ድለ

2019.07.01 ካርዲናል ሀንሪ ኒውማን! 2019.07.01 ካርዲናል ሀንሪ ኒውማን! 

ሓዋርያ ሓቂ ዝኾኑ ካርዲናል ሀንሪ ኒውማን!

ኣንግሊካዊ ካህን ዝነበሩ ናብ ቤተክርስትያን ካቶሊክ ዝተጸንበሩ ንሓቂ ንምንዳይ ዝገበርዎ ብጣዕሚ ነዊሕ ጉዕዞ ቅድስናኦም ብብዙሓት ይዝከር።

አባ መኰንን አማኑኤል - ከተማ ቫቲካን

ጒዕዞ ካርዲናል ኒው ማን ‘ካብ ጽላሎትን ምሳሌታትን ናብ ሓቀኛ መንገዲ’ ተባሂሉ እንክግለጽ ነዚ ከኣ ኣብ እምኒ መቃብሩ እውን ከምዝጸሓፍ ገሩ። ገና ኣብ ሃሰሳ ሓቂ እንከሎ እዩ ብዕለት 11 ነሓሰ ኣብ በርሚንግሃም ዝዓረፉ። ንኣኡ ንሓቂ ምድላይ ከም ቀንዲ ዕላማ ሕይወት ትረኣዮ ከምዝነበረትን ኣብ መወዳእታ ነቲ ዝዓመቘ ኣብ ልቦም ኮይኑ ዘዕገርግሮም ዝነበረ ሕቶታት ኣብ ቤተክርስትያን ክርስቶስ ከምዝረኸቦ ይገልጽ።

ካብታ እንግሊዛዊት ቤተክርስትያን ናብ ሮማዊት!

ኒውማን ወዲ 25 ዓመት ጐበዝ ኮይኑ ብብልሒ ኣእምሮኡን ሃሰሳኡን ፍሉጥ ነበረ ኰይኑ ግን ኣብዚ ንጐይታ ከም ክእመን ዘለዎ ሓሳብ ዘይኮነስ ሓደ ኣካል ናብ ገዛእ ርእሱ ዝጽውዕ ኣካል ግላዊ መድሕን ኰይኑ ረኸቦ። በዚ ከኣ ኣብ ውሽጢ ክልተ ዓመት ኣንግሊካዊ ካህን ይኸውን ብርቱዕ ሰባኻይ ናይ ሕዝብን ኣብ ኦክስፎርድ መምህር መንእሰያትን ነበረ። ኰይኑ ግን ድቃስ ዘይህቦ ሕቶ ማለት ‘ብሓደ ንጉሥ ዝጀመረት ቤተክርስትያንሲ ሓቀኛ ቤተክርስትያን ክርስቶስዶ ክትከውን ትኽእል’ ዝብል ሕቶ ዕረፍቲ ከልኦ። መልሲ ናይዛ ሕቶ ሓደ ግዜ ናብ ዓዲጣልያን ክጐዓዝ እንከሎ ኣብ መንገዲ ብሕማም ተሰኒፉ ንክሓዊ ክጽሊ እንከሎ ንኩለንታናኡ ኣብ ኢድ እግዚኣብሔር የንብር ካብታ ሁመት ንደሓር ብብርሃኑ ክመርሖ እውን ናብ ኣምላኽ ይምሕጸን።

ናብ ውሑስ ማርሳ ምብጻሕ!

ብድሕሪ’ዚ ናብ ኦክስፎርድ ይምለስ ኰይኑ ካብ ኣንግሊካዊ ኣተሓሳስባ እናረሓቀ መጸ። ትምህርተ ኣበው ናይ ኩለን ኣብያተክርስትያን ከጽንዕ ይጅምር ምሳኡ ኸኣ ብዙሓት ናይ መጽናዕቲ ሰባት ብዛዕባ እቲ ቀዳማይ ክፍለዘመን ዝነበረት ቤተክርስትያን ክዘራረቡ ይጅምሩ። ብ1843 ከስ ኣብ ውሳኔ ይበጽሕ ኣብቲ ዓመት እቲ ዕለት 24 መስከረም ናይ መጨረሻ ስብከቱ ሰቢኹ ኣላብሱ ኣራጊፉ ይፋኖ። ድሕሪ ክልተ ዓመት ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ክትቅበሎ ይሓትት ትቅበሎ ነቲ ዘድሊ ትምህርቲ ንባበ መለኮት ኣብ ሮማ ምስ ኣጽነዔ ከኣ ብ1847 መዓርገ ክህነት ይቅበል። ነዚ ፍጻሜ እንክገልጽ ‘ኣብ ውሑስ ማርሳ ከም ምብጻሕ እዩ’ ይብሎ። ንኣኡ ስዒቦም ብዙሓት ሊቃውንቲ ተለጋውያንን ኣንግሊካዊት ቤተክስትያን ናብ ክትልኽና ተመሊሶም።

ናብ ሕዝቡ ይምለስ!

ብ1850 ዓምፍ ኣባ ኒውማን ናብ ሃገረ እንግሊዝ ይምለሱ። ዘጓነፎ ፈተናን ጸገምን እዚ ክትብሎ ዘይከላ ነበረ። ተደራራቢ ሥራህ ሕንጸት ዩኒቨርሲቲ ዳብሊን ምትርጓም ቅ.መጽሓፍ ናብ ቋንቋ እንግሊዝ መሪሕነት ናይ ሓንቲ መጽሔት እቶም ኣብ ሮማ ኣጸጊዖም ክህነት ከምዝቅበል ዝገበርዎ ማሕበር ቅዱስ ፊሊፖ ነሪ ንምዝካር ከኣ ኣብ ኦክስፎርድ ጉጅለ ጸሎት ብስሙ ይምስርት።

ብ1879 ር.ሊ.ጳ ልዮን መበል 13 ካርዲናል ይገብርዎም እታ ብንኡሶም ዝጀመርዋ ሃሰሳ ሓቂ ከኣ ክሳብ መወዳእታ ናይ ግሉ ናይ ቅድስና ጐዳና ኰይና በታ ዝለመና ብርሃን ኣምላኽ መሪሓቶ። 

14 October 2019, 17:03