ድለ

ኣማዞን፥ ገዓር ሕዝቢ ኣማዞን ደቀባት ካብዛ ሰዓት እዚኣ ናትና ኰነ

ባህላውን ምህዳራውን ሲኖዶሳውነትን ምልዋጥ ትእምንርቲ

ኣብ ቁሩብ ደቓይቕ ጸብጻብ ብምስማዐ ርእየት ናይቲ ካብ ዕለት 6 ክሳብ ዕለት 27 ጥቅምቲ 2019 ዓ.ም. ብሓልዮት ቅዱስ ኣቦና ዝተጠልበን ዝተመርሔን ዛዕባ ኣማዞን ዝመኸረ ናይ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ከባቢ ሃገራት ኣማዞን ሲኖዶስ፡ ንዓለም እቲ ገዓር ኣማዞን ደቀባት ዘረከበን፡ ናይ ባህላውን ምህዳራውን ሲኖዶሳውነትን ምልዋጥ ትእምንርቲ ዝዀነ ሓድሽ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ዘቕረበ እዩ። ቅዱስ ኣቦና ኣብ መዛዘሚ እቲ ሲኖዶስ፥ ይብሉ፥ እቲ ናይ ቤተ ክርስቲያን ተስፋ ዝዀነ ናንይ ሕዝቢ ገዓር ጽን ንምባልን ንምስማዕን ዘኽእል ጸጋ ንምሕታት ንጸልይ፡ ናይቲ ሕዝቢ ገዓር ደመናታት ዝስንጥቕ ጸሎትና ንግበሮ ከምዝበሉን ይዝከር።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣማዞን፥ ገዓር ሕዝቢ ኣማዞን ደቀባት ካብዛ ሰዓት እዚኣ ናትና ኰነ
29 October 2019, 09:04