ድለ

ፓሮሊን ንሕቡራት መንግስታት ዓለም፡ ዝናማዊ ዱርን ናይቲ ከባቢ ተቐማጦ ምክልኻል ፓሮሊን ንሕቡራት መንግስታት ዓለም፡ ዝናማዊ ዱርን ናይቲ ከባቢ ተቐማጦ ምክልኻል 

ፓሮሊን ንሕቡራት መንግስታት ዓለም፡ ዝናማዊ ዱርን ናይቲ ከባቢ ተቐማጦ ምክልኻል

ኣብ ኣጠቓቕማ ሓምላይ ሃብትን ዱርን ሓላፍነት ዝመልኦን ንመጻኢ ትውልድን ንመላእ ዘርኢ ሰብ ዝኣመተ ኣጠቓቕማ ክህሉ

ብምኽንያት እቲ ኣብ ነው ዮርክ ኣብ ናይ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ዋና መቐመጢ ኣብ ዝርከብ ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ ዛዕባ ምቅይያር ናይ ከባቢ ንብረት ኣየር ኣማእኪሉ ኣብ ዝመክር ዓለም ሓቆፍ ዋዕላ መራሕቲ ናይ ቅድስቲ መንበር ልኡካን መሪሖም ዝሳተፉ ዘለዉ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ብፁዕ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን፥ እቲ ንዓቢይ ሓደጋ ተቓሊዑ ዘሎ ተፈጥሮኣዊ ምህዳርን ተቐማጦን ንምክልኻል ብቑልጡፍ እንዋፈረሉ እዋን እዩ ከምዝበሉ ልእኽቲ ጋዜጠይና ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ቫቲካን ሮበርታ ጂሶቲ ሓቢረን።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

እቲ ኣኣብ ዓለም ዝረአይ ምብራስ ዱር ብፍላይ ኣብ ልዕሊ ዝናማዊ ድር ዝፍጸም ዕንወት ስዒቡ ዝተኣታተው ቅልውላው  ምህዳራዊ ዘይኰነስ ማሕበራውን ብፍላይ ከኣ ግብረ ገባውን ቅልውላው ምዃኑ ብፁዕ ካርዲናል ፓሮሊን ኣብ ውዱብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ብዛዕባ ምቅይያር ከባቢ ኣየር ርእሰ ጉዳይ ገይሩ ኣብ ዝመያየጥ ዘሎ ናይ መራሕቲ ሃገራት ዓውደ ጉባኤ ተረኺቦም ኣብ ዘስምዕዎ መደረ ሓቢሮም፡

ምዕቃብን ሕንጸት ሓላፍነት ኣብ ምስራጽ

ሃብቲ ዱር ንመላዕ ዓለም ኣዚዩ ኣገዳሲ ከምዝዀነ ኵሉ ዝፈልጦ እዩ፡ ንዝተሓደሰ መደብ ልምዓት ኰነ ንመላእ ዘርእ ሰብ መጻኢ ሃብቲ ክነሱ፡ ሓውሲ ከተማን ከተማታትን ናይ ምስፋሕ ኪደት ዱር ዘለዎ ኣድላይነትን ጥቅምን ዝዘንግዔ እዩ ዝመስል ዝበሉ ካርዲናል ፓሮሊን ኣስዒቦም፡ ሕዝቢ ዓለም ሓምላይ ሃብትን ኣግራብን ክምዝመዝ ዘለዎ ናይ ተፈጥሮ ሃብቲ ገይሩ ካብ ምሕሳብ ንኽቝጠብ ኣገዳሲ ጐስጓስን ሓበሬታን ምቕራብ የድሊ፡ ምስ ምዕናው ኣግራብ ተተሓሒዚ ምንጻት ዝተፈላለዩ ሕይወታውያን እዩ ዝፍጸም፡ እዚ ንገዛእ ርእሱ ነቲ ውድን ሕይወታውያንን ፍጥረትን ተፈጥሮን እዩ ዘዛብዕ ከምዝበሉ ጂሶቲ ገሊጸን።

