ድለ

ቅድስቲ መንበርን ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን፥ ዓውደ ጉባኤ ዛዕባ ናይ ሃይማኖት ናጽነት ቅድስቲ መንበርን ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን፥ ዓውደ ጉባኤ ዛዕባ ናይ ሃይማኖት ናጽነት 

ቅድስቲ መንበርን ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን፥ ዓውደ ጉባኤ ዛዕባ ናይ ሃይማኖት ናጽነት

እቲ ኣብ መንጐ ቅድስቲ መንበርን ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን ዘሎ ምትሕብባር፡ ዕላማኡ ምክብባርን ምቅብባልን ማንም ዘይንጽልን ናይ ሰብኣዊ ክብርን መሰልን ናይ ነፍሲ ወከፍ ሰብ መሰልን ክብርን ውሑስ ዝዀነ ሕብረተሰብ ምሕናጽ ዝብል

ሰብኣዊ ክብሪ ውሑስ ንምግባር ዝድግፍ መገዲ፡ መሰረተን ኣብ ሃይማኖት ምስ ዝገበራ ውድባት ምትሕብባር ብዝብል ኣርእስቲ ቅድስቲ መንበርን ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን ብሓባር ዘሰናደወዎኦ ብዛዕባ ናይ ሃይማኖት ናጽነት ዝመክር ዓውደ ጉባኤ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ኣብ ናይ ሲኖዶስ ናይ ጉባኤ ኣድራሽ ከምእተኻየደን፡ ኣብቲ ዓውደ ጉባኤ ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ ወጻኢ ርክባት ጉዳይ ዋና ጸሓፊ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ኣቡነ ፓውል ሪቻርድ ጋላገርን ናይ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ናይ ወጻእ ጉዳያት ዋና ጸሓፊ ሚካኤል ፖመፐኦን ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ብፁዕ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን መደረ ከምዘስምዑ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብ ዓለም ናይ ሰብኣዊ ክብርን መሰልን ናይ ሃይማኖት ናጽነትን ንምንቕቓሕ ኣብ መንጐ ቅድስቲ መንበርን ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን ዘሎ ጽኑዕን መሰረታዊ ምትሕብባር ዝተመስከረሉ ዓውደ ጉባኤ ምዃኑ ክፍለጥ እንከሎ፡ ኣብ ዓለም 250 ሚሊዮን ዜጋታት ብእምነቶም ምኽንያት ዝሳደዱን ኣደዳ ንግድ ሰብ ከምዝዀኑን ይንገር።

ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ ወጻኢ ርክባት ጉዳይ ዋና ጸሓፍ ብፁዕ ኣቡነ ጋላገረ ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፡ እቲ ኣብ መንጐ ቅድስቲ መንበርን ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን ዘሎ ምትሕብባር፡ ዕላማኡ ምክብባርን ምቅብባልን ማንም ዘይንጽልን ናይ ሰብኣዊ ክብርን መሰልን ናይ ነፍሲ ወከፍ ሰብ መሰልን ክብርን ውሑስ ዝዀነ ሕብረተሰብ ምሕናጽ ዝብል ምዃኑ ኣዘኻኺሮም፡ እቲ ኣብ ኣቡ ዳቢ ብር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮን ናይ ምስሪ ናይ ኣል ኣዝሓር መንበረ ጥበብ ዓቢይ መምህር ኣል ጣይብ ተኸቲሙ ወግዓዊ ዝዀነ ሰብኣዊ ሕይውነት ዘርእስቱ ሰነድ ከም ኣብነት ጠቒሶም፡ ሃይማኖት መጋብርያ ዓመጽን ውግእን ኣሳዶን ክኸውን ከምዘይክእል ዘብርህ ሰፊሕ ሓሳብ ከምዘቕረቡን ወንጌላዊ ሃሴት ዘርእስቱ ናይ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ሓዋርያዊ ምዕዳን ፍቕዲ 255ን 257 ተወኪሶም፡ ብዙሓነት ሕድ ሕዳዊ ምክብርባርን ናይ ሰብኣዊ ክብርን መሰልን ንምክልኻል ንዝብል ናይ ሓባር ጻዕሪ ዘነቓቕሕ ክኸውን ኣለዎ ከምዝበሉ  ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

