ድለ

ካርዲናል ኦለት፡ ክህነት ሓድሽ ርኽበት ዘድልዮ ጸጋ ካርዲናል ኦለት፡ ክህነት ሓድሽ ርኽበት ዘድልዮ ጸጋ 

ካርዲናል ኦለት፡ ክህነት ሓድሽ ርኽበት ዘድልዮ ጸጋ

ናይ ሓደ ካህን ጸጋ ምግባረ ሰናይ (ባህርይ) ትሕትና እዩ፡ ዝበሉ ብፁዕ ካርዲናል ማርክ ኦለት፡ ብዘይ ምድሕሓር ወይ ውን ኣብ ምናባዊ ዓለት ከይተረፉ ነቲ ክህነት ዝነብሮ ጭቡጥ ኵነተን ክህነታውነት ኣብ ጭቡጥ ህልው ኩነት ኣሳዂዖም ብምንባብ

ናይ ብፁዓን ጳጳሳት ጉዳይ ዝከታተል ቅዱስ ማሕበር ህይነተ ብፁዕ ካርዲናል ማርክ ኦለት፡ ብዛዕባ ጸዋዕታ ክህነትን ንጽሕናን ብሰፊሕ ዘብርሕ የዕሩኽ መርዓዊ ዘርእስታ መጽሓፎም ኣብ ናይ ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ቫቲካን ረዲዮ ሕንጻ ኣብ ዝርከብ ማርኰኒ ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ ተረኺቦም ብዝሃብዎ ሰፊሕ መብርህን ምስ ጋዜጠይናታት ብዘካየድዎ ቃለ መሕትትን ዕለት 2 ጥቅምቲ 2019 ዓ.ም. ብወግዒ ንንባብ ከምዘብቅዑን፡ ኣብ ጸዋዕታ ክህነት ዝንበር ንጽሕና ሃምነናዊ ውሳኔ ዘይኰነስ ምስ ክህነት ውሳጣዊ ምትእስሳር ዘለዎ ምዃኑ ገሊጾም፡ ብዛዕባ እዚ ሓሳብ እዚ እውን ኣብቲ ካብ ዕለት 6 ጥቅምቲ ክሳብ ዕለት 27 ጥቅምት 2019 ዓ.ም. ብዛዕባ ኣማዞም ኣብ ዝመክር ናይ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ሲኖዶስ ካብ ዝመያየጠሉ ነጥቢ ሓደ ምዃኑ ገሊጾም፡ ጸሎት ኣብ ልልያ ደጋፊ እዩ ኢሎም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ናይ ሓደ ካህን ጸጋ ምግባረ ሰናይ (ባህርይ) ትሕትና እዩ፡ ዝበሉ ብፁዕ ካርዲናል ማርክ ኦለት፡ ብዘይ ምድሕሓር ወይ ውን ኣብ ምናባዊ ዓለት ከይተረፉ ነቲ ክህነት ዝነብሮ ጭቡጥ ኵነተን ክህነታውነት ኣብ ጭቡጥ ህልው ኩነት ኣሳዂዖም ብምንባብ፡ ሎሚ ግብረ ገብ ካብ ትምህርትን ማሕበራዊ ሕይወትን ዝኣልይ ባህሊ ኣብ ዝረኣየሉን ተስፋ ምቑራጽን ኣብ ልዕሊ እቲ ናይ እግዚኣብሔር ኣገልጋሊ ዝዀነ ተክለ ሰብነት ምጥርጣርን ዝኣመስሉ ብድሆታት ሓደ ብሓደ ዘርዚሮም፡ ናይ ብዙሓት ዝተደናገሩ ክርስቲያን ኣብ ልዕሊ ካህናት ዘለዎም እምንቶ ዳግም ንኽረኽቡ ዘብቅዕ ቅድሚ ኩሉ ኣብ ክህነት ክንበር ዘለዎ ትሕትና እዩ።

ኣብ ናይ ካልእ ስቓይን መከራን ትውሱኣት

ዘጋጠሙን ዝረኣዩን ድኽመታትን ፈሪሳዊ ክህነታውነትን ጥምሑነትን ኵሉ ንምቁጽጻር ምድላይን ዓብላልነትን ዝብሉ ኣብ ዝባንና ኣብ ዙርያናን ምስ ዘለዉ ምኽንያት ውድቀታት ምጽብጻብ የድሊ፡ ይዅን ደኣ እምበር እዞም ዝተገልጹ ምኽንያት ውድቀት ካህናት፡ ክህነት ንዘለዎ ዓቢይ ክብሪ ከፍርሱ ዘይከኣል እዩ። ስለዚህ እዚ ብዝዀነ ይኹን ምኽንያት ክበርስ ዘይኽእል ክህነት ዘለዎ ክብሪ ዳግም ምርካብ የድሊ፡ ብምዃኑ እዩ ኸኣ ትሕትና ዘድሊ፡ ትሕትና የድሊ፡ ትሕትና፡ ካህን ዓርኪ መርዓዊ እምበር መርዓዊ ከምዘይኰነ ሕዝቢ ከስተውዕል ዝሕግዝ እዩ፡ ብፍላይ ካህን ሓላይን ደንጋጽን እዩ ኽኸውን ዘለዎ፡ ትሑትን ደንጋጽን ኣብ ናይ ካልእ ስቓይ ትውሳኤ ዝነብር።

