ድለ

ሲኖዶስ፥ ግደ ኣዴታት ሲኖዶስ ሲኖዶስ፥ ግደ ኣዴታት ሲኖዶስ 

ሲኖዶስ፥ ግደ ኣዴታት ሲኖዶስ

እቲ ሲኖዶስ ጥንቁቕ ምስማዕ ንእግዚኣብሔር ዝተነብረሉን ንድምጺ ኣማዞን ጽን ዝተበሃለሉን እዩ ቢለን፡ ናይ ሕዝቢ ኣማዞንን ናይ መሬትን ስቓይን ገዓርን ጽን ብምባል

ብሓልዮት ቅዱስ ኣቦና ዝተጸውዔን ዛዕባ ኣማዞን ዝመክር ዘሎ ሲኖዶስ ዕለት 27 ጥቅምቲ 2019 ዓ.ም. ቅዱስነቶም ካብ ውሽጥን ወጻእን ዝመጹ መንፍሳውያን ነጋዶን ናይ ከባቢ ኣማዞን 309 ዝተፈላለዩ ዓሌታት ወኪሎም ኣብቲ ሲኖዶስ ዝተረኽቡን ብዘሳትፍ ምስ መላእ ብፁዓን ኣበው ሲኖዶስን ሓቢሮም ብዘዕርገዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ዝዛዘም ምዃኑ ክፍለጥ እንከሎ፡ ዕለት 25 ጥቅምቲ 2019 ዓ.ም. ዝተኻየደ ናይቲ ሲኖዶስ ኣኼባ ዝምልከት፡ ኣብ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ሕንጻ ኣብ ዝርከብ ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ ኣብ ዝተወሃበ ጋዜጣዊ መገለጺ፥ 

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብቲ ዝካየድ ዘሎ ሲኖዶስ ዝሳተፋ ዘለዋ ተወላዲት ኤኳዶር እናቴ ዛምብራኖ ያራ ኣብቲ ጋዜጣዊ መግለጺ ዝተሳተፋ፡ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ከምቲ ኣብ ናይ ሕዝብታት ባህሊ ዘሎ፡ ብዕድመ ንዝደፍኤ ባርኸንን መርቐንን እትብሎ፡ ብክልተ ኣባላት ናይ ኣማዞን ደቀባት ከምእተባረኹን ክገልጻ እንከለዋ፡ ኣብ ብራዚል ናይ ማራዦ ሰበኻ ጳጳስ ብፁዕ ኣቡነ ስፐንግለር እውን ብወገኖም፡ ኣብቲ ሲኖዶስ፡ ንደቀንስትዮ ድቁና ክፍቐድ ዝብል ብርቱዕ ድላይ ከምተቓልሔ የመላኽቱ።

ዕለት 25 ጥቅምቲ 2019 ዓ.ም. ድሕሪ ቐትሪ እቲ ዛዕባ ኣማዞን ዝመክር ዘሎ ሲኖዶስ 184 ናይ ሲኖዶስ ኣበውን 55 ብሰማዕነት መሰል ዝሳተፉን፡ 25 ክኢላታትን 12 ፍልዩ ልኡኻትን ኣሳቲፉ ብቕዱስ ኣቦና ተመሪሑ ከምእተኻየደ ዘዘኻኸሩ ልኡኽ ጋዜጠይና ኣገልፍሎ ክፍሊ ዜና ቫቲካን ረዲዮ ኣለሳንድሮ ዲ ቡሶሎ ኣስዒቦም፡ ነቲ ዕለት 25 ጥቅምቲ 2019 ዓ.ም. ቅድሚ ፍርቂ መዓልቲ ኣርባዕተ ካብ ብራዚል ክልተ ካብ ቦሊቪያ ክልተ ካብ ኮሎምቢያ ክልተ ካብ ፐሩ ሓደ ካብ ኣንቲለን ሓደ ካብ ኤኳዶርን ሓደ ካብ ቨነዝወላ ዝመጹ ተጋባእያን ሲኖዶስ ኣሳቲፉ ዝተወሃበ ጋዜጣዊ መግለጺ ዋና ኣወሃሃዲ ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ መራኸቢ ብዙሃን ሓልዮ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ህየነተ ዶክተር ፓውሎ ሩፊኒ ከምዝዀኑ ገሊጾም፡ ሩፊኒ፡ ዕለት 26 ጥቅምቲ 2019 ዓ.ም. ናይ ኣማዞናዊ ሲኖዶስ ናይ ፍጻሜ ሰነድ ተነቢቡን ድምጺ ክወሃበሉ እዩ ቢሎም፡ እቲ ናይ ፍጻሜ ሰነድ ብቋንቋ ፖርቱጋልን ፈረንሳን ኢንግሊዝን ጣልያንን ከምዝቐረበ ሓቢሮም።

