ድለ

ጸሎተ ፍትሓት ነፍሰኄር ብፁዕ ካርዲናል ዊልያም ጆዘፍ ለቫዳ ኣብ ባዚሊካ ቅ.ጴጥሮስ ጸሎተ ፍትሓት ነፍሰኄር ብፁዕ ካርዲናል ዊልያም ጆዘፍ ለቫዳ ኣብ ባዚሊካ ቅ.ጴጥሮስ 

ጸሎተ ፍትሓት ነፍሰኄር ብፁዕ ካርዲናል ዊልያም ጆዘፍ ለቫዳ ኣብ ባዚሊካ ቅ.ጴጥሮስ

ንጉዳይ እምነት ናይ እትከታተል ናይ ቅድስት መንበር ሓላፊ ዝነበሩ ብፁዕ ካርዲናል ዊልያም ጆዘፍ ለቫዳ ትማሊ ምሸት ኣብ ሮማ ኣብ መበል 83 ዓመት ዕድሚኦም ዓሪፎም። ሎሚ ፍርቂ መዓልቲ ር.ሊ.ጳ ኣብ ዝተረኽቡሉ ሥርዓተ ቀብር ከምዝተፈጸመን ናይ መወዳእታ ፍትሓት ር.ሊ.ጳ ከምዘብጽሑን ተመልኪቱ። ነፍሰኄር ብ2013 ወርሒ ሚያዝያ ንር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮ ንምምራጽ ተገሩ ኣብ ዝነበሩ ጉባኤ ከዝተሳተፉ ይዝከር።

አባ መኰንን አማኑኤል - ከተማ ቫቲካን

ነቲ መሥዋዕተ ቅዳሴ ዝመርሑ ብፁዕ ካርዲናል ታርቺዝዮ በርቶኑ ብኁባሬ ምስ ብዙሓት ካርዲናላትን ሊቃነ ጳጳሳትን ጳሳትን ውሉደ ክህነት እንክኾኑ ኣብ ፍጻሜ ቅዳሴ ከኣ ቅዱስነቶም ናይ መወዳእታ ፍትሓት ማለት ጸሎተ ኣማሕጽኖተ ነፍስን ግብኣትን መሬትን ፈጺሞም። ብሞት ነፍሰኄር ብፁዕ ካርዲናል ዊልያም ጆዘፍ ለቫዳ ቊጽሪ ካርዲናላት ኣብ 212 እንክወርድ ካብዚኦም 118 ር.ሊ.ጳ ክመርጹን ክምረጹን ዝኽእሉ ኰይኖም እቶም ዝተረፉ 94 ከኣ ብናይ ዕድመ ገደብ ምኽንያት ዘይመርጹ እዮም።

ምልክት ኣግልግሎት ኰይና ዝተወፈየት ሕይወት

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ዕረፍቲ ብፁዕነቶም ምስ ተረድኡ ናብ ሊቀ ጳጳሳት ሳን ፍራንሲስኮ ሕቡራት መንግሥታት ኣመሪካ ብፁዕ አቡነ ሳልቫቶረ ጀይ ኮርዲልዮነ ብክታም ዋና ጸሓፊ ቅድስት መንበር ገሮም ናይ ጽንዓት ይሃብኩም ተለግራም ከምዝጸሓፉ ካብ ቅድስት መንበር ዝወጸ ዜና ኣመልኪቱ።

ቅዱስነቶም ኣብ መልእኽቶም ነፍሰኄር ብፁዕ ካርዲናል ዊልያም ለቫዳ ብዓቢ ኣኽብሮት ከምዝዝክርዎምን ንቤተክርስትያን ንዘወፍይዎ ኣገልግሎት ከም ዓቢ ምልክትን ትእምርትን ንመላእ ቤተክርስትያን ከምዝኾነ ገሊጾም። ኣብ ሎስ ኣንጀለስን ፖርትላንድን ሳንፍራንሲስኮን ከም ጳጳስን ሊቀ ጳጳስን ነፍሰኄር ብፁዕ ካርዲናል ለቫዳ ንዝበርከትዎ ካብ ምምሃር ትምህርተ ክርስቶስን ኲስኰሳ መንእሰያት ንክህነትን ክሳብ ምምሕዳር ኣብ ሓዋርያዊ መንበረ ሮሜ ኣብ ቅድስት መንበር ንዘበርከትዎ በብሓደ ብምዝካር ስለኩሉ ነገር ብምዝካር ኣብ ሓዘን መንበረ ሊቀ ጵጵስና ሳን ፍራንሲስኮን መላእ ቤተሰብን ተኻፋሊ ምዃኖም ብምግላጽ ንመዋቲ ዘለዓለማዊ ዕረፍቲ ንቤተክርስትያን ዕብየትን ምዕብልናን ንቤተሰብን ፈተውትን ከኣ ጽንዓት ብምምናይ መልእኽቲ ተለግራሞም ዛዘሙ።

