ድለ

ሓድሽ ኣስፍሆተ ወንጌል፡ ፊዚከላ፥ ሕይወት ምስ ዝልወጥ እግዚኣብሔር ምርኻብ ሓድሽ ኣስፍሆተ ወንጌል፡ ፊዚከላ፥ ሕይወት ምስ ዝልወጥ እግዚኣብሔር ምርኻብ 

ሓድሽ ኣስፍሆተ ወንጌል፡ ፊዚከላ፥ ሕይወት ምስ ዝልወጥ እግዚኣብሔር ምርኻብ

ኣብዚ ዓውደ ጉባኤ’ዚ ናይ ቲዮሎጊያን ፍልስፍናን ስነ ኣእምሮን ሊቃውንትን ዝሳተፉን፥ ብቐዳምነት ድልያ እግዚኣብሔር ዝብል ናይ እምነት ሃረርታ ዘነቓቕሕን ስዒቡ እውን ሸለልተይናነት፡ ነቲ ዝተቐብልካዮ ጸጋ እምነት ዘይምግዳስን፡ ዝብሉ ነጥብታት ዝድህስስ

ምስ እግዚኣብሔር ምርኻብ ክኡል ድዩ? ናይ ሓድሽ ኣስፍሆተ ወንጌል መገድታት ብዝብል ኣርእስቲ ዝተፈላለዩ ናይ መጽናዕትን ስነ ምርምርን ናይ ዝተፈላለያ ምንቅስቓሳትን ናይ ሓድሽ ኣስፍሆተ ወንጌል ማሕበራት ልኡካንን ዘሳትፍ ብናይ ሓድሽ ኣስፍሆተ ወንጌል ሓልዮ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ዝተዳለወ ዓውደ ጉባኤ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ኣብ ዝርከብ ሓድሽ ናይ ሲኖዶስ ናይ ጉባኤ ኣድራሽ ዕለት 19 መስከረም 2019 ዓ.ም. ከምእተጀመረን፡ እዚ ዓውደ ጉባኤ’ዚ ክሳብ ዕለት 22 መስከረም 2019 ዓ.ም. ዝቕጽል ኰይኑ፡ እዚ ብጋሴ፡ ሰባት ምስ ጐይታ ምርኻብ ዘኽእሉ መገድታት ንሕቶ ብምቕራብ ዘተ ዘካይድን ምዃኑ ልኡኽ ጋዜጠይና ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ቫቲካን ረዲዮ ኣመደዮ ሎሞናኰ ሓቢሮም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ምስቲ ኣብ ምዕራብ ዓለም ዝረኣይ ዘሎ ቅልውላው እምነት ንምንጽጻር ጥራሕ ዘይኰነ ኣብ ሓድሽ ኣስፍሆተ ወንጌል ንኽትስዕቦም ተኻኣልያን ዝዀኑ መገድታት ንምልላይ ዝድግፍ ኣስተንትኖን ሓበሬታን ንምቕራብ እውን ዝኣመተ ዓውደ ጉባኤ ክኸውን እንከሎ፡ ኣተሓሒዙ እውን ዝሓለፉ ናይ ቀረባ ዓመታት ኣርእስተ ሊቃነ ጳጳሳትን ናይ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮን ንኣስፍሆተ እምነተ ዘነቓቕሕ ዝለገስዎ ስልጣናዊ ትምህርቲ እውን ብቐረባ ዘስተንትን ምዃኑ ናይ ሓድሽ ኣስፍሆተ ወንጌል ዝሓልይ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ኣቦ መንበር ሊቀ ጳጳስ ብፁዕ ኣቡነ ሪኖ ፊሲከላ ብዛዕባ እዚ ዓውደ ጉባኤ’ዚ ኣመልኪቶም ምስ ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ቫቲካን ረዲዮ ልኡኽ ጋዜጠይና ኣመደዮ ሎሞናኵ ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ይሕብሩ።