እናቴ ኢነስ፥ ንደቀናትን ሓረስቶትን ግቡእ ክብሪ ምሃብ

ነቲ ዝቐረበ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ ኣባል ልኡካነ ወንጌል ንጽሕቲ ቅድስቲ ድንግልማርያምን ቅድስቲ ካተሪና ዘሲየናን ማሕበር ደናግል እናቴ ኢነስ ኣዙሰና ዛምባራን ዣራ ብዘስመዐዖ ዘረባ ከበግሳ እንከለዋ፡ እቲ ንሰን ብኣባልነት ዝርከባሉ ማሕበር ደናግል ኣብ ጐድኒ ደቀባት ኰይኑ ምግልጋል ካብ ዝጅምር 105 ዓመት የቝጽር ከምዘሎ ገሊጸን፡ ኣብ ጐድኒ ደቀናትን ሓረስቶት ደቀንስትዮን ዘገልግልን ደቀባት ብጠቕላላ ባህሎምን ኣነባብርኦምን ግቡእ ዋጋ ክወሃቦን መሰሎምን ክብሮም ክኽበር ብዝተፈላለየ መዳይ ዘነቓቕሕ እውን ምዃኑ ሓቢረን፡ እቲ ሲኖዶስ ጥንቁቕ ምስማዕ ንእግዚኣብሔር ዝተነብረሉን ንድምጺ ኣማዞን ጽን ዝተበሃለሉን እዩ ቢለን፡ ናይ ሕዝቢ ኣማዞንን ናይ መሬትን ስቓይን ገዓርን ጽን ብምባል፡ ዝመዓራረዮ መንፈሳውን ሰብኣውን መልሲ ንምሃብ ዘኽእል መገዲ ዝሓበረ እዩ ከምዝበላ ዲ ቡሶሎ ኣፍሊጦም።

ወጅሂ ኣማዞን ዘለዋ ቤተ ክርስቲያን ምስ ካህናት ደቀባትን ሊጡርጊያ ደቀባትን

ልክዕ ከምቲ ኣብ ሲኖዶስ ንዝሳተፉ ደቂተባዕትዮ ናይ ሲኖዶስ ኣበው ዝብል መጸውዕ ዝወሃቦም ነተን ዝሳተፋ ዘለዋ ደቀንስትዮ ኣደታት ሲኖዶስ ዝብል መጸውዕ ክወሃበን ስለ ዝግባእ በዚ መጸውዕ ስም ክጽውዓ ከምዘለወን እውን ሓቢረን፡ እቲ ደቀባት ዝነብርዎ ዘለዉ ህልው ኩነታት ብሓቂ ጽንኩር እዩ፡ ኣብ 1984 ዓ.ም. ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ፡ ኣማዞናዊት ቤተ ክርስቲያን፡ ምስ ደቀባት ካህናትን ደቀባታዊ ሊጡርጊያን ምሕናጽ ኣገዳሲ እዩ ዝበለዎ ሓሳብ ዘኪረን፡ እዚ ሓሳብ’ዚ ጭቡጥ ንምግባር ናይ ደቀባት ቲዮሎጊያን ስነ ቆስሞሳዊ ኣነባብራኦምን ቋንቋታቶምን ባህሎምን ኵሉ ምዕሟቕን ምንበርን ማዕረ ማዕረ እውን ምእንቲ መሰሎምን ክብሮምን ምስ ደቀባታውያን ማሕበራትን ውድባትን ብምትሕብባር ምዕያይ የድሊ ምስ በላ፡ ምስቲ ህዝቢ ብሓባር ብህልውን ሓቢሩ ዝጓዓዝን ምስ ሕዝቢ ደቀባት ዝነብርን ውፉይ ሕይወት ኣብ ምንቕቓሕ ንርከብ እሎና ከምዝበላ ዝሓበሩ ዲ ቡሶሎ ኣስዒቦም፡

