ድለ

ናይ ውግእ ምሩኻት፥ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ምክልኻል ዓለም ለኻዊ ሕጊ ትዓዪ ናይ ውግእ ምሩኻት፥ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ምክልኻል ዓለም ለኻዊ ሕጊ ትዓዪ  

ናይ ውግእ ምሩኻት፥ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ምክልኻል ዓለም ለኻዊ ሕጊ ትዓዪ

ኣብቲ ንናይ ሓይሊ ምክልኻል ኣባይቲ ጸሎት ቆሞሳትን ናይ ወተሃደራት ኣበ ነፍሳት ዝወሃብ መደብ ሕንጸት ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝተዋጽኡ ዓበይቲ ናይ ሓይሊ ምክልኻል ኣዘዝትን ናይ ውዱብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ልኡካንን

ዕለት 29 ጥቅምቲ 2019 ዓ.ም. ሮማ ኣብ ዝርከብ ግዳመ ግዝኣት ሃገረ ቫቲካን ናይ ስነ ቤተ ክርስቲያን ኣበው መንበረ ጥበብ ኣጐስቲንያኑም ናይ ኵለንተናዊ ሰብኣዊ ምሉእ ዕብየት ኣገልግሎት ዝሓልይ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ዘዳለዎ ኣብ መላእ ዓለም ዝርከቡ ናይ ሓይሊ ምክልኻል ቁምስናታትን ተንቀሳቓሲ ኣባይቲ ጸሎትን ቆሞሳትን ኣበ ነፍሳትን ዘሳተፈ ሓምሻይ ዓውደ ሕንጸት፡ ናይቲ ቅድስቲ መንበር ላለዋይ ቤት ጽሕፈት ህየንተ ብፁዕ ካርዲናል ፐተር ቱርክሶን ብዘስምዕዎ መደረ ከምእተበገሰ ልኡኽ ጋዜጠይና ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ቫቲካን ረዲዮ ፈደሪኮ ፒያና ሓቢሮም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብቲ ንናይ ሓይሊ ምክልኻል ኣባይቲ ጸሎት ቆሞሳትን ናይ ወተሃደራት ኣበ ነፍሳት ዝወሃብ መደብ ሕንጸት ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝተዋጽኡ ዓበይቲ ናይ ሓይሊ ምክልኻል ኣዘዝትን ናይ ውዱብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ልኡካንን ይሳተፉ ከምዘለዉ ዝሓበሩ ፒያና ኣስዒቦም፡ እዚ ዝካየድ ዘሎ መደብ ሕንጸት እቲ ኣብ 1949 ዓ.ም. ዝተበጽሔ ናይ ውዱብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ናይ ጀነቭ ናይ ስምምዕ ውሳኔ ኣብ ዝዝከረሉ እዋን ምዃኑ እዩ።

ቱርክሶን፥ ናይ ሃይሊ ምክልኻል ኣባላት ቆሞሳት ናይ ምሕረት እግዚኣብሔር መሰካኽር

ነቲ ዓውደ ሕንጸት ዘረባ ብምስማዕ ዘበገሱ ናይ ኵለንተንተናዊ ሰብኣዊ ዕብየት ኣገልግሎት ሓልዮ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ህየንተ ብፁዕ ካርዲናል ቱርክሶን፥ ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢ ዓለም ኣብ ዝርከብ ወተሃደራዊ ማዕስክር ኣባይቲ ጸሎት ዘገልግሉ ናይ ሓይሊ ምክልኻል ኣባላት ቆሞሳትን ኣበ ነፍሳትን ብቃሎምን ሕይወቶምን ብናይ ቤተ ክርስቲያን ምዕዳንን ናይቲ ንማንም ዘይንጽል ናይ እግዚኣብሔር ምህረት መሰኻኽር እያቶም ከምዝበሉን፡ ንዅሎም ተጋባእያን ናይ እንቋዕ ደሓን መጻእኵም ቃሎም እውን ኣስሚዖም፡ ኣተሓሒዞም ኣብቲ ውግእን ግጭትን ኣብ ዝካየደሉ ከባቢ ዓለም ዝርከቡ ናይ ጦር ምሩኻት ካብ መንፈሳዊ ክንክን ተነጺሎም ከምዝርከቡን እቲ ዝርከብሉ ኣባይቲ ማሕቡስ ንዓመጽን ንኸቢድ ሓደጋን ዘቃልዖም ከይኑ ከምዘሎ ዘመላኽት ብዛዕባ ናይ ጦር ምሩኻት መሰልን ክብርን ብሰፊሕ ዝገልጽ ሓሳብ ኣሞርኵይዞም ከምዘብርሁ ኣፍሊጦም።

ዓቕም ብቕዓትን ዘለዎም ምስንዳው

ነቲ ሓምሻይ መደብ ሕንጸት ንኽከታተሉ ካብ 70 ሃገራት ዝተዋጽኡ 130 ልኡካን ተመዝጊቦም ይሳተፉ ከምዘለዉ ናይ ጳጳሳት ጉዳይ ዝሓልይ ቅዱስ ማሕበር ናይ ዓለም ሓቆፍ ናይ ሓይሊ ምክልኻል ጳጳሳት መንፈሳዊ ሓልዮ ጉዳይ ዝከታተል ቤት ጽሕፈት ናይ ወጻኢ ርክባት ጉዳይ ሓላፊ ኣባ ጁሊዮ ኪርኪየቲ ሓቢሮም፡ እዚ መደብ ሕንጸት’ዚ ኣብ ዝተፈላለዩ ወተሃደራዊ መዓስክርን ኣብ ወተሃደራዊ ጉዳያት ዘገልግሉ ዓቕምን ብቕዓትን ዘለዎ ሰብ ሙያ ዘሰናድው ምዃኑን ቤተ ክርስቲያን ናይ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ንምክልኻልን ንምንቕቓሕን ኣሚታ እተሰናድዎ ከምዝዀነ ምስ ቫቲካን ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ይሕብሩ።

