ድለ

ኣውዛ፥ ናብ ዓመጽ ዝድርኽ ዘራጊት ምውጋድን ንሰላም ኣብ ልቢ ኵሉ ምዕያይ ኣውዛ፥ ናብ ዓመጽ ዝድርኽ ዘራጊት ምውጋድን ንሰላም ኣብ ልቢ ኵሉ ምዕያይ 

ኣውዛ፥ ናብ ዓመጽ ዝድርኽ ዘራጊት ምውጋድን ንሰላም ኣብ ልቢ ኵሉ ምዕያይ

እቲ ናይ ሞትን ዕንወትን መጋበርያ ኣልቦ እዩ ንምባል ዘኽእል ሰላማዊ ልቢ የድሊ፡ ኣጽዋር ውግእ ብምርጋፍ፡ እዚ ክውን ክኸውን ልቢ ሰብ ኣብ ሰላምን ከይዲ ሰላምን ክህነጽን ኣለዎ፡

ኣብ ውዱብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ናይ ቅድስቲ መንበር ቀዋሚ ሓዋርያዊ ተዓዛቢ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ኣቡነ በርናርዲቶ ኣውዛ፡ ዕለት 11 መስከረም ሰላም ይኹን፡ ናብ ናይ ሰላም ባህሊ ምጉዓዝ ብዝብል ኣርእስቲ ኣብ ኒው ዮርክ ብምኽንያት ዝኽሪ ዕለት 11 መስከረም 2001 ዝተፈጸመ ግብረ ሸበራዊ መጥቃዕቲ ኣብ ዝተኻየደ ብሓባር ኣብ ናይ ሰላም ፍጻመ ተሳቲፎም ነዚ መንቀሊ ገይሮም ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ፡

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ነቲ ለምዘበን መበል 18 ዓመት ዘቑጽር ዘሎ ተዝካር ኒው ዮርክ እናሓሰቡ፡ እቲ ግብረ ሽበራ ዘስካሕክሕ ዓመጽ፡ ዓመጽ ከምዝወልድን፡ ጽልእን ሕነ ምፍዳይን ንናይ ዓመጽ ዓንኬል ዝውሕስ ከምዝዀነን፡ ዓመጽ ኣብ ቀጻልነት ዘንብር ምዃኑ የመላኽት ምስ በሉ፡

ኣጽዋር ውግእን መጋበርያ ሞትን

ኣቡነ ኣውዛ ኣብ 2008 ዓ.ም. በነዲክቶስ መበል 16ን ኣብ 2015 ዓ.ም.  ናይ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ኒው ዮርክ ግራውንድ ዜሮ ዘካየድዎ ምብጻሕ እናሓሰቡ፡ ነቲ ወትሩ ብዓመጽን ዕግርግርን ዝሓመመ ልቢ ሰብ ብናይ ሰላም ባህሊ ክማረኽን ክፍወስን ከምዘለዎ ገሊጾም፡ ሕውነት ናብ ሰላም ዝግበር ጉዕዞ ዝጽግዎ ምዃኑ የብርሁ፡ እቲ ዘገድስ እዚ ክነሱ ኣብ ዓለም እቲ ዓመጽን ንዅሉ ዘዕንው መጋበርያ ሞት ዝዀነ ኣጽዋር ውግእ ብቐሊሉ ምቕራብን ምርካብን፡ ኣብ ሓጺር እዋን ኵሉ ዘጽንት፡ ካብኡ ሓሊፉ እውን ኣብ ድግሚት ውሽጢ ብዙሕት ንሞትን ሕልቂት ጸብጽሕ ኣጽዋር ውግእ ንምምራት ስነ ምርምር ክቀላጠፍን ነዚ ዓይነት ምርምር ማእለያ ዘይብሉ ሃብቲ ገንዘብ ክስላዕ ትርእይ።

ኣብነት ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ሞዛምቢክ

እቲ ናይ ሞትን ዕንወትን መጋበርያ ኣልቦ እዩ ንምባል ዘኽእል ሰላማዊ ልቢ የድሊ፡ ኣጽዋር ውግእ ብምርጋፍ፡ እዚ ክውን ክኸውን ልቢ ሰብ ኣብ ሰላምን ከይዲ ሰላምን ክህነጽን ኣለዎ፡ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንሕዝቢ ሞዛምቢክ ኣብ ዘስምዕዎ ቃሎም፡ እቲ ብዙሕ ምቕሕሓርን ሕልቂትን ዘስዓበ ኩነት ይቕረ ንምብህሃልን ንዳግማይ ዕርቅን ከቢድ ይገብሮ፡ ይኹን ደኣ እምበር እንኰ ናይ ሰላም መገዲ ዝዀን ዕርቅን ምሕረትን ተኻእሊ ዝገበር ጸላኢኻ ኣፍቅር ዝብል ንዝቖሰሉን ንዝተናዕቁን ንድኻታትን ቀረባን ኣፍቃርን ኵን ዝብል ኢየሱስ እዩ፡ እዚ ጐደና ዕርቂ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ልቢ ሰብ እዩ ዝጅምር ኣንክብሉ ዝሃብዎ መግለጺ የጠቓልሉ።

ኣውዛ፥ ናብ ዓመጽ ዝድርኽ ዘራጊት ምውጋድን ንሰላም ኣብ ልቢ ኵሉ ምዕያይ
14 September 2019, 17:46