ድለ

ካርዲናል ኤርዶ፥ ቤተ ክርስቲያን ንዕርቅን ሰላምን ትዓዪ ካርዲናል ኤርዶ፥ ቤተ ክርስቲያን ንዕርቅን ሰላምን ትዓዪ 

ካርዲናል ኤርዶ፥ ቤተ ክርስቲያን ንዕርቅን ሰላምን ትዓዪ

ሃገራት ማእከላይ ከባቢ ኤውሮጳ ብሔራዊ ምስሕሓብን ውጥረትን ኢፍትሓውነትን ብዙሕ ዘሕዝን ፍጻሜታትን ዘጋጠሞ ብምዃኑ ቤተ ክርስቲያን ኣብቲ ከባቢ ኣብ ዕርቅን ሰላምን ኣሕዛብ ንኽትዓዪ ዝተጸውዔት ምዃና ብዕምቆት ኣለልያ

“ኤኮኖሚያዊን ማሕበራውን መንፈሳውን ኵነት ኣብ ሃገራት ምእከላይ ኤውሮጳ ብመንጽር ናይ ቤተ ክርስትያን ማሕበረሰብኣዊ ጠመቕ ትምህርቲ” ብዝብል ኣርእስቲ ማሕበር ጆሰፍ ራትዚንገር - በነዲክቶስ መበል 16 ኣብ ሃንጋርይ ብፁዕ ካርዲናል ፓዝማንይ ፐተር ምስ እተሰምየ ካቶሊካዊ መንበረ ጥበብ ብምትሕብባር ኣብ ዘዳለዎ ዓውደ መጽናዕቲ መዕጸዊ ኣብ ሃንጋሪ ናይ ቡዳፐስት ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ካርዲናል ፐተር ኤርዶ ዘረባ ከምዘስምዑን፡ እቲ ናይ ክልተ መዓልቲ ታሽዓይ ዓውደ ጉባኤ ኣብ ዝኽሪ መበል 30 ዓመት ምፍራስ መንደቕ በርሊን ዝተኻየደ ኰይኑ፡ ድሕሪ ምፍራስ ናይ በርሊን መንደቕ ኣብ ሃገራት ማእከላይ ኤውሮጳ ዝተበጽሔን ክብጽሓ ዝሕሰቡ ለውጥታትን ዘስዓቦ ምቅይያራትን ዝዳህሰሰ ከምዝነበረ ልእኽቲ ጋዜጠይና ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ቫቲካን ረዲዮ በነደታ ካፐሊ ሓቢረን።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ድሕሪ ምውዳቕ ናይ በርሊን መንደቕ ትምሳለ ኪደት ቤተ ክርስቲያን፥ ብሓጺሩ ድሕሪ ውድቀት ህልዩ ዴስነት ክሳብ ሎሚ ኣብ ዝብል ኣርእስቲ ኣሞርኵይዞም ብፁዕ ካርዲናል ኤርዶ፡ እዚ ለውጢ’ዚ ኣብ ከባቢ ማእከላይ ኤውሮጳ፡ ምስፋሕ ናይ ገበን ጉጅለታትን ምዝውዋር ዕጸ ፋርስን ምትእትታው ዓለም ሓቆፍ ናይ ገበን ጉጅለታትን፡ ኣብ ኤኮኖምን ሕብረተሰብን ዝፈጠሮ ብዙሕ ለውጥን፡ ክህልው ቢልካ ዘይትሓስቦ ምስፋሕ ሕገ ወጥ ንግድ ናይ ሰብነት ውሽጣዊ ኣካልን ንግድ ሰብን፡ ካብቲ ውልቀ ሰብኣውነት ዘብረሰ ናብቲ ሰብኣውነት ኵሉ ዝሓኽኽ ኩነት ምስግጋር ዝተገብረሉ እዋን እዩ ዝመስል ከምዝበሉ ዝሓበራ ካፐሊ ኣስዒበን፡

