ድለ

ክሌኣዊ ስምዕዕ ቅድስቲ መንበርን ሃገረ ኣንጐላን ክሌኣዊ ስምዕዕ ቅድስቲ መንበርን ሃገረ ኣንጐላን 

ክሌኣዊ ስምዕዕ ቅድስቲ መንበርን ሃገረ ኣንጐላን

ክልቲኣተን ሃገራት ንናይ ነፍሲ ወከፈን ሉኣላውነት ሕድ ሕዳዊ ኣፍልጦ ገይረን ምትሕብባር ብመሰረት ሉኣላውነትን ንናይ ሓባር ጥቕምን ቁሳውን መንፍሳውን ረብሓን ብዘይ ኢደ ኣታውነት ርክባተን ከካይዳ

ማሕበራውን ኣብ መዳይ ሕንጸትን ንህላዌ ሕጋውነት ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ኣብ ሃገረ ኣንጐላ ኣፍልጦ ዝህብ ናይ ስምምዕ ሰነድ ዕለት 13 መስከረም 2019 ዓ.ም. ኣብ መንጐ ቅድስቲ መንበርን ሃገረ ኣንጐላን ከምእተኸተመ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብ ቅድስቲ መንበር ኣብ ዝርከብ ናይ ሃገረ ቫቲካን ሓዋርያዊ ናይ ውዕላት ሕንጻ ኣብ መንጐ ቅድስቲ መንበርን ረፓብሊካዊት ኣንጐላን ስምምዕ ዝተገብረሉን ሰነድ፡ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ብፁዕ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን ኣብ ዝተረኽብሉ ክሌኣዊ ርክብ ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ ወጻኢ ርክባት ጉዳይ ዋና ጸሓፊ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ኣቡነ ፓውል ሪቻርድ ጋላገርን ናይ ኣንጐላ ናይ ወጻኢ ጉዳያት ሚንስተር ማኑኤል ዶሚንጎስ ኣውጉስትን ከምእተፈረመን ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

እቲ ዝተኸተመ ስምምዕ፡ ብቋንቋ ጣልያንን ፖርቱጋልን ዝተጻሕፈ፡ መቕድም ዘለዎ 26 ዓንቀጽ ዘጠቓልል ክኸውን እንከሎ፡ እዚ ናይ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ሕጋዊ ህላዌ ኣብ ኣንጐላ ቅርጺ ዝህብ ክኸውን እንከሎ፡ ብፍላይ ኣብ ማሕበራዊ መዳይን ሕንጸትን ሕጋዊ ህልውና ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣፍልጦ ዝህብ እዩ፡ ክልቲኣተን ሃገራት ንናይ ነፍሲ ወከፈን ሉኣላውነት ሕድ ሕዳዊ ኣፍልጦ ገይረን ምትሕብባር ብመሰረት ሉኣላውነትን ንናይ ሓባር ጥቕምን ቁሳውን መንፍሳውን ረብሓን ብዘይ ኢደ ኣታውነት ርክባተን ከካይዳ ዝብል ምዃኑን እቲ ውዕሊ ክልቲኣተን ሃገራት በቢ ወገነን ቅቡል ዝብል ናይ ውሳኔ ሰንድ ድሕሪ ዘካይድኦ ምልውዋት ትኹንታ ክይወዓለን ከይሓደረን ተግባራዊ ከምዝኸውን ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ የረጋግጽ።

ክሌኣዊ ስምዕዕ ቅድስቲ መንበርን ሃገረ ኣንጐላን
14 September 2019, 17:50