ድለ

2018-03-13 ኣብ ዓመታዊ ዝኽሪ ጵጵስናኦም ምስ ካርዲናላት 2018-03-13 ኣብ ዓመታዊ ዝኽሪ ጵጵስናኦም ምስ ካርዲናላት 

ካብ ኩሉ ወሰናስን ዓለምና ዝተመርጹ ካርዲናላት ንዘተን ተልእኾ ስብከተ ወንጌልን ይጽውዑ!

ትማሊ ብዝወጸ ሓድሽ መግለጺ ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ.ፍራንቸስኮስ መሰረት፡ ከምቲ ልሙድ፡ ኣቡናት ካብ ርሑቕ ናይ ተልእኾ ወንጌል ቦታታት ቤተክርስትያን ምስ ጉባኤ ካዲናላት ክሳተፉ ምዃኖም ተገሊጹ።

ዮናስ ስዩም - ከተማ ቫቲካን

እቲ ምሻም ካርዲናላት ኣብ በዓል ክርስቶስ ንጉስ ናይ ወርሒ ሕዳር ዘይኮነስ፡ ናብ መዓልቲ ቀዳም ዕለት 5 ጥቅምቲ፡ እዚ ማለት ሓደ መዓልቲ ቅድሚ ሲኖዶስ ጳጳሳት ንጉዳይ ኣማዞን ከምዝኾነ ተሓቢሩ።

እዚ ትማሊ ዕለት 1 መስከረም 2019ዓምፈ፡ ብቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ.ፍራንቸስኮስ ኣብ ናይ ፍርቂ መዓልቲ ጸሎተ መልአከ እግዚኣብሔር ከምዝኣወጅዎ እንክንገር፡ 11 ካብ ዝተፋላለዩ ቦታታት ዝመጹ አቡናት፡ መዓርግ ካርዲናልነት ክወሃቡ ከምዝኾነ እንክፍለጥ፡ 8 ካብኣቶም ኣባላት ሉኡኻን ገዳማውያን ከምዝኾኑ ተፈሊጡ።

ቅድስነቶም ከምቲ ኣብ ምጅማር ጵጵስናኦም ዝጀመርዎ ጉዕዞ ምሻም ካርዲናላት ዳግም ብምሕዳስ፡ ኣስማት ተሸየምቲ ብቕልጡፍ ከምዘንበቡን፡ 10 ካብቶም ሕጹያት ተሸያምቲ ትሕቲ 80 ዝዕድሜኦም ኮይኖም፡ ንጡፋት ኣባልት ናይቶም ርእሰሊቃነ ጳጳስ ክመርጹን ከምረጹን ዝኽእሉ ጉባኤ ካርዲናላት ክጽምበሩ ከምዝኾኑ እንክግለጽ፡ እቶም ዝተገረፉ 3 ግን ልዕሊ 80 ዕድመ ዘለዎምን ክመርጹን ክምረጹን ዘይክእሉ ምዃኖም ተገሊጹ።

ብዘይካኦም 3 ጳጳሳት ኣብቲ ብኩርያ ሮማና ዝፍለጥ ኣማኸርትን ተሓጋገዝትን ር.ሊ.ጳ ጉጅለ ኣባላት ኰይኖም ከም ምልክት ሕብረት ምስ ናይ ጳጳስ ሮማን፡ ንእሙንነት ወንጌልን ዘመልክት ቀይሕ ቆብዕ ናይ ሰማዕትነት ክቕበሉ ከምዝኾኑ እንክንገር፡ ንሳቶም ከኣ ፕረሲደንት ናይ ስለውስጠ-ሃይማኖታዊ ዝርርብ ዝሓሊ ጳጳሳዊ ተቍዋም ሚጉወል ኣንጀል ኣዩሶ ጒጾትን፡ ነቲ ተቍዋም ንኽመርሕ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ግምቦት ዝተመርጹን፡ ኣብ ቅድመ ግንባር፡ ናይ ምስ ኣስላምን ካልኦት ሃይማኖታትን ዝግበሩ ዝርርባት ዝመርሑ ኮምቦናዊ ልኡኽ ወድ ስጳኛን፡ ካብ ቅድሚ ሓደ ዓመት ጀሚሮም ኣብ ቅሙጥ ሰነዳትን ቤተ-መጻሕፍትን ናይ ቅድስቲ መንበር ክሰርሑ ዝጸንሑ ፖርቱጋላዊ ካላሳ ደ-መንዶንሳን፡ ከምኡ’ውን ኣብ ካናዳን ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን ዝተማህሩ፡ ወዲ ናይ ቀደም ቸኮዝላቫኪያን ኣባል ማሕበር ኢየሱሳውያንን ዝኾኑን፡ ከም ታሕተዋይ ጸሓፊ ንውሁድ ምዕባለ ወድሰብ ዝሓሊ ክፍሊ ስደተይናታት ኮይኖም ዝሰርሑ ዝጸንሑ ክቡር ኣባ ሚካኤል ቺዘርኒን ከምዝኾኑ ተሓቢሩ።

