ድለ

ዛዕባ ኣማዞን ኣብ ዝዝትይ ሲኖዶስ ናይ ዝሳተፉ ዝርዝር ኣስማት ብወግዒ ተሓቢሩ ዛዕባ ኣማዞን ኣብ ዝዝትይ ሲኖዶስ ናይ ዝሳተፉ ዝርዝር ኣስማት ብወግዒ ተሓቢሩ 

ዛዕባ ኣማዞን ኣብ ዝዝትይ ሲኖዶስ ናይ ዝሳተፉ ዝርዝር ኣስማት ብወግዒ ተሓቢሩ

ተጋባእያን ሲኖዶስ ካብ ዕለት 6 ጥቅምቲ 2019 ዓ.ም. ኣብ ሃገረ ቫቲካን ክርከቡ ከምዝዀኑን፡ ቅዱስነቶም ናይ ሲኖዶስ ተጋባእያን ልኡካን ኣበ መናብርት ንኽኰኑ ካብ ቨነዝወላ ብፁዕ ካርዲናል ፖራስ ኮርሶዞን ተወላዲ ፐሩ ብፁዕ ካርዲናል ባረቶ ኺመኖን ብራዚላዊ ብፁዕ ካርዲናል ብራዝ ደ ኣቪዝን ከምዝሰመዩ

ካብ ዕለት 6 ክሳብ ዕለት 27 ጥቅምቲ 2019 ዓ.ም. ኣብ ሃገረ ቫቲካን ብቕዱስ ኣቦና ዝተጸውዔ ሓድሽ ኬይዲ ንቤተ ክርስቲያንን ንሓደ ሓድሽ ኵለንተናዊ ምዕባለን ኣብ ዝብል ርእሰ ጉዳይ ዝዝትይ ናይ መላእ ሃገራት ከባቢ ኣማዞን ሲኖዶስ ናይ ዝሳተፉ ዝርዝር ኣስማት ብወግዒ ተሓቢሩ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ዕለት 15 ጥቅምቲ 2017 ዓ.ም. ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ፍርቂ መዓልቲ ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር ካብ ውሽጥን ወጻእን ምስ ዝመጹ መንፈሳውያን ነጋዶ መሪሖም ድሕሪ ምዕራጐም ናይ ከባቢ ሃገራት ኣማዞን ሲኖዶስ ከምዝጸውዑን እዚ ነቲ ናይ ሕዝበ እግዚኣብሔር ኣካል ዝዀነ ከባቢ ኣማዞን ሓድሽ ናይ ኣስፍሆተ ወንጌል መገዲ ንምልላይ ዝብል ዕላማ ዘለዎ ምዃኑ ሓቢሮም፡ ብፍላይ ነቶም ብዙሕ እዋን ዝርስዑን ብዘይ መጻእ ሕይወቶም ንዕለቱ ዝነብሩ ቀዳሞት ተወለደቲ ኣማዞንን ኣብቲ ናይ ዓለም ሳምቡእ ተባሂሉ ዝፍለጥ ከባቢ ዝፍጸም ምብዳም ኣግራብን ምዝመዛ ሃብቲ ተፈጥሮን ዘስዕቦ ቅልውላው ምህዳርን ተቐማጦን ዘተኰረ ከምዝኸውን ሓቢሮም ከምዝነበሩ ዝዝከር እዩ።

እዚ ዓቢይ ናይ ቤተ ክርስቲያን መደብን ካብኡ ሓሊፉ እውን በርገሳውን ምህዳራውን ኣገዳስነት ዘለዎን ሰለስተ ሚሊዮን ደቀባት ዝርከብዎም 390 ዝተፈላለዩ ናይ ኣማዞን ዓሌታትን ብጠቕላላ ንልዕሊ 34 ሚሊዮን ሕዝቢ ዝምልከት ጉዳይ እውን ምዃኑ ክፍለጥ እንከሎ፡ ኣማዞን ካብ ጠቕላላ ሓምላይ ሃብቲ ዓለም ሓደ ሲሶ ዝሽፍን ክኸውን እንከሎ፡ ብዛዕባ ኣማዞን ምግዳስ ማለት ብዛዕባ እቲ ሓምላይ ሳምቡእ ምግዳስ ማለት ምዃኑ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 17 ሰነ 2019 ዓ.ም. ናይቲ ዛዕባ ኣማዞን ሲኖዶስ ናይ መዛተይ ሰነድ ንምቕራብ ቤት ምኽሪ ሲኖዶስ ኣብ ዘካየዶ ጉባኤ ተረኺቦም ኣብ ዘስምዕዎ ቃል ዘስመሩሉ ሓሳብ ከምዝነበረ  ዕለት 21 መስከረም 2019 ዓ.ም. ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ የዘኻኽር።

ተጋባእያን ሲኖዶስ ካብ ዕለት 6 ጥቅምቲ 2019 ዓ.ም. ኣብ ሃገረ ቫቲካን ክርከቡ ከምዝዀኑን፡ ቅዱስነቶም ናይ ሲኖዶስ ተጋባእያን ልኡካን ኣበ መናብርት ንኽኰኑ ካብ ቨነዝወላ ብፁዕ ካርዲናል ፖራስ ኮርሶዞን ተወላዲ ፐሩ ብፁዕ ካርዲናል ባረቶ ኺመኖን ብራዚላዊ ብፁዕ ካርዲናል ብራዝ ደ ኣቪዝን ከምዝሰመዩን ዝሓበረ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣስዒቡ፥ እዚ ሲኖዶስ ካብ ቤተ ክርስቲያን ዝውለድን ተልእዀን ኣስፍሆተ ወንጌልን ዝብል ማዕቅን ዘለዎን ኰይኑ ናይ ሱታፌን መንፈስ ቅዱስ ዝመርሖን እምበር ስነ ምርምራዊ ወይ ውን ፖለቲካዊ ጉባኤ ከምዘይኰነ ባዕሎም ቅዱስነቶም ምስ ቫቲካን ኢንሳይደር እተሰምየ መርበብ ሓበሬታ ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ከምዝገለጹ የዘኻኽር።

ዛዕባ ኣማዞን ኣብ ዝዝትይ ሲኖዶስ ናይ ዝሳተፉ ዝርዝር ኣስማት ብወግዒ ተሓቢሩ
23 September 2019, 17:04