ድለ

2019.06.01 መንእሰያት ዮኖማሚ ምስ ኣቡኖም ሞንዙኞር ዳምያን! 2019.06.01 መንእሰያት ዮኖማሚ ምስ ኣቡኖም ሞንዙኞር ዳምያን! 

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ.ፍራንቸስኮስ ተወከልቲ ፕረሲደንቲታት ሲኖዶስ ኣማዞን ሸይሞም!

እቶም ብቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ.ፍራንቸስኮስ ኣብ ዝመጽእ ወርሒ ጥቅምቲ ንሲኖዶስ ኣማዞን ክመርሑ ዝተወከሉ 3 ካርዲናላት ኮይኖም፡ ቬነዝዌላዊ ካርዲናል ፖራስ ካርዶዞ፡ ካርዲናል ባረቶ ጂመኖ ከምኡ’ውን ብራዚላዊ ካርዲናል ብራዝ ደ’ኣቪዝ ከምዝኹኑ ተሓቢሩ።

ዮናስ ስዩም - ከተማ ቫቲካን

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ.ፍራንቸስኮስ ነቲ ካብ መላእ ናይ ኣብማዞን ተንከፍ ሃገራት ዝተወከሉ፡ ካብ ዕለት 6-27 ናይ ዝመጽእ ወርሒ ጥቅምቲ ኣብ ቫቲካን ኣብ ጉዳይ ኣማዞን ዝካየድ ሲኖዶስ ጳጳሳት፡ ከም ኣለይቲ ኮይኖም ዝመርሕዎ 3 ካርዲናላት ከምዝመዘዙ ተፈሊጡ። እቶም ዝተመዘዙ፡ ካርዲናል ባልታዛር አንሪኴ ፖራዝ ካፍዶዞ፡ ካብ ሃገረ ቨነዝዌላ ኮይኖም ሓዋርያዊ ኣስተሓዳዳሪ ናይ ካራካስን፡ ሊቀ-ጳጳስ ናይ መሪዳን እንክኾኑ፡ ካርዲናል ፐድሮ ሪካርዶ ባረቶ ጂመኖ ካብ ሃገር ፔሩ ኮይኖም፡ ሊቀ-ጳጳስ ናይ ሁዋንካዮን፡ ምኽትል ፕረሲደንት ናይ መርበብ ኣብያተ-ክርስትያን ሃገራት ሕብረት ኣማዞን’ውን እዮም፡ እቶን ዝተረፉ ካዲናል ከኣ፡ ካርዲናል ጆዋው ብራዝ ደ`ኣቪዝ ካብ ብራዚል ኮይኖም፡ ሓዋርያዊ መስተናብር ስለውፉይ ሕይወትን፡ ሕብረተሰብ ሓዋርያዊ ሕይወትን ናይ እትሓሊ ተቁዋዋም’ውን እዮም።

ኣበርክቶ ናይ ዝተሸይሙ ፕረሲደንትታት

እቲ ዝግበር ሲኖዶስ ጳጳሳት ኮነ፡ እቶም ዝተሽሙ ፕረሲደንትታት፡ ኣብ ትሕቲ ቅድስነቶም ኮይኖም፡ እቶም ዝተሸሙ ንቅዱስ ኣቦና ወኪሎም ነቲ ሲኖዶስ ከመርሕዎ ከምዝኾኑ እንክሕበር፡ ብር.ሊ.ጳ.በነዲክቶስ መበል 16, ብ2006 ዝተሓደሰ ሕጊን ስርዓትን ተኸቲሎም ክመርሕዎ ከምዝኾኑ ተፈሊጡ። ንሶም ክሳብ ኣብ’ቲ ሓብራውን፡ ብኹሎም ኣባላት ዝተኸተመን መራሕ ግብሪ ዘውጽኡ፡ ኣብ ገለ ብሉጽ ስርሓት ናይ ገለ ኣባላቶም ኣተኲሮም ነቲ ሲኖዶስ ከመርሕዎ ከምዝኾኑን ተፈሊጡ።

ገለ ኣብ ሲኖዶስ ካብ ዝቐርቡ ዛዕባታት፡ ዓሚቕ መረዳእታ ምስ ዘድልዮም፡ ኣካየድቲ ካርዲናላት ብኣፍልጦ ቅዱስ ኣቦና፡ ነቲ ጉዳይ ዘጽንዓ ኮሚተታት ክጣየሳ ከምዝኹና ተገሊጹ።  ንሶም ብናይ ሲኖዶስ መምርሒ ሕግን ስርዓትን መሰረት ነቲ ጉባኤ ከመርሕዎ ከምዝኾኑ ተሓቢሩ።

