ድለ

ብፁዕ ኣቡነ ማርኮ ጋንቺ ሓድሽ ናይ ቅድስቲ መንበር ቀዋሚ ተዓዛቢ ኣብ ቤት ምኽሪ ሕብረት ኤውሮጳ ብፁዕ ኣቡነ ማርኮ ጋንቺ ሓድሽ ናይ ቅድስቲ መንበር ቀዋሚ ተዓዛቢ ኣብ ቤት ምኽሪ ሕብረት ኤውሮጳ 

ብፁዕ ኣቡነ ማርኮ ጋንቺ ሓድሽ ናይ ቅድስቲ መንበር ቀዋሚ ተዓዛቢ ኣብ ቤት ምኽሪ ሕብረት ኤውሮጳ

ቅድስቲ መንበር ካብ 1962 ዓ.ም. ኣትሒዛ ኣብ ቤት ምኽሪ ሕብረት ኤውሮጳ ናይ ርክባት ቤት ጽሕፈት ከምዝለዋን ካብ ዕለት 7 መጋቢት 1970 ዓ.ም. ኣብ ሕብረት ኤውሮጳ ብቀዋሚ ተዓዛቢ ውክልና ክህልዋ ዝብል ናይ ስምምዕ ውዕሊ ከምእተኸተመን፡

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ስትራስበርግ ቤት ምኽሪ ሕብረት ኤውሮጳ ሓድሽ ናይ ቅድስቲ መንበር ቀዋሚ ተዓዛቢ ከምዝሰመዩ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ማርኰ ጋንቺ ኣብ ኢጣሊያ ከተማ ካታንዛሮ ዕለት 16 ግንቦት 1976 ዓ.ም. ዝተወልዱን ብሕገ ቀኖና ሊቕነት ዘመስከሩን፡ ዕለት 16 ታሕሳስ 2000 ዓ.ም. ማዕርገ ክህነት ዝተቐበሉን ሽዱሽተ ወርሒ ድሕሪ ማዕርገ ክህነቶም ኣብ ናይ ቅድስቲ መንበር ኣብ ናይ ስነ ሜላ ርክባት ቤት ጽሕፈት ምግልጋል ከምዝጀመሩን፡ ኢንግሊዚያናን ስፓይኖሎን ፈረሳይናን ቋንቋታት ዝመልኩን፡ ኣብ ቦሊቪያን ግሪክን ኣብ ብራሰልስ ናይ ሕብረት ኤውሮጳ ቤት ጽሕፈትን ኣብ ከንያን ኣብ ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ልኡኽ ኣባይቲ ጽሕፈት ዘገልገሉን፡ ካብ ዕለት 21 መስከረም 2019 ዓ.ም. ብራሰልስ ኣብ ዝርከብ ኣብ ናይ ሕብረት ኤውሮጳ ቤት ምኽሪ ምሉእ ናይ ቅድስቲ መንበር ቀዋሚ ተዓዛቢ ኰይኖም ንኸገልግሉ ብር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ከምእተሰምዩ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ሓቢሩ።

ቅድስቲ መንበር ካብ 1962 ዓ.ም. ኣትሒዛ ኣብ ቤት ምኽሪ ሕብረት ኤውሮጳ ናይ ርክባት ቤት ጽሕፈት ከምዝለዋን ካብ ዕለት 7 መጋቢት 1970 ዓ.ም. ኣብ ሕብረት ኤውሮጳ ብቀዋሚ ተዓዛቢ ውክልና ክህልዋ ዝብል ናይ ስምምዕ ውዕሊ ከምእተኸተመን፡ ዕላማኡ እውን ደሞክራስን ናይ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ናይ ኤውሮጳ ባህላዊ መንነት ንምንቕቓሕን ኣብ ኤውሮጳ ንዝኽሰቱ ማሕበራዊ ጸገማት መፍትሒ ኣብ ምንዳይ ናይ ምውሳእ ተልእዀ ክህልዋ ዝብል ስምምዕ እውን ምንባሩ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መገለጺ የዘኻኽር።

ብፁዕ ኣቡነ ማርኮ ጋንቺ ሓድሽ ናይ ቅድስቲ መንበር ቀዋሚ ተዓዛቢ ኣብ ቤት ምኽሪ ሕብረት ኤውሮጳ
23 September 2019, 17:08