ድለ

2019.06.01 ብፁዕ ኣቡነ ዳምያን ኣብ ያኖማሚ  ዞባ ኣማዞንያ 2019.06.01 ብፁዕ ኣቡነ ዳምያን ኣብ ያኖማሚ ዞባ ኣማዞንያ  ርእሰ ዓንቀጽ

ኣማዞናዊ ወጅሂ ቤተክርስትያንን ሓደስቲ ተልእዀታትን!

ናይ ቅድስት መንበር መራኸቢ ብዙሓን ዋና ርእሰ ዓንቀጽ ኣሰናዳኢ ኣንድረያ ቶርንየሊ ንሲኖዶስ ኣማዞን ኣመልኪቶም ኣብ ዘቅረብዎ ሓተታ ‘ማዕረ ማዕረ ገዓር መሬትን ተወላዶ ኣማዞንን ኣብቲ ሰፊሕ ቦታ እቲ ተዘርጊሔን ዝርከባ ማሕበረክርስትያን ቅዱስ ቊርባንን ካልኦት ምሥጢራትን ናይ ዝደልዩ ገዓር ኣሎ’ እንክብሉ ጽምኢ ሓዋርያዊ ጒስነት ዞባ ኣማዞን ኣትኲሮ ከምዘድልዮ ገሊጾም።

ኣብዘን ቀዳሞት መዓልታት ናይ ሲኖዶስ ካብ ዝቀርባ ሓሳባት ምስቲ ብዛዕባ ተፈጥሮን ምክልኻሉን ዘሎ ሕቶ ካልእ ሕቶ እውን ይቀላቀል ኣሎ። እዚ ከኣ ናይቶም ኣብቲ ሰፊሕ ቦታ ተዘሪኦም ዘለዎ ማሕበረ ክርስትያን እዩ። ከባቢ ዓሠርተ ዝኾነ ካህናት ኣብቲ ጒስነት ናይል ልዕሊ ሓሙሽተ ሚእቲ ዝኾና ኣብቲ ብኣማኢት ኪሎሜተራት ተራሓሒቀን ዘለዋ ማሕበረክርስትያን ንክጓስዩ ላዕልን ታሕትን እንክብሉ ኣጸጋሚ ኰይኑ ወረ ኣብ ገሊኡ ከባቢ ንክትበጽሕ ሓያል ግድል ዘድልዮ እዩ።

ነዚ ጉዳይ እዚ ኣበው ሲኖዶስ ነዊሕ ዘትዮም ምስ ኣመዛዘኑ ብዘይካ ልቢ ሓደ ጓሳ ክትዛረበሉ ከምዘይከኣል ደምዲሞም። ካብ ኣተሓሳስባ ጒስነታዊ ልቢ እንተዘይነቂልካ ነዚ ገዓር እዚ ክትሰምዖን ናትካ ገቢርካ ዝግባእ ግብረ መልሲ ሂብካ ነዞም ፈቀዶኡ ተበቲኖም ዘለው ማሕበረ ክርስትያን ወላ ነቲ ኣብ ዓመት ሓደ ግዜ ወይ ክልተ ግዜ ዝውፈየሎም መሥዋዕተ ቅዳሴን ክትርድኦ የጸግም። ይዋእ እዚኦም ክርስትያን እዚኦም ኣብ ግዜ ጸገም ዘናዝዞምስ ይኹን ዘጸናንዖም ካህን ክረኽቡ ንጋዳ እዩ።

ነዚ ግድል እዚ ንምፍታሕ ኣበው ሲኖዶስ ዘቅርብዎ ኣስተንትኖን መፍትሒ ይኸውን ዝብልዎ ሓሳባትንከስ ኣብዚ ቃንዛ እዚ ዝተመሥረተ እዩ።  ሲኖዶስ ኣበው ብዛዕባ ኣማዞንከስ ነዚ ጻውዒት እዚ ፍታሕ ይኾኑ እዮም ዝበሎም መልስታት ክህብ ንጽበዮ። ነዚ ጸገም እዚ ፍታሕ ይኸውን ተባሂሉ ዝቀርብ እንተወሓደ ከም ፈተነ ናይ ስብከተወንጌል ብዙሓት ዝሸምገሉ ኣቦታት ብእምነቶምን ሕይወቶምን ኣብነታውያን ዝኾኑ ክህነት እንተዝወሃብ ዝብል ሓስብ እዩ። ኰይኑ ግን እዚ እንኮ ፍታሕ ኰይኑ ክረኤ ወይውን ከምቲ መራኸቢ ብዙሓን ዘተኲሩሉ ናይ ክትዕ ነጥቢ ኣይኰነን።