ኣብዚ ዓውደ ጉባኤ’ዚ ናይ ቲዮሎጊያን ፍልስፍናን ስነ ኣእምሮን ሊቃውንትን ዝሳተፉን፥ ብቐዳምነት ድልያ እግዚኣብሔር ዝብል ናይ እምነት ሃረርታ ዘነቓቕሕን ስዒቡ እውን ሸለልተይናነት፡ ነቲ ዝተቐብልካዮ ጸጋ እምነት ዘይምግዳስን፡ ዝብሉ ነጥብታት ዝድህስስ ኰይኑ እዚ ናብቲ ዝተቐበልካዮ ጸጋ እምነት ንኸተብልን ነቲ ካብዚ ጸጋ እዚ እትረኽቦ ሓሴት ንዳግማይ ርኽበት ንኸተብል ዝድግፍን እዩ፡ ስለዚህ ነቲ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሰብኣዊ ፍጥረት ዘሎ እግዚኣብሔር ሃረር ናይ ምባል - እግዚኣብሔር ናይ ምንፋቕ ባህርይ ብዕምቆት ክስትንተን እዩ፡ እዚ ምስቲ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ኰይኖም ካብ ዝተሓረዩላ ዕለት ኣትሒዞም ናይ ምርኻብ ባህሊ እንክብሉ ዝገልጽዎ ኣምር ንምኽዋንን ንምንባርን ናብ ዝብል ስልጣናዊ ትምህርቲ ዘብል እዩ ኢሎም።

እዋናዊ ዓለም ከሃሌ ኵሉ እግዚኣብሔር ኣብ ዘይፈልጥ ባህሊ ዝነብር ኰይኑ ከምዘሎን፡ እዚ ኢእግዚኣብሔራውነት ዘይኰነ ጥሙር ወይ ውን ስኑይን ፍልጠት ዛዕባ እግዚኣብሔር ዘይብሉ ብምዃኑ ዝወልዶ ዓይነት ኣነባብራ እዩ፡ ስለዚህ ነዚ ዓይነት ዘይምፍጣል ዝድርኽ ምኽንያት ምንዳይ ግድን ይኸውን፡ እቲ ርክብ ነዚ ምኽንያት እዚ ንምቕራብ ዝፍትን ኰይኑ በዚ ኣገባብ’ዚ ድልያ እግዚኣብሔር ወይ እግዚኣብሔር ናይ ምድላይ ድላይ የበራብር፡ እቶም ዝተራኸብዎ ከኣ ነቲ ዘለዎም ናይ እምነት ሓጐስ ኣብ ምክፋል ዝብል ኣስፍሆተ ወንጌል ንኸተባብዑ ዘተባብዕ ምዃኑ የብርሁ።

ክርስትና ካብ ካልእ ዓይነት ፍልስፍና ኰነ ሃይማኖታትን ፍልይ ዘብሎ፡ እቲ ንእግዚኣብሔር ዝደልይ ሰብ ጥራሕ ዘይኰነ እቲ ብእግዚኣብሔር ዝድለይ ሰብ እውን ዝሕብር ብምዃኑ እዩ፡ እቲ ንሰብ ንኽራኸብ ዝመጽእ እግዚኣብሔር፡ ነዚ ንሰብ ዝደልይ እግዚኣብሔር ንምልላይ ክፉት ልቢ ክህሉ ከም ቅድመ ኵነት ይሓትት።

ምድናቕ ትርጉም ሕይወት ምንዳይን ኣብ ሰብ ዘሎ ባህርይ እዩ፡ ትርጉም ናይ ስቓይ ምንዳይ እውን ከይተረፈ፡ ናይ’ዚ መልሲ ኣብቲ ንሰብ ክደልይ ዝመጽእ እግዚኣብሔር እዩ፡ እዚ ፍቕሪ ይበሃል። ኣብ ጽሞና እግዚኣብሔር ጥልቂ ጽን ምባል ሰብ ኣሎ፡ እግዚኣብሔር ተዛረብ ንኽትብል ነቲ ዝዛረብ ንምስማዕ ስንድው ምዃን ይሓትት፡ ክርስቲያን ኣብ ዘቕርቦ ምስክርነት ልሳን እግዚኣብሔር እዩ ክኸውን ዘለዎ፡ ኣብ ሕይወት ፍጥረት ሰብ ድምጺ እግዚኣብሔር ንኽቓላሕ ዝገብር፡ ክርስትና ኣብ ባህልታት ምስ ሰብ ንኽራኸብ ይኣትው። እሙንን ጭቡጥን ምስክር ምዃን፡ ክርስትና ህልዮ ኣኰነን፡ ስለዚህ ኣብቲ ዓለም ሓቆፍ ጉባኤ ኣብ ሕይወቶም ንእግዚኣብሔር ዝረኸቡ ዝህብዎ ቃል ምስክርነት እውን ክቐርብ ምዃኑ ሓቢሮም ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ዛዚሞም።

ሓድሽ ኣስፍሆተ ወንጌል፡ ፊዚከላ፥ ሕይወት ምስ ዝልወጥ እግዚኣብሔር ምርኻብ
20 September 2019, 16:30