ድለ

2019.10.28  ሕይወት ንምክልኻል ሰነድ ዝኸተሙ ተወከልቲ እምነታት 2019.10.28 ሕይወት ንምክልኻል ሰነድ ዝኸተሙ ተወከልቲ እምነታት 

ብእምነት ደቂ ኣብርሃም ዝኾና ሠለስተ እምነታት ዓለምና ንዝኾነ መቕተልቲ ኣይፋል ሕማም ንምቕላል እወ

ብሓደ እግዚአብሔር ዚኣምናን ኣብርሃም ብእምነት ኣቦና እዩ ዝብላን ሠለስተ ዓበይቲ እምነታት ማለት ክርስትያን ኣስላምን ኣይሁድን ብሓደ ድምጺ ነቲ ናይ ምሕረት ቅትለት ወይ ሓገዝ ንነፍሲ ቅትለት ብዝብል ዝላባዕ ዘሎ ሥነ ሓሳብ ብምዅናን ኣብ ሕማም ንዝርከቡ ኩሎም ኣብ ኩሉ ቦታ ፍወሳ ክድገፍ ጸዊዔን።

አባ መኰንን አማኑኤል - ከተማ ቫቲካን

እዚ ትማሊ ኣብ ከተማ ቫቲካን ዝተኻየደ ናይ ሓባራዊ መግለጺ ሰነድ ምኽታም ሥርዓት ተወከልቲ ናይ ሠለስቲአን እምነታት ንንውሕ ዝበለ ግዜ ዝዛተዩሎም ካብ ዝነበሩ ብዛዕባ ሕይወት ደቂሰብን ክብረታን ካብ ጽንሲ ክሳብ ባህርያዊ ሞት ክትሕሎን ክንክን ክግበረላን እምበር ብዝኾነ ምኽንያት ክትቊጸ ዘይብላ ምዃና ንምግላጽ ኩሎም ብሓባር ‘ንዝኾነ መልክዕ ኤውታናዝያ ማለት ብጥዑም ሞት ዝፍለጥ ቅትለት ሰብ ብቀጥታስ ድላይን ሓሳብን ናይ ሕይወት ምቅታል ወይውን ብሓገዝ ንነፍሰ ቅትለት ዝፍለጥ ብሓካይም እናተሓገዝካ ዝግበር ኩሉ ቅትለት ስለዝኾነ ኣትሪርና ንቋወሞ። ከመይ እዘን ክልተ ሓሳባት እዚኤ ነቲ መሠረታዊ ዕብየት ሕይወት ሰብ ስለዝቋወም ብሞራል ይኹን ብመንገዲ እምነት ጌጋ እዩ። ስለዝኾነ ኸኣ ብዘይ ምንም ምፍልላይ ብጠቅላላ ክውገዝ ኣለዎ’ ክብሉ ገሊጾም።

እቲ ብእምነት ደቂ ኣብርሃም ዝኾነ ብሓደ ኣምላኽ ዚኣምኑ ዝብል መሠረቱ ብሉይ ኪዳን ኰይኑ ኣይሁድን ክርስትያንን ኣስላምን ካልኦትን የጠቃልል።

ተወከልቲ ናይዘን ኣብ ላዕሊ ዝተጠቅሳ እምነታትከስ ነቲ ሎሚ ኣብ ምዕቡል ዓለም ብዙሕ ዘከራኽር ዘሎ ኤውታናዝያ ዝበሃል ሓንስእ ጥዑም ሞት ሓንሳእ ናይ ምሕረት ቅትለት እናበሉ ፈቀዶ ባይቶን ቤትፍርድታትን እኳ እንተተማጐቱ ብመንገዲ ሞራላዊ ሥነ ምግባርስ ይኹን ብመንገዲ እምነት ፈጺምካ ገጋ ምዃኑ ኩሉ ክግንዘቦ ከምኡ እውን ፊዚሻን ኣሲስትድ ስዊሳይድ ማለት ሓካይም እናሓገዙኻ ሕይወትካ ባዕልኻ ምሕላፍ እውን ማዕረ እቲ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቅሰ ቅትለት ነፍሲ ስለዝኾነ ብምንም ምኽንያት ክድገፍ ዘይብሉን ተጻይ ሕይወት ደቂሰባትን መሰል ምንባርን ምዃኑ ብምግላጽ ንክልቲኢ ብዘየማትእ መንገዲ ኰኒኖሞ።

እኳ ደኣ ብኣንጻሩ እቲ እግዚኣአብሔር ዝሃበና ኣእምሮን ሕክምናን ተጠቂምና ንሕሙማት ቃንዛኦም ክነፋኹሰሎምን ብሕይወት ናይ ምንባር ባህጎም ክንፍጽመሎን ኣሎና። ከመይ ሕይወት ብእግዚኣአብሔር ዝተዋህበትና መልእዕልተ ባህርያዊት ጸጋ ኰይና ብዝተኻእለ መጠን ክንከናኸና ክሳብ ሞት እውን ብዝተኻእለ መጠን ብጽቡቅ ክነሰንዮም የዘኻኽሩ። ንማንም ወዲሰብ ነታ ማንም ፍጡር ካብ እንስሳ ጀሚርካ ንክነብሩን ብሕይወት ክቅጽሉን ዝቃለስዎ ብኩሉ ኩሉ ርእሶም ክከላኸሉ ሒዅ ዝብሉ ሕይወት ወዲሰብ እውን ክብርቲ ህያብ ኣብ ርእሲ ምዃኑ ብቀጥታ ካብ እግዚአብሔር ሰለዝኾነት ክብራ ክሕሎ ኣለዎ።

ኩለን ሃይማኖታት ኣብ ትምህርተንን እምነተንን ዘስተምህራኦ ወዲሰብ መጠን እታ ክብረቱ መንፈሳውን እምነታውን ወድዓዊ መሰሉ ተሓልዩ ብሕይወት ንዘሎስ ይኹን ንሞት ንዝቀራረብ ብዓቢ ክብሪ ክነሰኒ የዘኻኽሩ።

ንኣይሁድ ወኪሎም ብሓላፍነት ዝዋስኡ ረቢ ወይ መምህር ኣቭርሃም እሽታይንበርግ ዝበሃሉ ካብ እስራኤል ኰይኖም ንር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ብዛዕባ እዚ ሓሳብ እዚ ምስ ኣካፈልዎም ቅዱስነቶም ከኣ ብኣዎንታ ተቀቢሎም ናይ ቅድስት መንበር ጳጳሳዊ ኣካዳማዊ ሕይወት ከጽንዖን ክኽተሎን ኣዚዞም። ናይዚ ኣካዳሚ ሓላፊ ብፁዕ ሊቀጳጳሳት ኣቡነ ቪንቸንሶ ፓልጝያ እውን ብግዲኦም ንኩሎም ወከልቲ እምነታት ኣጋቢኦም ነዚ ትማሊ ዝተኸተመ ሰነድ ኣርቂቆም።

ነቲ ሰነት 30 ዝኾኑ ተወክልቲ እንክኽትሙሉ ድሕሪ እቲ ሥርዓት ምስ ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ተራኺቦም ምስኦም እውን ብዙሓት ካርዲናላትን ረበናት ኣይሁድ እኒ በዓል ዳቪድ ሮሰንን ከምኡ ናይ ሃገረ ኢንዶነሽያ ዝዓበየ እስላማዊ ጉባኤ ዝመርሕ ስያምሱል ኣንዋር ናይ ኢንዶነሽያ ነበሩ።

ብድምጺ ንምክትታል!
29 October 2019, 17:02