ክፋላት ናይ ሲኖዶስ

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ.ፍራንቸስኮስ ብዕለት 15 መስከረም 2018ዓምፈ፡ ዘጽደቝዎ ቍዋም ሕብረት ሓዋርያውያን ጳጳሳት መሰረት፡ ሲኖዶስ ጳጳሳት፡ ኣካል መንነትን ህላውነትን ናይ ቤተክርስትያን እዩ ብዝብል ትርጓሜ ከምዝተሓደሰን ዝዝከር ኮይኑ፡ እዚ ሲኖዶ`ዚ ብፍሉይ ኣብ 3 ነገራት ዘተኮረን፡ እቲ ናይ መጀምርያ ብቅድስነቶም ንሕዝበ-እግዚኣብሔር ዘመልክት ናይ ምስንዳው ክፋል እንክኸውን፡ እቲ 2ይ ክፋል ከኣ፡ ምብዓል ናይ ሲኖዶስ ጳጳሳት እዩ፡ እቲ 3ይ ፍረ ናይ’ቲ ሲኖዶስ ኣብ ግብሪ ንምውዓል፡ ብቅድስነቶም ዝጸድቀሉን፡ መላእ ቤተክርስትያን ንተግባራውነቱ ሃንጎፋ ኢላ እትቕበለሉን ምድረኽ ከምዝኾነ ተሓቢሩ።

እቲ ማእከላይ ክፋል ናይ ምምማይን ምውሳንን ክፋል ኮይኑ፡ ካብ ዝተፋላለዩ ብዙሕነታዊ ድሕረ ባይታታት ዘለዎም ጓሶት ዝሳተፍዎን፡ ኣብኡ ንዝቐርቡ ዛዕባታት በብመኣዝኖም ዝምርምርሉን፡ ሓባራዊ ጥቕሚ ዘነጽርሉን መድረኽ ከምዝኾነ ተገሊጹ።

ተልእኾ ስብከተ ወንጌል ዕላማ ዝገበረ ሲኖዶስ

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ.ፍራንቸስኮስ ኣብ ዕለት 15 ጥቅምቲ 2017ዓምፈ ናይ መልኣኬ እግዚኣብሔር ጸሎቶም፡ ንስብከተ ወንጌልን ጉዳይ ኣተሓሕዛ ሳምቡእ ዓለምና ዝኾነ ኣማዞንን ዝዓለመ፡ ሲኖዶስ ናይ ሃገራት ኣማዞን-ተንከፍ ከምዝጸውዑ ዝዝከር ኮይኑ፡ እቲ ሲኖዶስ፡ ናብ ደቀባት ሕዝቢ ከባቢ ኣማዞን ዝቐንዐ ስብከተ-ወንግጌል ዝካየደሉ ኣገባብ ንኽፍጠር ብሓደ ወገን፡ በቲ ካልእ ወገን ከኣ፡ እቲ ኣብ’ቲ ከባቢ ዝርከብን፡ ሳምቡእ ፕላኔትና ዝኾነን ተፈጥራዊ ጫካ ዝዕቀበሉን ሜላታት ንምድላይ ዝዓለመ ከምዝነበረ ይዝከር።

ኣብ ዙርያ ሕይወት ዝዓዪ ሲኖዶስ

‘እቲ ዛዕባ ብፉሉይ ኣብ ዙርያ ሕይወት ናይ ከባቢ ኣማዞንን፡ ሕዝቢ ኣማዞንን ፡ ኣብኡ እትርከብ ቤተክርስትያንን፡ መላእ ፕላኔትን’ ዘተኮረ ከምዝነበረ እንክፍለጥ፡ ብስምምዓት ናይ መርሓ ግብሪ (Instrumentum laboris) ዝተባህለ ኣብ ዝሓለፈ ዕለት 17 ወርሒ ሰነ ዝወጸ ሰንድ ሲኖዶስ መሰረት ‘ናይ ኣማዞን ሲኖዶስ፡ ሓደ ዓቢ ናይ ግዜና ምልክትን፡ ኣብ ሕድሕዳዊ ርክብ ናይ ሕዝቢ ኣምላኽ ዝተሰረተ ሓድሽ ናይ መንፈስ ቅዱስ ጉዕዞን’  ከምዝኾነ ተፈሊጡ።

ብመንፈስ ቅዱስ ዝተመርሐ ሲኖዶስ

ቅዱስ ኣቦና ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ምስ ቫቲካን ኢንሳይደር ዝተባህለ መርበብ ሓቤሬታ ኣብ ዝገበርዎ ዝርርብ፡ እቲ ሲኖዶስ ‘ናይ ፖሎቲካውያንን ሳይንሳውያንን ወይ`ውን ናይ ፓርላማ ጉባኤ ዘይኮነ፡ እንታይ ድኣ፡ ቤተክርስትያን መሰረት ዝገበረን፡ ንስብከተ-ወንጌል ዝዓለመን ኮይኑ፡ ብመንፈስ ቀዱስ ዝተመርሐ ሓባራዊ ናይ ዕዮ ተልእኾ እዩ’ ክብሉ ንኣገባብን ዕላማም ናይ ሲኖዶስ ኣብሪሆም ከምዝነበሩ ይዝከር።

ብድምጺ ንምክትታል!

 

07 September 2019, 17:41