ንጽሕና / ግትኣተ ሩካቤ? ሃምነነ (ዶግማ) ኣይኰነን

ካርዲናል ኦለት መጽሓፎም ንንባብ ንምብቃዕ ኣብ ዝተኻየደ ጉባኤ ካብ ዝተረኽቡ ጋዜጠይናታት ንዘቕረብዎ ሕቶ ከምዝመለሱን፡ ብዛዕባ ንጽሕና / ግትኣተ ሩካቤ ንዝምልከት ሕቶ ክምልሱ እንከለዉ፡ ግትኣተ ሩካቤ ብዙሕ ግዜ ልክዕ ናይ ምጐተን ክትዕን መጋበርያ ኰይኑ ክቐርብ እዩ ዝረአይ፡ ብፍላይ በቶም ብሃምነናዊ ኣገባብ ብቐሊሉ ክትርድኦ ትኽእል ቢሎም ብዝኣምኑን ነቶም ግትኣተ ሩካቤ ኣብ ሕቶ ንዘእትዉ ከም መናፍቅ ዝፈርዱን ቢሎም፡ ግትኣተ ሩካቤ ወይ ንጽሕና ሃምነነ ኣይኰነ፡ ኑፋቄ እውን ኣይኰነን፡ ይዅን ደኣ እምበር ቤተ ክርስቲያን ግትኣተ ሩካቤ ወይ ንጽሕና ምስ ክህነትን ጵጵስናን ጥልቅን ጥብቅን ምትእስሳር ከምዘለዎ እተስተውዕሎ ጉዳይ እዩ።

ብሓባር ምስ ር.ሊ.ጳጳሳት ኣብ ልልያ

እቲ መጽሓፍ ብፁዕ ካርዲናል ኦለት ኣብ ዝተፈላለዩ ዓውደ መጽናዕትታትን ካብ ዝጸሓፉን ዝቐርቡን ሓሳባትን ባዕሎም ብዙሕ እዋን ዘስተንተንዎን ኣብ ዝተፈላለየ መክበባዊ ዓውዲ ቤተ ክርስቲያናዊ ዝቐረቡን ዝቐርቡን ሓሳባት ኣማእኪሎም ናይ ዘካየድዎ ጥልቂ ኣስተንትኖ ውጽኢት ምዃኑ ርዱእ ኰይኑ፡ ነቲ ካብ ዕለት 6 – 27 ጥቅምቲ 2019 ዓ.ም. ዛዕባ ኣማዞን ንዝመክር ሲኖዶስ መወከሲ ክኸውን ይኽእል ብዝብል ሓሳብ እውን ዘሕተምዎ መጽሓፍ እዩ። እቲ ሲኖዶስ ቅድሚ ምብጋሱ ብዙሓት መራኸቢ ብዙሓን ነቲ Viri probati - ኣብ እምነት ምኵራት ዝብል ሓሳብ ምርዑዋት ብሱላትን ዓበይትን ኣብ እምነት ጽኑዓትን ነቲ ኣብቲ ሳንቡእ ዓለም ተባሂሉ ዝንገረሉ ከባቢ ኣማዞን (ኣብ ዓመት እውን ሓደ መዓልቲ እውን ቅዳሴ ዘይበጽሖምን ማሕበረ ክርስቲያን) ዝረአይ ዘሎ ዋሕዲ ክህነት መልሲ ንምሃብ ማዕርገ ክህነት ክቕበሉ ዝብል ሓሳብ ዝተማእከለ ከምዝዀነ ጥራሕ ብዘምስል ከቕርብኦ ይረአይ እቲ ሲኖዶስ ብኵለንተናውነት ምምልካት የድሊ፡ ካርዲናል ኦለት፡ ነዚ ሓሳብ’ዚ ብወገነይ ይብሉ፡ ኣይቃወሞን፡ ዘይምቅዋመይ ግና ካም ምጥርሓር ኣይብኵረንን፡ ኣማዞን ቅድም ቀዳድም ዲያቆናትን ናይ ትምህርተ ክርስቶስ መምሃራን የድልዮ፡ ብርግጽ ኣብቲ ሲኖዶስ መልሲ ክወሃቦም ዝግብኦም ሕቶታት ኣለዉ፡ መልሲ ንኽረኽቡ ብሓባር ምስ ር.ሊ.ጳ. ኣብ ልልያ ክንጓዓዝ ኢና፡ ብዛዕባ እዚ ናይ ሲኖዶስ ኣበው እንታይ ይብሉ ይዀኑ፡ ቅድመ ግምት ኣለኵም ዶ? እንክብል ሓደ ጋዜጠይና ንዘቕረበሎም ሕቶ፡ ቅድመ ግምት ምሃብ ዝከኣል ኣይኰነን፡ እቲ ኵነት-ሲኖዶስ ምንባርን ብሓባር ምስ ር.ሊ.ጳ. ኣብ ጸሎት ምንባር ይሓትት፡ ስለዚህ እቲ ዝዓዪ መንፈስ ቅዱስ እዩ፡ ንሱ ክመርሓና እዩ እንክብሉ ብዝሃብዎ መልሲ እቲ ነታ መጽሓፎም ንንባብ ንምብቃዕ ምስ ጋዜጠይናታት ዘካየድዎ ርክብ ዛዚሞም።

ካርዲናል ኦለት፡ ክህነት ሓድሽ ርኽበት ዘድልዮ ጸጋ
05 October 2019, 18:27