ኣባ ቺዘርኒ ብዘይካ ኣብ ጉዳይ ስደተይናታት፡ ከም ፍሉይ ጸሓፊ መጠን ኣብ ዝመጽእ ናይ ኩሎም ከባቢ ኣማዞን ጉባኤ ዓቢ ተራ ንኸበርክቱ ትጽቢት ከምዝግበረሎም ተፈሊጡ።

2 ካብቶም 10 ዝምረጹ ካርዲናላት፡ ናይ ሰበኻ ኣባላት ኮይኖም፡ ካብ ሃገረ ስብከታት ናይ ኤውርጳ ዝመጹ’ውን እዮም።  እቶም ካብ ሃገረ ስብከታት ኤውሮጳ ዝመጹ፡ ብዙሕ ግዜ ኣብ ጃፓን ዘገልገሉ ኢየሱሳዊ ብፁዕ ኣቡነ ዣን ክሎድ ሆለሪሽ ካብ ላክሰምበርግን፡ ኢጣልያዊ ብፁዕ ኣቡነ ማተዮ ዙፒ እንክኾኑ፡ 2 ከኣ ካብ ላቲን ኣመሪካ፡ ብፁዕ ኣቡነ ጁዋን ደ’ላ’ካሪዳድ ጋርሲያ ካብ ሃገር ኲባን፡ ብፁዕ ኣቡነ ኣልቫሮ ለዮነል ራማዚኒ ኢመሪ ካብ ሃገር ጓቲማላ፡ ከምኡ’ውን 2 ኣቡናት፥ ካፑቺናዊ ብፁዕ ሊቀ-ጳጳስ ፍሪዶሊን ኣምቦንጎ በሱንጉ ካብ ሃገረ ኪንሻሻን፡ ስጳኛዊ መበቆል ዘለዎም ሊቀ-ጳጳስ ናይ ራባት መሮኮ ዝኾኑ፡ ሳልዝያናዊ ብፁዕ ሊቀ-ጳጳ ክሪስቶባል ሎፐዝ ሮመሮ  ካብ ኣፍሪቃ ከምዝኾኑ ተገሊጹ።

እቲ 10ይ ከኣ እስያዊ መበቆል ዘለዎም ሊቀ-ጳጳስ ናይ ጃካርታ ብፁዕ ኣቡነ ኢግናስዩስ ሱሃርዮ ሃርጆትሞጆ ከምዝኾኑ ተሓቢሩ።

እቶም ልዕሊ 80 ዓመት ዝኾኑ ብቅድስነቶም ዝተረቑሑ ሓደስቲ ካርዲናላት ከኣ፡ ብሪጣንያዊ መበቆል ዘለዎምን፡ ንነዊሕ ግዜ ኣብ ንስለሃይማኖታዊ ውስጠ-ዝርርብ ዝሓሊ ቤት ጽሕፈት ቅድስቲ መንበር ዝሰርሑን፡ ካብ ቀረባ ግዜ ጀሚሮም ግን ከም ኢንድራስዮ ወይ ኑንስዮ ናይ ቅድስነቶም ኮይኖም ኣብ ግብጺ ዘገልገሉ ብፁዕ ሊቀ-ጳጳስ ሚካኤል ሉዊስ ፊዝገራልድ ን፡ ኢየሱሳዊ ልሂቅ ሊቀ-ጳጳስ ካውናስ ኣብ ሊቱወንያ ብፁዕ ኣቡነ ሲጊታስ ታምከቪሲዩስን፡ ከምኡ’ውን ኣብ ራቨና ሃገረ ጣልያን ዝተወልዱን ኣባል ናይ ማሕበር አውጀናውያን ድኻታት ኣገልገልቲ መለኮታዊ ሓልዮት(Eugenio dal corso of the poor servants of divine providence) ዝኾኑ ብፁዕ ኣቡነ አመሪቶስ በንጉወላ ካብ ኣንጎላ ከምዝኾኑ ተሓቢሩ።

እቲ ኣብ ዝመጽእ ዕለት 5 ጥቅምቲ 2019ዓምፈ ዝግበር ወግዓዊ ሽመት ናይ ሓደስቲ ካርዲናላት፡ ብቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ.ፍራንቸስኮስ ካብ ዝተመርሑ ምዕዳል ሽመት ካርዲናላት፡ ንመበል 6ይ ግዜ ኮይኑ፡ እዚ ከኣ ብዕለት 22 የካቲት 2014ዓምፈ፡ ዕለት 14 የካቲት 2015ዓምፈ፡ 19 ሕዳር 2016ዓምፈ፡ 28 ሰነ 2017ዓምፈን፡ ከምኡ’ውን ብዕለት 28 ሰነ 2018ዓምፈን ስዒቡ ዝካይድ ከምዝኾነ ተፈሊጡ።

ብድምጺ ንምክትታል!
02 September 2019, 19:04