ናይ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ናይ ወጻኢ ጉዳያት ዋና ጸሓፊ ሚካኤል ፖምፐኦ  እውን ብወገኖም ናይ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ምክልኻል ሎሚ ካብቲ ካብ ዝሓለፈ ናይ ዝሑል ውግእ እዋን እዚዩ ኣገዳሲ እዩ፡ እዚ ኸኣ ኣብዚ እዋን’ዚ ናይ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ንሓደጋ ዘቓልዑ ኩነታት ኣዚዩ ዝተበራኸተን ዝተሓላለኸውን ብምዃኑ እዩ እንክብሉ ኣብሪሆም፡ ኣብ ልዕሊ ሃይማኖት ዝፍጸም ኣሳዶ፡ ምልካውያን ስርዓት ካብቲ ናይ ገዛእ ርእሶም መላኺ ስልጣን ንላዕሊ ካልእ ሓይሊ ክህሉ ዘይፈቕዱ ካብ ምዃኖም ዝነቅል እዩ ምስ በሉ …. ሰብኣዊ ክብርን ናይ ሃይማኖት ናጽነትን ሰገር ዕለታዊ ፖለቲካ እዩ ከምዝበሉ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ሓቢሩ።

ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ብፁዕ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን፥  ኣብቲ ዓውደ ጉባኤ ናይ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት መራሕትን ናይ ካቶሊካዊ ምንቅስቓስ ቅዱስ ኤጂዲዮን ንእትሳቐይ ቤተ ክርስቲያን ሓላይ ማሕበርን ኣድያን ናይ እተሰምየ ሊባኖሳዊ ሓልዮ ብዙሓነትን ምትሕብባርን ሰብኣዊ ክብርን እተሰምየ ማሕበርን ኣቭሲ ናይ እተሰምየ ተቐባልነት ዘለዎ መደብ ልምዓት ሓላይ ማሕበርን ናይ ካሪታስ ኢንተርናዚዮናሊስን ናይ ታሊታ ኩም ማሕበራት ልኡካን ተጋባእያን ዘኪሮም፡ ኣብ ዓለም ሰብኣዊ ክብርን ናይ ሃይማኖት ናጽነት ንኽኽበርን ፍትሕን ሰላም ኣብ ምንቕቓሕን ድኽነት ንምውጋእን ተቐባልነት ዘለዎ መደብ ልምዓት ንምኽዋን ስለ ዘበርክትዎ ጭቡጥ ኣስተዋጽኦ ኣመስጊኖም፥ ኣብ ዓለም ዝፍጸም ጸረ ናይ ሃይማኖት ናጽነት ምንቅስቃስን ዓመጽን ንመላእ ዓለም ዓቢይ ብድሆ እዩ ቢሎም፡ ናይ ሕልና ናጽነት ምግሃስ ናብ ናይ ሃይማኖት ናጽነት ግህሰት ዘሰንይ ቀዳማይ ጽፍሒ እዩ ዝብል ናይ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ሓሳብ ጠቒሶም፡ ብድሆታትና ማእለያ የብሉን ኣብ እምነት ጸኒዕናን ብሕርኵት ጻዕሪ ንምስናፎም ምዕያይ ኣገዳሲ እዩ፡ እግዚኣብሔር ምስና ምዃኑ ተኣሚንና ንምክንኻን ናይ ሰብኣዊ ክብርን መሰልን እነካይዶ ጻዕሪ ቀጻልን ጽኑዕን ክኸውን ኣለዎ ከምዝበሉ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

ቅድስቲ መንበርን ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን፥ ዓውደ ጉባኤ ዛዕባ ናይ ሃይማኖት ናጽነት
04 October 2019, 18:18