ስፕሊንግለር፥ ድቁና ንደቀንስትዮ ዝብል ሕቶ

እቲ ሲኖዶስ ካብ ዘቕረቦም ሓሳባትን ሓደ ድቁና ንደቀንስትዮ ዝብል ርእዮት ምዃኑ ኣብቲ ጋዜጣዊ መግለጺ ዘረባ ዘስምዑ ኣብ ብራዚል ናይ ሰበኻ ማራዦ ጳጳስ ብፁዕ ኣቡነ ኤቫሪስቶ ፓስኮኣል ስፐንግለር ሓቢሮም፡ ናይቲ ሲኖዶስ ናይ ፍጻሜ ሰነድ ንናይ ቅዱስ ኣቦና ውሳኔ እዩ ዝመሓላለፍ፡ ካብ ጠቕላላ ተገባእያን ሲኖዶስ እቲ 40 ሚእታዊ ዝሽፍን ድቁና ንደቀንስትዮ ዝብል እዩ፡ ኣብ ታሪኽ ቤተ ክርስቲያን ንሕዝበ እግዚኣብሔር ዝመርሓ ነቢያት ደቀንስትዮ ነይረን እየን፡ እመ ኣምላክ ማርያም ኣደ ኵሉ እታ ዝዓበየት እያ፡ ቅዱስ ጳውሎስ ኣብ መልእኽትታቱ ብዛዕባ ዲያቆናት ደቀንስትዮ ይዛረብ፡ ካብ 12 ክፍለ ዘመን ንነጀው ኣብ ቤተ ክርስትያን ቅድስና ካብ ዝተኣወጀሎም ደቂተባዕትዮ ደቀንስትዮ ይበዝሓ፡ ኣብ ኣማዞን ካብ ዝርከቡ ጠቕላላ ማሕበረሰብ 60 ሚእታዊ ብደቀንስትዮ ዝምራሕ እዩ፡ እቲ በነዲክቶስ መበል 16 ድቁና ኣብ ሊጡርጊያን ቃለ እግዚኣብሔርን ግብረ ሰናይን ካብ ናይ ኢየሱስ ተክለ ሰብነት ፈሊኻ ክረአይ የብሉን ዝብል ሓሳብ ኣብ ሕገ ቀኖና ክሕወስ ዝገበርዎ ዓንቀጽ ዘኪሮም፡ እዚ ዓንቀጽ’ዚ ሎሚ ማዕርገ ድቁና ንደቀንስትዮ ኣብ ዝፈቕድ ውሳኔ ንምብጻሕ ዝድርኽ ኣመክንዮ እዩ እንክብሉ ብፁዕ ኣቡነ ስፕሊንግለር ዘስምዕዎ መደረ ከምዘጠቓለሉ ኣፍሊጦም።

