ድለ

ክሌኣዊ ርክብ ቅድስት መንበርን ቻይናን: ንኸይዕጸው ዝተኸፍተ ማዕጾ ክሌኣዊ ርክብ ቅድስት መንበርን ቻይናን: ንኸይዕጸው ዝተኸፍተ ማዕጾ 

ክሌኣዊ ርክብ ቅድስት መንበርን ቻይናን: ንኸይዕጸው ዝተኸፍተ ማዕጾ

ኣብቲ ናይ 2018 ዓ.ም. ግዚያዊ ናይ ስምምዕ ሰነድ ዝተማእከለ

ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ብፁዕ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን ዝደረስዎ መቕድም ዘጠቓለለ ኣጐስቲኖ ጆቫኞሊን ኤሊዛ ጂኒፐሮ፥ ስምምዕ ቅድስቲ መበርን ቻይናን: ካቶሊካውያን ቻይና ኣብ መንጐ ሕልፉን መጻእን ብዝብል ኣርእስቲ ዝተኻየዱ ናይ መጽናቲ ሰነዳት ጠራኒፎም ዝደረስዎ መጽሓፍ ዕለት 26 መስከረም 2019 ዓ.ም. ንንባብ ከምዝበቕዔን እዚ መጽሓፍ እቲ ዕለት 22 መስከረም 2018 ዓ.ም. ኣብ መንጐ ቅድስቲ መንበርን ሕዝባዊት ረፓብሊክ ቻይናን ዝተበጽሔን ፍርርም ዝተገበረሉን ግዚያዊ ናይ ስምምዕ ሰነድ ዘማእከለ እዩ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

እቲ መጻሓፍ ንንባብ ንምብቃዕ ኣብ ዝተኻየደ ዓውደ ጉባኤ፡ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ኣቡነ ክላውዲዮ ማሪያ ቸሊን ኢጣሊያዊ ፖለቲካይና ናይ ኢጣሊያ ነበር መራሔ መንግስትን ናይ ሕብረት ኤውሮጳ ቤት ምኽሪ ነበር ኣቦ መንበር ሮማኖ ፕሮዲን ናይ ቅዱስ ኤጂዲዮ ማሕበረሰብ መስራቲ ፕሮፈሰር ኣንድረያ ሪካርዲን ኣባል ማሕበር ኢየሱሳውያን ባህላዊ ማሕበር ጆሰፍ ራትዚንገር ኣቦ መንበር ኣባ ፈደሪኮ ሎምባርድን ዘረባ ከምዘስምዑን ነቲ ዓውደ ጉባኤ ዘላዘቡ ናይ ካቶሊካዊ ምንቅስቓስ ማሕበረሰብ ኣቦ መንበር ማርኮ ኢምፓሊያዞ ከምዝዀኑ ዝሓበሩ ልኡኽ ጋዜጠይና ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ቫቲካን ራዲዮ ኣለሳንድሮ ጂሶቲ ኣስዒቦም፡ ኣብቲ ጉባኤ ኣብ ኢጣሊያ ናይ ሕዝባዊት ረፓብሊክ ቻይና  ልኡከ መንግስቲ ቤት ጽሕፈት ጉዳያት ፖለቲካ ዋና ጸሓፊ ከምኣትረኽቡን፡ እቲ መጽሓፍ ኣብቲ ናይ 2018 ዓ.ም. ግዚያዊ ናይ ስምምዕ ሰነድ ዝተማእከለ እውን እንተነበረ ኣብ ታሪኽ ህላዌ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያንን ዝሓለፉ ኣርእስተ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብዚ ክሌኣዊ ርክብ’ዚ ዝሓደግዎ ኣሰርን ዘጉለሔ ምንባሩ ይገልጹ።