ብዘይካ እዚ ካልእ ጭቡጥ ፍታሕ ክኸውን ዝኽእል እውን ኣሎ እዚ ከኣ ነቲ ካብ ነዊሕ ግዜ ቤተክርስትያን ትህቦ ኣገልግሎት ናይ ነበርቲ ዲያቆናት ዋጋ ክወሃቦን ምሉእ ብምሉእ ክንምዝምዞን ኣሎና። ነዞም ካብ መንጎ ሕዝቢ ዝምረጹ ምርዑዋት ነበርቲ ዲያቆናት ዚኣክል ኲስኰሳን ትምህርትን እናሃብካ ኩሉ ክቅርብዎ ንዝኽእሉ ኣበርክቶ ብብቅዓትን ብንጥፈትን ከም ዝለኣኹ ምግባር እዩ። እዚ ግን ነቶም ዝተረፉ ክፍሊ ቤተክርስትያን ምዝንጋዕ ኣይኮነን። እኳ ደኣ ንካህናትን ደናግልን ገዳማውያንን ገዳማውያትን ኮታ ንኩሎም ውሉደ ክህነት ናይዚ ዞባ እዚ ቀጻሊ ኲስኰሳን ትምህርትን ክወሃብ ከምኡ እውን ንምእመናን ብሕልፊ ከኣ ንደቂ ኣንስትዮ ኣብ ኣገልግሎት ቤተክርስትያን ዝሳተፉሉ መንገዲ እውን ምንዳይ የድሊ።

እቲ ቀንዲ መሥዋዕተ ቅዱስ ቊርባን ቤተክርስትያን እተወፍዮ መሥዋዕቲ ናይቲ ማሕበራዊ ሕይወት መሥዋዕቲ ልቢ እዩ። እዚ ግን ብተሓድሶን ዳግም ምፍጣርን ናይ መንፈስ ቅዱስ ኮይኑ ብዘይ መንፈስ ቅዱስ ኣገልግሎት ካህናት ይኩን ናይቶም ንማሕበረክርስትያን ናይቲ ከባቢ ቃል ኣምላኽ ብምስባኽን ብምጒስጓስን ምንቅቃሕን ኣብ ምሥጢራት ንክሳተፉ ብፍላይ ንጥምቀትን ቃል ኪዳንን ከምኡ እውን ሥርዓተ ቀንዲል ኣጸቢቅካ ብምስንዳውን ሥርዓተ ቀብርን ካልእ ነበርቲ ዲያቆናት ክገብርዎ ዝኽእልዎ ነገርትን ብንጥፈት ምግባሩ የድሊ። ስለዚኸስ ካብ ካልእ ከይደለኻ ነቶም ተወላዶ ኣማዞንያ ዝኾኑ ባዕሎም ንባዕሎም ተዋሳእቲ ንክኾኑ ኣብ ስብከተ ወንጌልን ኣገልግሎትን ንክዋፈሩ ነባሪ ዲቚናስ ይኹን ንነፍሲ ወከፍ መንፈስ ቅዱስ ንዝዓደሎ ፍሉይ ጸጋታት ብምልላይ ንማሕበረክርስትያን ከገልግሉ ምኲስኳሶምን ምትብባዖምን የድሊ። ነዚ ንምግባር ከኣ ትርጉም ሲኖዶስ ምግንዛብ የድሊ እዚ ከኣ ሓቢርካ ንቅድሚት ምግስጋስ እዩ። ስለዝኾነ ከኣ እዚ ሲኖዶስ እዚ እውን ይግስግስ ኣሎ። ዝብል ርእሰ ዓንቀጽ ብአንድረያ ቶርንየሊ ቀሪቡ።

ብድምጺ ንምክትታል!
10 October 2019, 16:39