ምብራስ ኣግራብ ዝትዅቱኹ ዓበይቲ ስቓያት

ኣብ ልዕሊ ሃብቲ ተፈጥሮን ኣግራብን ዝወርድ ብርሰት ዘስዕቦ ብዙሕ ስቓይ ከምዘሎን ብፍላይ ንዝኸፍኤ ሓደጋ ዝቃላዕ ንጠቐማጢ ሕዝቢ ምዃኑ ዝገለጹ ብፁዕነቶም፡ ኣብ ኣጠቓቕማ ሓምላይ ሃብትን ዱርን ሓላፍነት ዝመልኦን ንመጻኢ ትውልድን ንመላእ ዘርኢ ሰብ ዝኣመተ ኣጠቓቕማ ክህሉ ኣተሓሳሲቦም፡ ምስ ምብዳም ሃብቲ ዱር ተተሓሒዙ ናይ ብዙሓት ሰብኣዊ መሰልን ክብርን እዩ ዝገሃስ ከምዝበሉ ዝሓበራ ጂሶቲ ኣስዒበን፡

ናይ ደቀባት መጻኢ ናይ መላእ ሰብኣዊ ፍጥረት ግዳሴ እዩ

ድሕሪ ክልተ ሰሙን ማለት ዕለት 6 ጥቅምቲ 2019 ዓ.ም. ኣብ ሃገረ ቫቲካን ዛዕባ ኣማዞን ዝዝትይ ሲኖዶስ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ክኽፈት ምዃኑ በዚ ኣጋጣሚ’ዚ ሓቢሮም፡ እዚ ብቐዳምነት ኣብቲ ከባቢ ናይ ቤተ ክርስቲያንን ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎን ብድሆታት ዝመያየጥ እውን እንተዀነ ንናይ ኣማዞን ከባቢ ደቀባት ፍልዩ ኣተኵሮ ዝገብርን ናይ መላእ ዘርኢ ሰብን ምህዳርን ኤኮኖሚያውን ሓላፍነት ዘበራብር እውን እዩ፡ ኣብ ከባቢ ኣብ መሳጣሕ ኰንጐ ዝርከብ ሓምላይ ሃብትን ዱርን ዝወርድ ሓደጋን ኣብ ደቡባዊ ምብራቕ እስያን ኣብ ካልኦት ከባቢ ዓለም ኣብ ዘሎ ሓምላይ ሃብትን ዱርን ዝፍጸም ናይ ምጥፋእ ተግባር ዝምልከት እውን ምዃኑ ከምዝገለጹ ኣፍሊጠን።

ምክንኻን ምህዳር ብማሕበራዊ  ፍትሒ እዩ ዝሓልፍ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ማዳጋስካር ሓዋርያዊ ምብጻሕ ኣብ ዘካየድሉ እዋን፡ ማዳጋስካር ካብ 2001 ዓ.ም. ንነጀው ጥራሕ ካብ ጠቕላላ ዘለዋ ሓምላይ ሃብትን ዱርን 21 ሚእታዊ ከምዝባደበ ዝሕብሩ ጸብጻባት ጠቒሶም ብምዝኽኻር ኣብ ምድሪ ምህርቲ ንናይ ሓባር መዓልቦ መሰል ውሑስ ንምግባር ብዘይ ማሕበራዊ ፍትሒ ከባቢ ንምሕላው ሓቀይና ስነ-ምህዳራዊ ሜላን ወይ ከኣ ጭቡጥ ስጉምቲ ክህልው ኣይክእልን፡ ብዛዕባ ምህዳር ኰነ ምህዳር ንምክንኻን ክፍጸሙ ዘለዎም ተግባራት ኣማእኪልካ ዝካየዱ ርክባት መፍትሒ ዘቕርቡ እውን ከምዘይኰኑ ብኣጽንዖት ኣህብሮም ከምዝነበሩ ክርዲናል ፓሮሊን ኣዘካኺሮም፥

ኵለንተናዊ ኣቀራርባን ንጸረ ድኽነትን ተነጽሎን

መደረኦም፥ ብዘይ ምድንጓይ ድኽነትን ተነጽሎን ንምብዳህን ነቶም ዝተነጸሉ ክብሮም ዳግም ውሕስ ንምግባርን ብተመሳሳሊ መገዲ እውን እቲ ዕጹብ ድንቅን ዝዀነ ንዓቢይ ሓደጋ ተቓሊዑ ዘሎ ዝናማዊ ኣግራብ ንምክልኻል ኵለንተናውን ብዝሓ ጐናውን ኣቀራርባ ወሳኒ እዩ እንክብሉ ከምዘጠቓለሉ ጂሶቲ ሓቢረን።

ዝናማዊ ዱርን ናይቲ ከባቢ ተቐማጦ ምክልኻል
25 September 2019, 16:11