እቲ ስምምዕ መላእ ጳጳሳት ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ቻይና ምስ ተኽታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ሱታፌ ክህልዎም ከምዝገበረን፡ ነዚ ሓሳብ እዚ ኣብቲ ዓውደ ጉባኤ ዘረባ ብዘስምዑ ኣካላት ብዘፈላለየ ኣገላልጻ ዝተሰመረሉ ሓሳብ ኰይኑ፡ ብፍላይ ብፁዕ ኣቡነ ቸሊ፥ ዝሓለፈ ዕለት 28 ሰነ 2019 ዓ.ም. ኣብ ቻይና ዘለዉ ናይ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ካህናት ኣብ በርገሳዊ ቤት ምሕደራ ምዝጉባት ክዀኑ ዝብል ተፈጻምነት ከይኑ ዘሎ ውሳኔ ነቲ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን እተቕርቦ መምርሕታት ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ሓደጋ ኣይኰነን፡ ዝዀነ ይኹን ዜጋ ንሃገሩ ዘለዎ ፍቕሪ ምስቲ እውነተይና ካቶሊካዊ ምዃን ዝጻረርን ወይ ውን ተነጻጻጊ ክብሪ ከምዘይኰነ ካብ ምስትዓውል ዝነቐለ ምዃኑ ኣብቲ መጽሓፍ ዝተመለከተ ሓሳብ ጠቒሶም ኣብ ዘስምዕዎ ቃል ከምዘብርሁ ዝሓበሩ ጂሶቲ ኣስዒቦም፡ ሮማኖ ፕሮዲ እውን ብወገኖም ኣብ ማሕበራውን ኣብ ስነ ፖለቲካዊ ኣቀማምጣ መልክዓ ምድሪ ኣሞርኵይዞም፡ እቲ ዝተበጽሔ ስምምዕ ካብ ርሑቕ ዝተበገሰ እውን እንተነበረ ኣብዚ ታሪኻዊ እዋን ክብጻሕ፡ ናይ ር.ሊ.ጳ. ፍራቸስኮ ዓቢይ ኣበርክቶ ዝጥቀስ እዩ፡ እዚ ናይ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣበርክቶ ኣብ ቻይና ካቶሊካውነት ምዕራባውነት ዘይኰነስ ኵላውነት ምዃኑ ክስትውዓል ዝገበረ ምዃኑ ከምዘመላኸቱ ኣፍሊጦም።

እቲ ግዚያዊ ስምምዕ ነቲ ሰብዓ ዓመት ዘቝጸረ ዘይምስምምዕ መፍትሒ ክረክብ መታን ቅድስቲ መንበርን ቻይናን ዘካየድኦ ናይ ሓባር ዘተ ትኵር ምዃኑ ዝምስክርን፡ ኣብዚ ኣገልግሎ’ዚ ሎሚ ብህይወት ዘየለዉ ብፁዕ ካርዲናል ኣኪለ ሲልቨስትሪን ብፁዕ ካርዲናል ሮዠር ኤትቸጋራይ ዘበርከትዎ ኣስተዋጽእ ዘይርሳዕ ምዃኑ ኢማሊያዞ ኣብ ዘስምዕዎ ዘረባ ከምዝገለጹ ጂሶቲ ሓቢሮም።

ኣብ መወዳእታ ኣባ ሎምባርዲ ኣብ ዘስምዕዎ ዘረባ፡ እቲ ስምምዕ ንኽብጻሕ ቀዲሞም ዝተፈጸሙ ጻዕርታት ንድሕሪት ምስል ቢሎም ብምዝኽኻር፡ ካብ ናይ ቻይና ካቶሊክ ምእመናን ጽኑዕ እምነትን ካብ ናይ ብፁዓን ጳጳሳት ቻይና ድኻምን መስዋዕትን ዘይሕለል ብር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዝተመርሔን መንግስታት ናብ ምትሕብባር ዘተባብዕ ጻዕሪ ንናይ ቅድስቲ መንበርን ዘይሕለል ጻዕር ዝመረሔ መንፈስ ዝወልዶ ስምምዕ መዃኑን ከምዘመላኸቱ ጂሶቲ ኣፍሊጦም።

ክሌኣዊ ርክብ ቅድስት መንበርን ቻይናን: ንኸይዕጸው ዝተኸፍተ ማዕጾ
27 September 2019, 17:43