ድለ

ምሉእ ስርየተ ሓጢኣት ዘለኣለማውነት ዝፈልጥ ኣመት እዩ ምሉእ ስርየተ ሓጢኣት ዘለኣለማውነት ዝፈልጥ ኣመት እዩ 

ምሉእ ስርየተ ሓጢኣት ዘለኣለማውነት ዝፈልጥ ኣመት እዩ

ናብቲ ናይ ዕርቂ ኪደት ዘሰይ ናብ ናይ ሓጢኣት ምሉእ ስርየት ብእምነት ምቕራብ የድሊ፡ ንምድራዊ ሕይወትና ዓቢይ እፎይታ ዝህብን ተግባራትና ኢታእላው ክብሪ ከምዘለዎ ዝሕብር ስሉጥ

ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ዓመታዊ በዓል ኵሎም ቅዱሳትን ዝኽሪ ኵሎም ሙታን ብኵላውነት እትጽልየሉ በዓልን ዝኽርን ኣብ እተካይደሉ ቁርብ መዓልታት ቅድም ኣቢላ ብናይ ጳጳሳዊ ቤተ ኑዛዜ ዓቢይ ኣናዛዚ ብፁዕ ካርዲናል ማውሮ ፒያቸንዛ ኣቢላ፡ ጸሎትን ምስጢረ ንስሓን ናይ ምሕረት ስራሕን ዘማእከለ መልእኽቲ ከምዘመሓላለፈትን፡ እዚ ናይ ምሉእ ስርየተ ሓጢኣት ጸጋ ንዅሎም ዝዓረፉ ናይ ኢታእላው ክብሪ መግለጺ ምዃኑ ብፁዕ ካርዲናል ፒያቸንዛ ኣብ መልእኽቶም ይሕብሩ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ነቲ ክርስቲያናዊ ሕይወት ዘለዎ ልዑል ሃብትታት ዘቑሙ ናይ መንፈሳውን  መልእልተኣውን ሰናይ ሳጹን ንኽኽፈት ዝሕግዝ፡  ምስቲ ኣብ ልዕሊ መሬት ዘሎ ኣሰር መለኰት ምርኻብ ይሓትት፡ ነዚ ካብ ዘኽእሉ ሓደ ምሉእ ስርየተ ሓጢኣት ክኸውን እንከሎ፡ እዚ መፍትሕ ብትሕትናን ብገርሄይናነትን ምንባር ማለት ክኸውን እንከሎ፡ ኣብራኽካ ዓጺፍካ ምስጢረ ንስሓ ምስ እግዚኣብሔር ዘተዓርቕን ሱታፌ ናብ ቅዱስ ቁርባን ዘሰንይን ተኣምኖተ እምነት ንኽትናዘዝን ናይ ር.ሊ.ጳ. ናይ ጸሎት ሓሳብ መሰረት ጸሎት ንኸተዕርግ ዘብቅዕ ብሩቱዕ ናይ ዕርቂ ቅዱስ መጋበርያ ምዃኑ ብፁዕ ካርዲናል ፒያቸንዛ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ሓቢሮም፡ ናብቲ ናይ ዕርቂ ኪደት ዘሰይ ናብ ናይ ሓጢኣት ምሉእ ስርየት ብእምነት ምቕራብ የድሊ፡ ንምድራዊ ሕይወትና ዓቢይ እፎይታ ዝህብን ተግባራትና ኢታእላው ክብሪ ከምዘለዎ ዝሕብር ስሉጥ እውን ምዃኑ የዘኻኽሩ።

ኣብ ክንየው ኪደት ግዜ ዘሕብር

ብፁዕ ካርዲናል ፒያቸንዛ ኣብ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ዕለት 1 ሕዳርን ዕለት 2 ሕዳርን ዝበዓሉ ዓበይቲ በዓላት ምኽንያት ገይሮም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፡ እቲ ናይ ምሉእ ስርየተ ሓጢኣት ዘለዎ ሰብኣውን መለኮታውን ባህርይ ከስተንትኖ እንከለዉ፡ ቤተ ክርስቲያን ኣብተን ቅድሚ እተን በዓላትን ኣብቲ እዋን በዓላትን ዘለዋ መዓልታት ክርስቲያን እምነቱ ዘበርትዕ ተግባራት ክፍጽም ትዕድም፡ ምእንቲ እቶም ካብዚ ዓለም ብሞት ዝተፈልዩ ፍቱዋትካ ምሉእ ናይ ሓጢኣት ስርየት ግጽገው ኣብ ክንየው ኪደት ግዜ ዘሕብር ተግባራት ንኽንፍጽም ብቤተ ክርስትያን ትዕደም፡ እዚ ኸኣ እቲ ምስኦም ዘሎና ፍቕሪ ዘቐጽልን ዘበራትዕን ምዃኑ የብርሁ።

ኣብዘን መዓልታት እዚኣተን ኣብ ምስጢረ ንስሓ ክንደይ ዘጸናንዕ ኵነትን ዘበራትዕን ንብዓትና ዝኣልይ ጸጋታት ንጽገው፡

ንምጽንናዕን ናይ ምሕረትን ኵነት

ኣብዘን ቅዱሳት መዓልታት እዚኣተን ክርስትያን ናብ መንበረ ታቦት ምስጢረ ንስሓ ክቀዳደምን፡ ብዓቢይ ትሕትናን ለጋስነትን ነቲ ዘናዝዝ ካህን ኣባ ኣናዝዙኒ ኣንክብል ኣብራኹ ዝዓጽፈሉን ተቐዲሱ ምኽንያት ቅድስና ዝዀነለን ዝተቐደሳ መዓልታት እያተን፡ ዘለዓለማውነት ብጩቡጥ ኣገባብ ዝገልጽ ናይ ምሕረትን ለዋህነትን ስርየት ሓጢኣትን እዋን፡ ልባትና ጽን ንናይ ምባልን ምጽንናዕን ልልያን ምሕረትን ምስጢር ነርህው ብዝብል ሓሳብ እቲ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ የጠቓልሉ።

ምሉእ ስርየተ ሓጢኣት ዘለኣለማውነት ዝፈልጥ ኣመት እዩ
31 October 2019, 18:15