሃምነናዊ ርእየት የሎን፡ ይዅን ደኣ እምበር ቀዋሚ ድቁና ዝብል መገዲ ዓቢይ ግምት ክወሃቦ ይግባእ።

ስለዚህ ምኩራት ኣብ እምነትን ብሱላትን ኣቦታት ስድራን ንማዕርገ ክህነት ምፍቓድ ዝብል ሓሳብ ክጽናዕን ክሕሰበሉን ዘለዎ ጉዳይ እዩ፡ ምስ ናይ ኣማዞን ህልው ኩነታት ብምትሕሓዝ፡ ስለዚህ ንማዕርገ ክህነት ብማዕርገ ድቁና ምሕላፍ ግድን ብምዃኑ፡ ቀዋሚ ድቁና ዝብል ኣገልግሎት ምሕሳብ የድሊ፡ እቲ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ቅድሚ ሓምሳ ዓመት ዘመላኸቶ ናይ ቀዋሚ ድቁና መሰረታዊ ሓሳብ ምንባር፡ እንተዀነ እውን ቅድሚ ሓደስቲ ተልእዀታት እቲ ዘገድስን ክሕሰበሉን ዘለዎ እቲ ናይ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ዓቢይ ራእይ ዝኸነ ሕዝበ እግዚኣብሔር ዝብል ኣምር እዩ፡ ኩሉ ኣብኡን ስሌኡን፡ እቲ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ዘቃለሖ ኣብ ምስጢረ ጥምቀት ዘሎ ሓባራዊ ክህነት ዝብል ሓሳብ ኣብቲ ዝካየድ ዘሎ ሲኖዶስ ብተደጋጋሚ ክንገርን ክግለጽን ይስማዕ ምስ በሉ ኣስዒቦም፡  

ቅዱስ ኣቦና ነዚ ዛዕባ ኣማዞን ዝመክር ሲኖዶስ ክጽውዑ፡ ኩላትና ነቲ ኢየሱስ ዓቢይ ቆላሕታ ዝሃበሉን ቀረባ ዝዀነሉን ኩነት ሕይወትን ህልውናን መታን ቀረባ ንኽንከውን እዩ፡ ቤተ ክርስቲያን ኵላዊት እያ፡ ንደቀባት ሕይወትን መጻእን እምነትን ናቱ ዝገበሮን እትህቦ ቆላሕታ ኣብ ኩሉ ከባቢ ዓለም ክትርጐም ዝኽእል ናይቲ ኵላዊ ዝዀነ ኢየሱሳዊ ሕይወት ኣብ ምንባር እዩ፡ ንትሑታትን ድኻታትን መበለትን ለምጻማትን ዝተናዕቁን … ሓለፋ ምባል፡ ኣብዚ ዓይነት ጸዋዕታ’ዚ ቅዱስ ኣቦና ዘለዎም ኣገባብ ዝምስጥን ዝማርኽን እዩ፡ እምነት ብቓልን ሕይወትን እንክብሉ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ኣጠቓሊሎም።

ካርዲናል ሾንቦርን፡ ብመሰረት ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ሕዝበ እግዚኣብሔር ንዳግማይ ምጥቀት
19 October 2019, 16:49