ድለ

ስነ ምህዳር ኣብ ፍካሬ በነዲክቶስ መበል 16 ስነ ምህዳር ኣብ ፍካሬ በነዲክቶስ መበል 16 

ስነ ምህዳር ኣብ ፍካሬ በነዲክቶስ መበል 16

ኣብ ኪደት ታሪኽ ሰብኣዊ ፍጥረት ብዝዓትሮ እደ ጥበባዊ ምዕባለ ተፈጥሮ ብዘይ ደረት ንኽምዝምዝ ከምዝደረዀን፡ ናይ ተፈጥሮ ሃብቲ ምጥቃም ካብቲ ናይ ተፈጥሮ ዓቃብን ኣመሓዳርን ኰይኑ ካም ምፍጣሩ ኣብ ዝተወሃቦ ሓላፍነት እዩ ክጸንዕ ዘለዎ

እቲ ብቕዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዝተጸውዐ ዛዕባ ኣማዞን ዝመክር ዘሎ ሲኖዶስ ኣብ ዝካየደሉ እዋን፡ ኣብ ልዕሊ ምህዳር ኣብ ከባቢ ኣማዞን ዝፍጸም ዓመጽ ዘማእከለ ኣብ ዝተፈላለየ እዋን ኣርእስተ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ ዘመሓላለፍዎ ስልጣናዊ ትምህርቶምን ፍካሬታቶም ኣብ ናይ ቤተ ክርስቲያን ናይ ታሪኽ ማህደር ዝግቡ ምዃኑ ክሕበር እንከሎ፡ ከም ኣብነት ቅድሚ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዝነበሩ ቅዱስነቶም ልሂቅ ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ብዛዕባ ስነ ምህዳር ሰብኣዊ ፍጥረት ዓሚዩቕ ፍካሬ ዘማዕበሉ ምዃኖም ንምጥቃስ ከምዝከኣልን፡ ምክንኻን ምህዳር ንገዛእ ርእሱ ሰብኣዊ ሕይወት ምክንኻን እዩ ይብሉ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ቅድሚ እታ ይሴባሕ ዘርእስታ ዓዋዲት መልእኽቶም በነዲክቶስ መበል 16 ካብቶም ቅድሚኦም ዝነበሩ ኣርእስተ ሊቃነ ጳጳሳት ዛዕባ ስነ ምህዳር ብዕምቆት ዘስተንተኑን ዘብርሁን ብምዃኖም ክሳብ ሓምላይ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዝብል መጸውዕ ከውህቦም ከምዝገበረን፡ እዚ ሓሳብ እዚ እውን ኣብታ ንሰብብኣዊ ስነ ምህዳር ብዝብል ኣርእስቲ ኣብ 2012 ዓ.ም. ብማሪያ ሚልቪያ ሞርቺያኖ ተደሪሳን ብቤት ማሕተም ቫቲካን ተሓቲማ ንንባብ ኣብ ዝበቕዔት መጽሓፍ ተምልኪቱ ኣሎ፡

ኣብ ዘፍጥረት ሰብ ብቕዓት እግዚኣብሔር ከምዘለዎ ተስተውዕል

በነዲክቶስ መበል 16 ኣብ 2011 ዓ.ም. ኣብ ናይ ጀርመን ፈደራላዊ ሕንጻ ህዝባዊ ባይቶ ተረኺቦም ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፡ ሰብ ምስ ተፈጥሮ ኣብ ምርኻብ ግቡእን ቅኑዕን ማዕዝናቱ የለልይ፡ ንገዛእ ርእሱ እውን ፍጡር ምዃኑ የስተውዕል፡ … ብቕዓት ንእግዚኣብሔር ዘለዎ ምዃኑ ይፈልጥ፡ ሓልዮትን ጽባቔን ርህራሄን መለኮታውነት የለልይ፡ ንኣምልዀን ጸሎትን ክፉት ምዃን ባህሪኡ የስተውዕል፡ ፍቕርን ኣግራሞትን እግዚኣብሔር ንሰብኣዊ ፍጥረት ከምዝዓደሎን፡ እዚ ትዕድልቲ’ዚ ሰብኣዊ ፍጥረት ናይ ኣስተንትኖን ተመስጦን መለኵታዊ ህላዌ ጽን ዝብለሉ ስፍራ ምዃኑ ይርዳእ ዝብል ሓሳብ ከምዘስመሩሉ ይዝከር።