ቅልውላው ሰብኣዊ መሰልን ክብርን

ኣብዚ እዋን’ዚ ቀደም ተራእዩ ዘይፈልጥ ቅልውላው ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ክምዘሎ ኣባ ኪርኪየቲ ኣብቲ ዓውደ ሕንጸት ኣብ ዘስምዎ መደረ ገሊጾም፡ ኣባይቲ መጻሕፍትን ኣባይቲ ማሕተምን ብዛዕባ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ብዝዛረቡን ብዝትንትኑን መጻሕፍቲ ዘዕለቕልቕ ኰይኑ ኣብ ዘለሉ እዋን፡ እቲ መሰልን ክብርን ኣብ ምኽባር ዝግበር ጻዕርን ድላይን ወሪዱ ትርእይ፡ እዚ ኸኣ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ናብ በዓል ቤታውነት ማለት ከከም ቦታኡን ስልጣናንት ከይዲ ፖለቲካን ዝትርጐም ከይኑ ከምዘሎ ዘነጽር እዩ ከምዝበሉ ፒያና ኣፍሊጦም።

ናይ ጦር ምሩኻት፡ ግህሰት ሰብኣዊ መሰልን ክብርን

ብዙሕ እዋን እቶም ውግእ ኣብ ዝካየደሉ ከብቢ ዓለም ዝርከቡ ናይ ጦር እሱራት ናይ ግህሰት ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ብቐዳምነት ግዳያት እያቶም፡ ቤተ ክርስቲያን ነዚ ብምስትዓል ናይ ጦር ምሩኻትን እሱራትን ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ኣብዚ እዋን’ዚ ንከቢድ ሓደጋ ዝተቓልዔ ምዃኑ ጭቡጥ ጸብጻብ ብምቕራብ ትሕብርን መንግስታት ዓለም ናይ ጦር እሱራት መሰልን ክብርን ክኽብሩን ብናይ ሓይሊ ምክልኻል ቆሞሳትን ኣበ ነፍሳትን ኣቢላ ጻውዒት ተቕርብ ከምዝበሉ ዝሓበሩ ፒያና ኣስዒቦም፡

ኣብቲ መደብ ሕንጸት ዘረባ ዘስምዑ ካብ ኣርጀንቲና ዝመጹ ናይታ ሃገር ናይ ሃይሊ ምክልኻል ጉዳይ ዝከታተል መደበይና ጳጳስ ብፁዕ ኣቡነ ሳንቲያጎ ኦሊቨራ ኦሊቨራ፥ ብዝተፈላለየ ገበን ተኸሲሶምን ገበነይናታት ተባሂሎም ኣብ ቤት ማሕቡስ ዝርከቡ ኣባላት ሃሓይሊ ምክልኻል፡ ቅድሚ ገበነይና ምዃኖም ተጻርዩ ፍርዲ ዝወሃቦም ገና ከይተጻረየ ንዓመታት ኣብ ቤት ማሕቡስ ክምዝዳጐኑን ኣብ ቤት ማሕቡስ እውን ንዝተፈላለየ ክሳብ ሕልፈት ዘብጽሕ ሓደጋ ዘጋጥሞም ምዃኑ ሓቢሮም፡ ናይ ጦር እሱራት መሰልን ክብርን ንኽኽበር መንግስታት ኣበርቲዖም ክዓዩ ይግባእ ከምዝበሉ፡። ኣስዒቦም ዘረባ ዘስምዑ ኣብ ቨነዝወላ ናይ ሓይሊ ምክልኻል ጉዳይ ዝከታተል መደበይና ጳጳስ ብፁዕ ኣቡነ በኒቶ ኣዳን መንደዝ ብራንካሞንተ እውን ኣብ ዘስምዖ መደረ ናይ ሃገሮም ተመክሮ ክገልጹ እንከለዉ፡ ኣብ ሃገሮም መንግስቲ ብናይ ሓይሊ ምክልኻል ጉዳይ ሚኒ. ኣቢሉ ናይ ምሩኻትን እሱራት ወተሃደራትን መሰልን ክብርን ምኽባር ኣብ ዝብል ጉዳይ ኣበርቲዑ ይዓዪ ኣሎ ከምዝበሉ ልኡኽ ጋዜጠይና ፒያና ገሊጾም፡

ናይ ሓይሊ ምክልኻል ቆሞሳት ናይታ ናብ ደጋዊ ከተማታትን ህልውናን እተብል ቤተ ክርስቲያን ወጅሂ እያቶም

ቆሞሳትን ኣበ ነፍስ ሓይሊ ምክልኻል ኣብ መላእ ዓለም ናይታ ናብ ወሰናስንን ደጋዊ ክፍለ ከተማታትን ህልውናን ናይ እተብል ቤተ ክርስትያን ወጅሂ መግለጺ እያቶም፡ ስለዚህ መጋበርያ ናይ ኣምላኽ ምሕረት ኰይኖም ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ዘሎ ኣምሳልን ኣርኣያ እግዚኣብሔር ክብ ቢሉ ክፍለጥን ሰብ በዚ ሚዛን’ዚ ክንበብን ክኽበርን ቤተ ክርስትያን ብቆሞሳት ሓይሊ ምክልኻል ኣቢላ ከምእተተሓሳስብን ፒያና ኣተሓሒዞም የዘኻኽሩ።

ናይ ውግእ ምሩኻት፥ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ምክልኻል ዓለም ለኻዊ ሕጊ ትዓዪ
31 October 2019, 18:01