ድለ

ሩፊኒ፥ ሓበሬታዊ ተራኽቦነት እምነት እናመስከርካ ዘራእ ሰላም ምዃን ማለት እዩ ሩፊኒ፥ ሓበሬታዊ ተራኽቦነት እምነት እናመስከርካ ዘራእ ሰላም ምዃን ማለት እዩ 

ሩፊኒ፥ ሓበሬታዊ ተራኽቦነት እምነት እናመስከርካ ዘራእ ሰላም ምዃን ማለት እዩ

ራዲዮ ቫቲካን መደብ ቋንቋ ኣልባኒያ ኣብ ማሕበራዊ ስነ ምግባር ሕንጸት ዓቢይ ግደ ዘለዎን ቋንቋ ኣልባኒያ ዝዓቀበን ዘማዕበለን ኣልባኒያን መንበረ ጴጥሮስን ዘራኸበን

ናይ ኣልባኒያ ውሕስነት ናይ መራኸቢ ብዙሓን  በዓል ስልጣን ብሔራውያን ናይ ሃማይማኖት መደብራት ረዲዮ ኣማእኪሉ ካብ ዕለት 1 ጥቅምቲ ክሳብ ዕለት 3 ጥቅምቲ 2019 ዓ.ም. ኣብ ርእሰ ከተማ ቲራና ንኽመክር ኣብ ዝጠለቦ ዓውደ ጉባኤ ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ መራኸቢ ብዙሓን ጉዳይ ዝከታተል ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ህይንተ ፓውሎ ሩፊኒ ከምእተሳተፉን ምስ እዚ ተተሓሒዙ እውን ኣብቲ ዓውደ ጉባኤ ቫቲካን ረዲዮ መደብ ቋንቋ ኣልባንያ መበል 68 ዓመት ምስረታኡ የብዕል ከምዘሎ ሩፊኒ ኣብ ዘስምዕዎ ቃል ከምዘዘኻኸሩ ልእኽቲ ጋዜጠይና ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ቫቲካን ረዲዮ ጋብሪኤላ ቸራዞ ሓቢረን።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብ ኣልባኒያ ናይ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት መደብር ራዲዮ ካብ ዝወክሉ ወጻኢ ናይ ፖለቲካን ናይ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት መንፈሳውያን መራሕትን ኣብ ዘሳተፈ ዓውደ ጉባኤ ህይነተ ሩፊኒ ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፥ ሕጽር ብዝበለ ኣገባብ ታሪኽ ምስረታ ራዲዮ ቫቲካን መደብ ቋንቋ ኣልባኒያ ክሕብሩ እንከለዉ፡ ራዲዮ ቫቲካን ኣገልግሎት መደብ ቋንቋ ኣልባኒያ ኣብታ ሃገር ስርዓት ዴስነት ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ ዕለት 3 ጥቅምቲ 1951 ዓ.ም. ከምእተመስረተን፡ ኣብቲ ጽንኵር እዋን ንራዲዮ ቫቲካን ምስጋና ይዅኖ ናይ ር.ሊ.ጳጳሳትን ናይ ቅድስቲ መንበርን ሓልዮትን ፍቕርን ነቲ ዝሳቐይ ዝነበረ ሕዝቢ የብጽሕ ከምዝነበረ የዘኻኽሩ።

ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ዕለት 25 ሚያዝያ 1993 ዓ.ም. ደሓር እውን ር.ሊ.ጳ. ፍራቸስኮ ዕለት 21 መስከረም 2014 ዓ.ም. ኣብ ኣልባኒያ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ከምዘካየዱን ሕዝቢ ኣልባኒያ ብዙሕ ስቓይ ዘሕለፈን ሰማዕትነት ዝተቐበለን ሓይሊ እግዚኣብሔር ከይተፈልዮ ኣብ መንነቱን ኣናስሩን እምነቱን እሙን ከይኑ ሰናይ ገድሊ ዝተጋደለ እምነቱ ዝሓለወን እዩ እንክብሉ ከምዝገለጽዎ ቸራዞ ኣፍሊጠን።

እምነት ብምምስካር ሰላም ምዝራእ

ራዲዮ ቫቲካን መደብ ቋንቋ ኣልባኒያ ኣብ ማሕበራዊ ስነ ምግባር ሕንጸት ዓቢይ ግደ ዘለዎን ቋንቋ ኣልባኒያ ዝዓቀበን ዘማዕበለን ኣልባኒያን መንበረ ጴጥሮስን ዘራኸበን ዘዛተየን እዩ፡ ካብቲ ናይ ክርስቶስ ስፖርተይና ተባሂሉ ዝግለጽ ኣልባኒያዊ ጆርጆ ካስትሪዮታ ስቻንደርበግ ተበጊሱ ታሪኽ ሃገረ ኣልባኒያ ዘዘንተወ እዩ፡ ንናይ ኣልባኒያ ናጽነትን ምርግጋጽ ስርዓት ደሞክራስን ዓቢይ ግደ ዘለዎ ምዃኑ ሩፊኒ ገሊጾም፡ እዚ ናይ 20 ደቒቕ ፈነወ ራዲዮ ቫቲካን መደብ ቋንቋ ኣልባኒያ መዓልታዊ ኰይኑ ናይ ገዛእ ርእሱ መርበብ ሓበሬታ ዘለዎን ብራዲዮ ማሪያ እውን ዝዝርጋሕ እዩ ከምዝበሉ ዝሓበራ ቸራዞ ኣስዒበን፡ ናይ ሃይማኖት መደብር ራዲዮ ሓሳብ ዘቕርብ እምበር መጋበርያ መስድዒ ሃይማኖት ኣይኰነን፡ ዘሳትፍን ዘዛትይን ዘራኽብን እዩ፡ ካቶሊካውያንን ካልኦት ሃማኖታትን እውን ብዘተ ምስክርነት ዘቕርብሉ፡ እምነት ብምምስካር ሰላም ዝዘርእ እዩ፡ እዚ ዕላማ ናይ ሃማኖታውያን መደብር ራዲዮ እዩ ከምዝበሉ ኣፍሊጠን።

ብታሪኽ ሕይወት እምነት ምምስካር

እቲ ሎሚ መበል 68 ዓመት ምስረታኡ ዘብዕል ዘሎ ራዲዮ ቫቲካን ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና መደብ ቋንቋ ኣልባኒያ ብዝትርዀ ሕይወት ኣቢሉ እምነት ዝምስክርን ብዙሓት ኣልባንያውያን ዘአንገደን ንቓለ መሕትት ዘቕረበን፡ በዚ ኣገባብ ትረኻ ሕይወት ኣቢሉ ዘዛተየን ሓሳብ ዘለዋወጠን ዘራኸበን ኣብቲ ጽንኵር እዋን ምስ ሕዝቢ ኣልባኒያ ሓቢሩ ዝተጓዕዘን ናብቲ ሎሚ ኣልባኒያ ዝበጸሓቶ ኵለ መደያዊ ለውጥን ምዕባለን እጃሙ ዘበርከተን ዘበርክት ዘሎን እዩ ከምዝበሉ ቸራዞ ገሊጸ።

03 October 2019, 18:11