ካብ ምስትውዓል ስነ ምህዳር ዝነቐለ ቲዮሎጊያ

በነዲክቶስ መበል 16፥ ዘፍጥረት ጠቒሶም ኣብ ሃገሮም ጀርመን ኣብ ዘስሞዎ መደረ፡ ፖለቲካዊ ስነ ምህዳር ቲዮሎጊያዊ ባህርይ ዘለዎ ምስ ዝኸውን መሰረት ዘለዎ ይኸውን፡ በዓል መርትዖ እውን ይኸውን፡ ኣብ መንጐ ፈጣርን ሰብን ፍጥረትን ዘሎ ርክብ ኣብ ዘፍጥረት ማእከል እቲ እንኵ በርኣያን ኣምሳልን እግዚኣብሔር ኰይኑ ዝተፈጥረ ሰብ ኰይኑ ንረኽቦ፡ ማእከል እዩ ክበሃል እንኰል ወናኒ ተፈጥሮ ማለት ዘይኰነስ ኣመሓዳሪ ምዃኑ እዩ ዝንጸር፡ ተፈጥሮ ንኸነመሓድሮ እምበር ንኸነዕንዎ ዝተዓደለና ኣይኰነን፡ ኣብ ብቕድሙ ቃል ነበረ እዚ ቃል እቲ ኣብ ዘፍጥረት ዘሎ ናይ ፍጥረት ኣመክንዮ እዩ፡ ምህዳር ካብዚ ቃል ዝነቐለ እዩ ክኸውን ዘለዎ፡ …

ሰብ ናይ ዕደ ጥበብ ምሩኽ ክይኸውን የብሉን

ኣብ ኪደት ታሪኽ ሰብኣዊ ፍጥረት ብዝዓትሮ እደ ጥበባዊ ምዕባለ ተፈጥሮ ብዘይ ደረት ንኽምዝምዝ ከምዝደረዀን፡ ናይ ተፈጥሮ ሃብቲ ምጥቃም ካብቲ ናይ ተፈጥሮ ዓቃብን ኣመሓዳርን ኰይኑ ካም ምፍጣሩ ኣብ ዝተወሃቦ ሓላፍነት እዩ ክጸንዕ ዘለዎ፡ ኣብዚ ዝተወሃቦ ሓላፍነት’ዚ ዝቐውም ምስ ዝኸውን ምንባሩ ስነ ምህዳራዊ ይኸውን፡ … ኣብ ልዕሊ ዘፍጥረት ዝፍጸም ቀጥዒ ኣልቦ ምዝመዛ ብዝለዓለ ደረጃ ድኻታት ክፍሊ ሕብረተሰብ እዩ ዝጐድእ፡ ስለምንታይ ካብ ተጠቃሚ ናይ ተፈጥሮ ጸጋ ስለ ዝንጸልን፡ … ሰብ ናይ ዕደ ጥበብ ጊላ ክኸውን የብሉን፡ …

ሰብን ፍጥረትን ተማራዀስቲ እያቶም … በዚ መሰረት’ዚ ነቲ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግምዊ ሰብኣዊ ምህዳር ዝብል ኣምር ብበነዲክቶስ መበል 16 ኵለንተናዊ ምህዳር ብዝብል ኣገላልጻ ምሉእ ይገብርዎ፡ …