መጻኢ ስርዓተ ኣምልዀ ኣማዞን ብእምነት ምኩራት ዝብል ውሳኔ ዘማዕድው እዩ

ኣብቲ ሲኖዶስ ኣማዞናዊ ሊጡርጊያ ዝብል ሓሳብ ብተደጋጋሚ ክቐርብ ከምእተራእየን እቲ ዝበሃል ዘሎ ስርዓተ ኣምልዀ ኣማዞን ነቲ ኣብ ኣማዞን ዘሎ ዋሕዲ ካህናት ንምብዳህ ናብቲ ብእምነት ምኵራትን ዓበይትን ብሱላትን ኣበው ስድራን ማዕርገ ክህነት ክቕበሉ ናብ ዝብል ውሳኔ ዘብጽሕ ድዩ ዝብል ካብ ሓደ ጋዜጠይና ንዝቐረበ ሕቶ፡ ናይ ሲኖዶስ ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ድርገት ዋና ጸሓፊ ኣባ ጃኮሞ ኮስታ፥፤ እቲ ብእምነት ምኵራት ንክህነት ዝብል ኣብ ካልኦት ስርዓታት ኣምልዀ እውን ዝምልከት እዩ፡ ስለዚህ እቲ ኣማዞናዊ ሊጡርጊያ ዝብል ሓሳብ ምርዑዋት ናብ ማዕርገ ክህነት ንምድጋፍ ዝድርኽ ቅድመ ኩነት እዩ ምባል ጌጋ ምዃኑ ሓቢሮም፡ እቲ ሲኖዶስ ሓሳብ የቕርብ ኣብቲ ናይ ሲኖዶስ ናይ ፍጻሜ ሰነድ ዝቐርብ ሓሳብ እውን ብዝተፈላለዩ ናይ ቤተ ክርስቲያን መዋቕራት ተነባቢ ዝኸውን እንክብሉ ከምዝመለሱ ዝሓበሩ ዲ ቡሶሎ ኣስዒቦም፡

ኣብ ዲኖሶስ ናይ ሉተራናዊት ቤተ ክርስቲያን ልኡኽ፡ ሲኖዶስ ብሓባር ኣብ ናይ ሓባር ጉዕዞ እዩ

ኣብ ሲኖዶስ ካብ ብልኡኻን ስልጣን ዝሳተፉ ዘለዉ ናይ ሉተራናዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ብራዚል መጋቤን ናይ ከባቢ ኣባዞን ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያን ቤት ምኽሪ ኣወሃሃዲ ኒኮላው ናሺመንቶ ደ ፓቪያ፥ ሲኖዶስ ብሓባር ኣብ ናይ ሓባር ጉዕዞ እዩ፡ ስለዚህ መንፈስ ቅዱስ ንር.ሊ.ጳ.  ተጠቒሙ ዝጸወዖ ጉባኤ እዩ፡ ብመንፈስ ቅዱስ ምስ እትምራሕ ናብ ውህደት ምምጻእ ዘይተርፍ እዩ ከምዝበሉ ኣፍሊጦም።

ፒንዞን ጉይዛ (ኮሎምቢያ፡ ማራኽነት ህዱእ ኣነባብራ ደቀባት

ኣብ ኮሎምቢያ ናይ ፑአርቶ ለጉዛሞን ሶላኖን ሰበኻ ሓዋርያዊ መስተናብር ብፁዕ ኣቡነ ዦኣኪም ሁምበርቶ ፒንዞን ጒይዛ እውን፡ እቲ ሲኖዶስ ኣማዞንን ኣማዞናዊ ደቀባትን ኣብ ልቢ ቤተ ክርስቲያን ህልዋት ምዃኖም ዘረጋግጽ እዩ፡ እዚ በቶም ደቀባት ዝተስተውዓለን ዝንገርን ሓቂ እዩ። ኣብ ከባቢ ኣማዞን ዝተወለድኵ ኣይኹን ኣብ ኣማዞን ካብ ነዊሕ ዓመታት ኣትሒዘ ኣብ ምግልጋል እርከብ፡ ሓንሳብ ኣብቲ ከባቢ ምግልጋል ምስ ጀመርኵ ደቀባት ኣማዞን ልበይ ማሪዀምዎን ኣብኡ እውን እነብርን አገልግልን ኣሎዅ፡ ጽባቔ መሬትን ህዱእ ኣነባራኡን ፍልስፍናኡን ማሪኹኒ እርከብ፡ ስለዚህ እቲ ጽቡቕን ህዱእን ከባቢ ኣማዞን ካብ መጉዳእትን ዕንወትን ምድሓን ናትና ግደ እዩ እዚ ተልእዀን ኣገልግሎትን’ዚ ምስ እግዚኣብሔርን ኣሕዋትን ሓቢርና ብግብረ ሰናይ ተሰኒና ምኽዋን ይግባእ ኢሎም።