ናጽነት ቤተ ክርስቲያን

ብርግጽ ቤተ ክርስቲያን ናጽነታ ብዝለዓለ ኣርካን ክትነብሮ ዘኽኣላ ኵነት እውን እንተነበረ ናይ ሃይማኖት ናጽነት እውን ሕጋዊ ኰይኑን እዚ ኸኣ ቤተ ክስቲያንን ልኡካንን ኣገልግሎቶም ንኸቕርቡ ፍቓድ ካብ ምሕታት ናጻ ዝገበረ ኰይኑ፡ ኣቢያተ ትምህርትን ኣገልግሎት ሕክምናን ኣገልግሎት ተቕዋማትን መእለዪ ኣረጋውያንን ካልኦት ማሕበራዊ ጥቕሚ ንዝህቡ ናይ ኣገልግሎት ማእከላትን ቅዋሜ ዕድል ዝሃበን ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ኣብ 1991 ዓ.ም. ኣብ ሃንጋሪ ሓዋርያዊ መገሻ ኣካይዶም ሰበኻዊ ሲኖዶስ ክበዓል ከምዘመላኸቱን እዚ ከኣ ኣብ መንጐ ጳጳሳትን ካህናትን ምእመናንን ምትእስሳርን ውህደትን ዳግም ንኽረጋገጽን ተሳትፎ ልኡካነ ወንጌልን ገዳማውያንን ግብእ ግምት ንኽወሃቦ ብዝብል ዕላማ ዘተሓሳሰብዎ ሲኖዶስ እውን ከም ዝነበረ ዘኪሮም፡ ብሓጺሩ ታሪክ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያንን ካልኦት ሃይማኖታትን ኣብ እዋን ስርዓት ዴስነትን ድህረ ዴስነትን ብሰፊሕ ከምዘብርሁ ኣፍሊጠን።

ናይ ሰላም ጸዋዕታ

ሃገራት ማእከላይ ከባቢ ኤውሮጳ ብሔራዊ ምስሕሓብን ውጥረትን ኢፍትሓውነትን ብዙሕ ዘሕዝን ፍጻሜታትን ዘጋጠሞ ብምዃኑ ቤተ ክርስቲያን ኣብቲ ከባቢ ኣብ ዕርቅን ሰላምን ኣሕዛብ ንኽትዓዪ ዝተጸውዔት ምዃና ብዕምቆት ኣለልያ፡ በዚ መንፈስ’ዚ ምስ ካልኦት ሃይማኖታትን ኣቢያተ ክርስትያንን ብምትሕብባር ጸረ ሴማውን ኣድልዎ ብዓሌትን ብምቛም ክዓያን ካብ ስርዓት ዴስነት ናብ ስርዓት ርእሰ ማልነት ሰላማዊ ምስግጋር ክህሉ ቤተ ክርስቲያን ዓቢይ ኣስተዋጽኦ ዘበርከትት ምዃንናን ብፍላይ ዕርቅን ሰላምን ማዕርነትን ሰብኣውነት ዘማእከለ ፖለቲካን ኤኮኖምን ማሕበራውነትን ክህሉ ዕርቅን ሰላምን ብምንቕቓሕ ዓቢይ ኣገልግሎት ከምዘበርከተትን ተበርክት እውን ከምዘላ ሓቢሮም ዝበላ ካፐሊ ኣስዒበን፥

ዘራኽብ ድልድል ኣክንዲ ዝፈላልይ መንደቕ

ኣብቲ ዓውደ ጉባኤ መደረ ዘስምዑ ናይ ማሕበር ጆሰፍ ራትዚንገር - በነዲክቶስ መበል 16 ኣቦ መንበር ኣባ ፈደሪኮ ሎምባርዲ፥ እቲ ብዘይ ምፍሳስ ደም ዝወደቐ ናይ ነበር ቸኮዝላቫኪያን ብዘይ ምፍሳስ ደም ዝዓነወ መንደቕ በርሊንን ተመሳሳልነቱን ኣብዚ መዳይ ኣርእስተ ሊቃነ ጳጳሳት፥ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ኤውሮጳ ብኽልተ ሳንቡእ እተተንፍስ እያ ቢሎም ምዕራብን ምብራቕን ኤውሮጳ ተማራዃስነቶም መሰረታዊ ምዃኑ ክመለኽቱ እንከለዉ፡ በነዲክቶስ መበል 16 እውን ናይ በርሊን ፈላላይ መንደቕ ጀርመን ንኽልተ ካብ ምምቃል ሓሊፉ እዚ ምግምማዕ እዚ ሰገር ጀርመን ኰይኑ ኣብ ካልኦት ሃገራትን ክፍለ ዓለምን ጽልዋ ዝነበሮን ኣብ ምውዳቑ ንዅሉ ጽልዋታቱ ሒዙ ከምዝፈረሰ ዝትንትን ትምህርቶምን ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዝሓለፈ ታሪኽ ኣብነት ገይሮም ህልው ኩነታት ናብ ሰላም ንኸብል ዘራኽብ ድልድል እምበር ዝፈላልይ መንደቕ ከምዘየድሊ ዝህብዎ ኣስተምህሮ ከምዘመላኸቱ ኣፍሊጠን።

ካርዲናል ኤርዶ፥ ቤተ ክርስቲያን ንዕርቅን ሰላምን ትዓዪ
12 October 2019, 18:42