ሰላም እትደልይ እንተድኣ ኴይንካ ዘፍጥረት ኣልምዕ

ተፈጥሮ ከተልምዕ እትደልይ እንተድኣ ኴይንካ ከተልምዖ እዩ ዝግብኣካ፡ እዚ ሓሳብ’ዚ በነዲክቶስ መበል 16 ኣብታ ፍቕሪ ብሓቂ ዘርእስታ ዓዋዲት መልእኽቶም ኣቃሊሖም፡ ኣብ 2010 ዓ.ም. ዘመሓላለፍዎ ናይ ሰላም መልእኽቲ፡ ማእከል ገይሮም፡ ሰላም ምስ ገዛእ ርእስኻን ሰላም ምስ ተፈጥሮን ንኵላዊ ሰላም መሰረት ምዃኑ የብርሁ፡ …

ስነ ምህድራዊ ቅልውላው ግብር ገባዊ ቅልውላው እዩ

በነዲክቶስ መበል 16 ይብሉ፡ ንዅሉ ውሑስ ዝዀነ መጻኢ ንምሕናጽ እቶም መሰረታዊ ዝዀኑ ግብረ ገባዊ ዕሴታት ምልላይ የድሊ፡ ኤኮኖሚያዊ ይኹን ምህዳራውን መግባውን ማሕበራውን ሰብኣውን ቅልውላው ካብ ግብረ ገባዊ ቅልውላው እዩ ዝነቕል፡ ብቁጥብነትን ብተሓባበርነትን ምንባር ኣብ ሰብኣዊ ምንበር መምርሒ እዩ ክኸውን ዘለዎ፡ ካብ ኢጐነትን ንኣይነትን ስስዔን ዘናግፍ እዩ፡ … እቲ ኣብ ዓለም ዝረአይ ዘሎ ኵለ መዳያዊ ቅልውላው ንሓድሽ ልልያን ንሓድሽ ውጥናትን ዝድርኽ ምስ ዝኸውን እወታዊ ይኽወን፡ … ግብረ ገባዊ ሓላፍነት ምንባር።

ውልቃዊ ሓላፍነትን ኣገባብ ሕይወትን

በነዲክቶስ መበል 16 እተን ብኢንዳስትሪ ዝማዕበላ ሃገራት ኣብ ቅልውላው ምህዳር ዓቢይ ሓላፍነት ከምዘለወን ገሊጾም፡ ይኹን ደኣ እምበር እዚ ሓቂ እዚ ናይ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ሓላፍነት ዝዝንግዕ ኣይኰነን፡ ነፍሲ ወከፍ ሰብኣዊ ፍጥረት ውልቃዊ ሓላፍነቱን ኣገባብ ሕይወቱን ክምርምር ኣለዎ፡ ስለዚ ካብ ኣህላኽነት ናብ ቅጡብነት ክሰጋገርን፡ ናጻ ካብ ምብኻንን ስስዔን ክኸውን ከምዘለዎ ኣተሓሳሲቦም፡ እቲ ብእግዚኣብሔር ንዅሉ ሰብኣዊ ፍጥረት ዝተፈጥሩ ጸጋታት ብግቡእ ምጥቃም፡ ምክልኻል ሰብኣዊ ፍጥረት ካብ ርእሰ ዕንወት እዩ ዘድሕን፡ …

ዓውሎማዊ ምትሕብባር

በነዲክቶስ መበል 16 እቲ ቀዳማይ መፍትሒ ነቲ ኣብ ዓለም ዝርአይ ኵለ መደያዊ ቅልውላው ካብቲ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ሓድሽ ዓይነት ምትሕብባር እንክብሉ ካብ ዝገለጽዎ ኣምር ተበጊሶም ዓውሎማዊ ምትሕብባር ብዝብል ኣምር ኣስፊሖም ዝገለጽዎ ሓሳብ፡ ንገዛእ ርእሱ ነታ ናይ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስክ ይሴባሕ ዘርእስታ ዓዋዲት መልእኽቲ መፍትሓዊ ቃል ከምዝኸነ ይንገር።

ስነ ምህዳር ኣብ ፍካሬ በነዲክቶስ መበል 16
22 October 2019, 17:20