ሃይንዝ (ኣድቨኒያት፡ ኤውሮጳ ኣገባብ ሕይወቱ ክቕይር

ኣድቨኒያት ናይ ኣተሰምየ ኣብ ላቲን ኣመሪካን ካሪቢያንን ዝተፈላለዩ መደባት ግብረ ሰናይ ዘሳልጥ ናይ ጀርመን ማሕበር ግብረ ሰናይ ኣቦ መንበር ኣባል ማሕበር ልኡካነ ወንጌል ቨርቢያን ኣባ ሚገል ሃይንዝ፡ ኣብቲ ጋዜጣዊ መግለጺ ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፡ ኵለንተናዊ ምህዳር ዝብል ቃል ጠቒሶም፡ እዚ ኵለንተናዊ ምህዳር ዝብል ኣምር ብቐጥታ ምስ ናይ ምዕራብ ዓለም ኣገባብ ሕይወት ዝተተሓሓዘ እዩ፡ መላእ ዓለም ኣገባብ ሕይወት ኤውሮጳ ዝነብር እንተዝኸውን እንነብረሉ ዘሎና ዓለም ድሮ ምባደመ ነይሩ፡ ስለዚህ እቲ ሕቶ መላእ ዓለም ናይ ኤውሮጳ ኣገባብ ሕይወት ክነብር ምቱኽቷኽ ዘይኰነስ እቲ ኤውሮጳዊ ኣገባብ ሕይወት ክልወጥ ምድራኽ እዩ፡ ኵለንተናዊ ምህዳር ንምርግጋጽ ኤውሮጳ ዝኽተሎ ኣገባብ ኤኮኖምን ኣገባብ ሕይወትን ናይ ፖለቲካ ኤኮኖምን ሰብኣውነት ዘማእከለ ክኸውን ኣለዎ፥ ድሕሪ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ኣብ ላቲን ኣመሪካ እትርከብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ካብታ ኣብ ጀርመን (ኤውሮጳ) እትርከብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ብዙሕ ንቕድሚት ሰጒይማ እያ፡ ኣብ ምንባርን ምትርጓምን ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን፡ … ኣብቲ ሲኖዶስ ዝቐረቡ ምስክርነትን ኣብ ከባቢ ኣማዞን ኣብ እምነት ጽኑዓትን ሎሚ ብፅዕና ክእወጀሎም ከም ሓሳብ ክቐርቡ ዝኽእሉ ብዙሓት እያቶም፡ እዚ ናይ ቤተ ክርስቲያን ውሳኔ እዩ፡ እቲ ናይ ፍጻሜ ሰነድ ብዛዕባ እዚ ጉዳይ እዚ እውን ዝብሎ ከምዝህልዎ ርግጸይና እየ ከምዝበሉ ልኡኽ ጋዜጠይና ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ቫቲካን ረዲዮ ኣለሳንድሮ ዲ ቡሶሎ ሓቢሮም።

ሲኖዶስ፥ ግደ ኣዴታት ሲኖዶስ
26 October 2019, 17:38