ድለ

ጋላንቲኖ፡ ሃገረ ቫቲካን ወጻኢታቱ ብዘይሽፍን ነቓዕ ኤኮኖሚ ኣይተጠቕዐን ጋላንቲኖ፡ ሃገረ ቫቲካን ወጻኢታቱ ብዘይሽፍን ነቓዕ ኤኮኖሚ ኣይተጠቕዐን  

ጋላንቲኖ፡ ሃገረ ቫቲካን ወጻኢታቱ ብዘይሽፍን ነቓዕ ኤኮኖሚ ኣይተጠቕዐን

ኣብ 2018 ዓ.ም. ናይ ቅድስቲ መንበር ቤት ጽሕፈት ምሕደራ ርስቲ ውዳኔ ኤኮኖሚ፡ ብ22 ሚሊዮን ኤውሮ ረባሕነት ከምዝዓጸወን

ናይ ቅድስቲ መንበር ቤት ጽሕፈት ምሕደራ ርስቲ ኣቦ መንበር ብፁዕ ኣቡነ ጋላንቲኖ፡ ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ኢጣሊያ ሃገረ ቫቲካን ወጻኢታቱ ናብ ዘይሽፍነሉ ኤኮኖሚያዊ ፍሽለት የብል ኣሎ ዝብል ዝንዛሕ ዘሎ ናይ ሓሶት ሓበሬታ መሰረት ገይሮም ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ፥

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ሃገረ ቫቲካን ብምንቃዐ ኤኮኖሚ ዘይኰነ ዝተጠቕዔ ኣብ ወጻኢታቱ ዳግመ ምርመራ እዩ ዘካይዶ ዘሎ ነዚ ዝበሉ ናይ ቅድስቲ መንበር ቤት ጽሕፈት ምሕደራ ርስቲ ኣቦ መንበር ብፁዕ ኣቡነ ኑንዚዮ ጋላንቲኖ ምስቲ ኣቨኒረ እተሰምየ ናይ ኢጣሊያ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ዕለታዊ ጋዜጣ ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ክኸውን እንከሎ፡ ኣብ ቀረባ እዋን ንንባብ ክበቕዕ እዩ ዝበሃል ዘሎ ሓደጋ ምንቃዕ ኤኮኖሚ ኣብ ቫቲካን ኣብ ዝሓጸረ እዋን ክውን ክኸውን  ዝብል ጋዜጣዊ መጽሓፍ፡ ዘይእመን ኢምኽንያታዊ እዩ ቢሎም፡ እቲ ኣብ ቅድስቲ መንበር ዘሎ ከይዲ ኤኰኖሚ ልክዕ ኣብ ሓንቲ ስድራ ድዩ ኣብ መላእ ዓለም ከም ዘለዋ ሃገራት ኵለን ወጻኢታታ ዳግም ትምርምር እያ ዘላ፡ እዚ ኸኣ ኣታውን ወጻእን ንምትኽኻል ዝብል እዩ፡ እዚ ኣብ ኣሰራርሓ ኤኮኖምን ቁጠባን ዝንበር ምዃኑ ኣዘኻኺሮም፡ ናይ ቅድስቲ መንበር ቤት ጽሕፈት ምሕደራ ርስቲ፡ ብዘይ ሕግን ብዝምድናዊ ኣሰራርሓን ምኽንያት ኣሉታዊ ወጽኢት ይህብ ኣሎ ዝብል ሓበሬታ ሓቅነት ዘይብሉ ምዃኑ ብጭብጥታት ኣደጊፎም መርትዖታት የቕርቡ።

ኣብ 2018 ዓ.ም. ናይ ቅድስቲ መንበር ቤት ጽሕፈት ምሕደራ ርስቲ ውዳኔ ኤኮኖሚ፡ ብ22 ሚሊዮን ኤውሮ ረባሕነት ከምዝዓጸወን እቲ ዝበሃል ኣሉታዊ ወጻኢ ክረአይ ገይርዎ ዝነበረ ሓደ ካቶሊካዊ  ቤት ሕክምና ኣብ ዘቕርቦ ኣገልግሎት ከይሰናኸልን ነቲ ናይቲ ቤት ህክምና ሰራሕተይናታትን ሰብ ሙያ ክንክን ጥዕናን ሓኻይምን ንስእነት ስራሕ ከይቃልዑ ዝተወስደ ስጉምት እዩ፡ ስለዚህ ካብዚ ተበጊስካ ናይ ቅድስቲ መንበር ኤኮኖሚ ንሓደጋ ምንቃዕ ተቓሊዑ ምባል ዓቢይ ጌጋን ሓልፍነት ምጉዳልን እዩ ኢሎም።

ኣተሓሒዞም እውን ናይ ቅድስቲ መንበር ቤት ጽሕፈት ምሕደራ ርስቲ ምስቲ ዘለዎ ናይ ኤኮኖሚ ሃብቲ ማዕረ ማዕረ ካልእ ጸብጻብ ኤኮኖሚ ኣለዎ ዝብል ዝንዛሕ ዘሎ ሓበሬታ ኣልቦ ሓቅነት እዩ ቢሎም፡ እቲ ቤት ጽሕፈት ይኹን ካልእ ኣባይቲ ጽሕፈት ቅድስቲ መንበር እውን ይኹን ሕቡእ ሃብቲ ገንዘብ ይኹን ጸብጻብ ሓበሬታ ከምዘይብለንን ከረጋግጽ እፈቱ ምስ በሉ፡ ቅድስቲ መንበር ናይ ወጻኢ ዕዳ ይኹን ዘኽፈሎ ቀረጽ እውን የብሉን፡ እቶቱ ካብ ምእመናንን ንናይ ቅዱስ ጴጥሮስ መሳለጢ ኣገልግሎት ዝወሃብ ምጽዋትን እዩ፡ ንሰራሕተይናታታ ግቡእ ወርሓዊ ደሞዝ ይኸፍል ንናይ ብዙሓት ድኻታት መሰረታዊ ሓገዝ የቕርብ፡ ስለዚህ እቲ ወጻኢታቱ ዳግመ ምርመራ ዝብል ኣሰራርሓ  ሃብቲ ገንዘብ ከይባኽንን ኣብ ግቡእ መዓላ ክውዕልን ወጻኢታቱ ኣመክኖዮኣዊ ንምግባር ካብ ዝብል ሓሳብ ዝተበገሰ እምበር ምንቃዕ ኤኮኖሚ ከጋጥማ ስለ ዝዀነ ካብ ዝብል ኣይኰነን።

ናይ ቅድስቲ መንበር ቤት ጽሕፈት ምሕደራ ርስቲ ኣብ ሮማን ኣብ ከባቢ ሮማ ኣብ ዝርከብ ከተማ ካስተል ጋንዶልፎ ብጠቕላላ 2,400 ኣባይቲ ከምዘለዎን፡ ሽዱሽተ ሚእቲ ከኣ ንኣባይቲ ጽሕፈትን ንመሸጣ ኣባይትን ዝጥቀመሉን፡ 60 ሚእታዊ ካብቲ ዘለዎ ኣባይቲ ንሰራሕተይናታቱ ዘካረዮ ምዃኑ ኣረጋጊጾም ዝሃብዎ ቃለ መሕትት ኣጠቓሊሎም።

ሃገረ ቫቲካን ወጻኢታቱ ብዘይሽፍን ነቓዕ ኤኮኖሚ ኣይተጠቕዐን
22 October 2019, 17:14