ሓጺር ታሪኽ ነፍሰኄር ብፁዕ ካርዲናል ዊልያም ጆዘፍ ለቫዳ

ናይ ሎስ ኣንጀለስ ሕቡራት መንግሥታት ኣመሪካ መንበረ ሊቀ ጵጵስና ኣብ ዝኾነት ሎንግ ቢች ብዕለት 15 ሰነ 1936 ተወልዱ። ኣብ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ዕለት 20 ታሕሳስ 1961 ዓም መዓርገ ክህነት ተቀበሉ። ንሓሙሽተ ዓመት ኣብ ቊምስናታት ሎስ ኣንጀለስ ኣገልግሉ መጀመርያ ኣብ ቅዱስ ዮሓንስ ዘርኣ ክህነት ትምህርቲ ንባበ መለኮት መሃሩ ጸኒሖም ብ1976 ዓም ንኣገልግሎት ቅድስት መንበር ንእምነት ናይ እትሓሊ መንበር ኣባል ኮኑ። ኣብዚ ግዜ እዚ ኣብ ጳጳሳዊ ዪኒቨርሲቲ ግረጎርያና ትምህርቲ ንባበ መለኮት መሃሩ። ብ1982 ናይ ካሊፎርንያ ረኪበ ጳጳሳት ዋና ኣመሓዳሪ ኮኑ። ዕለት 25 መጋቢት 1983 ር.ሊ.ጳ ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ካልኣይ ሓጋዚ ጳጳስ ናይ ሎስ ኣንጀለስ ሸምዎም። ዕለት 12 ግንቦት ከኣ ተቀብኡ።

ዕለት 1 ሓምለ 1986 ዓም ናብ ግዝኣት ኦረጎን ኣብ እትርከብ ፖርትላንዳ ሊቀ ጳጳስ ኮኑ። ን9 ዓመት እውን ኣገልግሉ። ብ1995 ናይ ሳንፍራንሲስኮ ሊቀ ጳጳስ ኮኑ። እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ካብ 1986 ክሳብ 1993 ንሓዲስ ትምህርተ ክርስቶስ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ኣክብ ዘሰናድው ኮሚሽን እንኮ ኣመሪካዊ ጳጳስ ኰይኖም ተሳተፉ። ኣብ ናይ ቋንቋ እንግሊዝ ሕታም ናይዚ መጽሓፍ መወዳእታ ክፍሊ ትርጉም ቃላት ደሪሶም።

ብ1997 ንኣመሪካ ዝምልከት ፍሉይ ሲኖዶስ ኣብ ቫቲካን ተሳቲፎም ኣባል ቤትምኽሪ ድሕረሲኖዶሳዊ ኮይኖም እውን ተመርጹ። ብ2000 ኣብ ኣመሪካ ኣብ ዝግበር ዘተ ሓድነት ኣንግሊካውያንን ካቶሊክን ካልኣይ ፕረሲደንት ጳጳስ ኮይኖም ተሾሙ። ብወርሒ ሕዳር ከኣ ኣባል እምነት ናይ እትሓሊ ማሕበር ቅድስት መንበር ኮኑ።

ብ2003 ጽምብል ኢዮቤል መበል 150 ዓም መንበረ ሊቀ ጵጵስና ሳን ፍራንሲስኮ ኣወሃሂዶም ንሠለስተ ዓመት ከኣ ኣቦመንበር ረኪበ ጳጳሳት ሕቡራት መንግሥታት ኮይኖም ኣገልገሉ። ዕለት 25 መጋቢት 1983 ር.ሊ.ጳ ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ካልኣይ ሓጋዚ ጳጳስ ሎስ ኣንጀለስ ሾምዎም። 3 ግንቦት 2005 ልሂቅ ር.ሊ.ጳ በነዲክቶስ መበል 16 ሓላፊ ንእምነት እትሓሊ ማሕበር ቅድስት መንበር ሾምዎም። ብ2006 ካርዲናል ሾምዎም። ትማሊ ምሸት ኣብ 83 ዓመት ዕድሚኦም ኣዕሪፎም ሥርዓት ቀብሮም ከኣ ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ኣብ ዝተረኽቡሉ ሎሚ ኣብ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ተፈጺሙ።

ብድምጺ ንምክትታል!
27 September 2019, 18:07