ድለ

ግረክ ናይ ብፁዓን ጳጳሳት ሲኖዶስ ዋና ጸሓፊ ንዝነበሩ ባልዲሰሪ ተኸታሊ ንኽዀኑ ተሰምዮም ግረክ ናይ ብፁዓን ጳጳሳት ሲኖዶስ ዋና ጸሓፊ ንዝነበሩ ባልዲሰሪ ተኸታሊ ንኽዀኑ ተሰምዮም 

ግረክ ናይ ብፁዓን ጳጳሳት ሲኖዶስ ዋና ጸሓፊ ንዝነበሩ ባልዲሰሪ ተኸታሊ ንኽዀኑ ተሰምዮም

ብፁዕ ካርዲናል ባልዲሰሪ ከምዝሓበርዎ ኣብ 2020 ዓ.ም. ወርሒ መስከረም 80 ዓመት ዕድመኦም ከብዕሉ ምዃኖም ክፍለጥ እንከሎ፡ ብሕገ ቀኖና መሰረት ናብ ልሂቅነት ንኽሰጋገሩ ንርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዘቕረብዎ ሕቶ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ማልታ ናይ ጎዞ ሰበኻ ጳጳስ ብፁዕ ኣቡነ ግረክ ናይ ብፁዓን ጳጳሳት ሲኖዶስ ዋና ጸሓፊ ንዝዀኑ ብፁዕ ካርዲናል ባልዲሰሪ ንኽትክኡ ከምዝሰመይዎም ዕለት 2 ጥቅምቲ 2019 ዓ.ም. ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ሓቢሩ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ብፁዕ ኣቡነ ማሪዮ ግረክ ኣብ ማልታ ናይ ሰበኽ ጎዞ ጳጳስ፡ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊጳ. ፍራንቸስኮ ክሳብ ናይ መወዳእታ ዛዕባ ኣማዞን ዝመክር ናይ ብፁዓን ጳጳሳት ሲኖዶስ ኣብ ጐድኒ ናይ ብፁዓን ጳጳሳት ሲኖዶስ ጠቕላሊ ዋና ጸሓፊ ብፁዕ ካርዲናል ሎረንዞ ባልዲሰሪ ኰይኖም ክገልግሉን፡ ድሕሪ እቲ ምዝዛም ሲኖዶስ ምሉእ ናይ ብፁዓን ጳጳሳት ሲኖዶስ ጠቕላሊ ዋና ጸሓፊ ኰይኖም ንኸገልግሉ ከምዝሰመይዎም ዕለት 2 መስከረም 2019 ዓ.ም. ብፁዕ ካርዲናል ባልዲሰሪ ካብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለጺ ክፍለጥ ተኻኢሉ።

ብፁዕ ካርዲናል ባልዲሰሪ ከምዝሓበርዎ ኣብ 2020 ዓ.ም. ወርሒ መስከረም 80 ዓመት ዕድመኦም ከብዕሉ ምዃኖም ክፍለጥ እንከሎ፡ ብሕገ ቀኖና መሰረት ናብ ልሂቅነት ንኽሰጋገሩ ንርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዘቕረብዎ ሕቶ ቅቡል ኰይኑ ክሳብ እቲ ዛዕባ ኣማዞን ዝመክር ናይ ብፁዓን ጳጳሳት ሲኖዶስ ብፁዕ ኣቡነ ግረክ ኣብ ጐድኖም ከይኖ ክገልግሉ ከምዝዀኑን ኣቡነ ግረክ ኣብቲ ዕለት 6 ጥቅምቲ 2019 ዓ.ም. ዝብገስ ሲኖዶስ ክሳተፉ እውን ምዃኖም ይገልጹ።

ብፁዕ ኣቡነ ግረክ ኣብ 1957 ዓ.ም. ኣብ ቃላ ዘተወልዱን፡ ኣብ 2005 ዓ.ም. በነዲክቶስ መበል 16 ናይ ጎዞ ጳጳስ ቢሎም ከምዝሰመይዎምን ዝሓበረ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣስዒቡ፡ ብዛዕባ ጸኣት ስደተይንታትን ተመዛበልትን ዝጣበቑን፡ ጸኣት ስደተይናታት ዝተሓላለኽ ሰብኣዊ ክስተት እውን እንተዀነ፡ ዓለም ኣብ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ምኽባር ክይደክምን ሕይወት ሰብ ኣብ ምድሓን ክዓይን ንስደተይናታትን ተመዛበልትን በራትካ ምዕጻው ዘይኰነ ማሕበረሰብ ዓለም ነቲ ማሕበራውን ሰብኣውን ክስተት ዝመዓራረይ መፍትሒ ኣብ ምንዳይ ክተግህ ይግብኦ እንክብሉ ወርሒ ጥሪ 2019 ዓ.ም. ምስ ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ቫቲካን ረዲዮ ኣካይዶምዎ ኣብ ዝነበረ ቃለ መሕትት ገሊጾም ከምዝነበሩ የዘኻኽር።ù

ግረክ ናይ ብፁዓን ጳጳሳት ሲኖዶስ ዋና ጸሓፊ ንዝነበሩ ባልዲሰሪ ተኸታሊ ንኽዀኑ ተሰምዮም
02 October 2019, 17:15