ድለ

2018.09.21 ብፁዕ ካርዲናል ፕየትሮ ፓሮሊን 2018.09.21 ብፁዕ ካርዲናል ፕየትሮ ፓሮሊን  

ንሥርዓተ ኣምልኾ ብዕምቘት ምጽናዕ ንኣሕዋትና ከምእነፍቅር ይገብረና! ብፁዕ ካርዲናል ፓሮሊን

ዓመት መጸ ኣብዚ ሳምንታት እዚ ዝካየድ ሶሙን ሃገራዊ ጉባኤ ሥርዓተ ኣምልኾ ሃገረ ጣልያን ሎምዘመን እውን ኣብ ከተማ መሲና ይካየድ ኣሎ። ከምቲ ልሙድ ቅዱስነቶም እውን ናብቲ ጉባኤ መልእኽቲ ጽሒፎም። ነቲ መልእኽቲ ዝከተሙ ከኣ ናይ ቅድስት መንበር ዋና ጸሓፊ ብፁዕ ካርዲናል ፕየትሮ ፓሮሊን ምዃኖም ምስዚ ተታሓሒዙ ዝመጸ ዜና ገሊጹ።

አባ መኰንን አማኑኤል - ከተማ ቫቲካን

ብሰላምታ ቅዱስነቶም ዝጀመረት መልእኽቲ ር.ሊ.ጳ ንትርጉም ሥርዓተ ኣምልኾ ዝተፈላለየ ደረጃታቱ ብዕምቖት ክንርድኦን ክነብሮን እንተዀና ነቲ ምልክታዊ ቋንቋ ሥርዓተ ኣምልኾኣዊ ዝኾነ ምልክታት ሥነ ጥበብስ ይኹን መዝሙርን ሙዚቃንስ ይኹን ናይ ሱቚታ ግዜ ክንፈልጦን ክነብሮን የዘኻኽሩ።

ሕዝበ እግዚአብሔር ንሥርዓተ ኣምልኾኡ ‘ከም መራኸቢ ምስ እግዚአብሔርን ምስ ብጾቶምን’ ንክርድእዎን ንከፍቅርዎን ፍሉይ ኲስኰሳ የድልዮም። ነዚ ምስ እንገብር ከምቲ ክርስቶስ ዝእዝዞ ከኣ ንካልኦት ንክነፍቅርን ንከነገልግልን ንዘድልየና ለውጢ ልቢ ክንረክብ ንኽእል። እዛ ንመበል 70 ግዜ ትካየድ ዘላ ሃገራዊ ሶሙን ሥርዓተ ኣምልኾ ሃገረ ጣልያን  ንሎም ዘመን `ሥርዓተ ኣምልኾ ንኩልና ዝኸውን ጻውዒት ናብ ጥምቀታዊ ቅድስና’ ዝብል መሪሕ ቃል ተኣንጊቡ ይካየድ ኣሎ።

ፕረሲደንት ተግባር ሥርዓተ ኣምልኾ ዝኾኑን ናይ ካስተላነታ ጳጳስን ዝኾኑ ብፁዕ ኣቡነ ክላውድዮ ነዚ ጉባኤ ከምዝካይዱ እንክምልከት እታ መልእኽቲ ከኣ ናብኦም እያ።

ንሥርዓተ ኣምልኾ ጸሎት ቤተክርስትያን ኢሉ ዝገልጽ መልእኽቲ ቅዱስነቶም ቀንዲ እጃም ናይዚ ጉባኤ ምእመናን ነዚ ጸሎት ቤተክርስትያን ብዝበለጸ ንምርዳእ ክሕግዞም ነዚ ከኣ ነቲ ዝግበር ሥርዓታትን ትሕዝቶታቶምን ዳግም ብምርኣይን ከምቲ ዝግባእ ጌርካ ብምሥራዖምን ክኸውን የዘኻክር።

ሥርዓተ ኣምልኾ ሓቀኛን ቅኑዕን ዝኾነሉ ነቶም ዝሳተፍዎ ብዝግባእ ብምዂስኳስን ተረዲኦም ክልወጡሉ ዝኽሉ ደረጃ ከምዘስተማቅሩ ምግባርን ኮይኑ ጓሶትን ምእመናንን ትርጉም ሥሮኣተ ኣምልኾ ብዝበለጸ ክርድእዎን ከስተማቅርዎን እንተደኣ ጀሚሮም ነቲ ንሱ ዘቅርቦም ምልክታት እዚ ከኣ ሥነጥበብ ዜማን መዝሙርን ሙዚቃን ኩሉ ንኣገልግሎት እቲ ዝሠርዕዎ ምሥጢር ኰይኑ ነቲ በብግዜኡ ዝግበር ሱቚታውን ከይተረፈ በዚ መንፈስ እዚ ምርዳኡ የድሊ ኢሎም።

ቅድስናን ሥርዓተ ኣምልኾን

ኣብዛ ሶሙን ሥርዓተ ኣምልኾ ሃገራዊ ጉባኤ ከም ማእከላይ ነጥቢ ተወሲዱ ዘሎ ነቲ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ንምሕዳስ ሥርዓተ ኣምልኾ ኣመልኪቱ ዝበሎ ቀንዲ ምትእስሳር ቅድስናን ሥርዓተ ኣምልኾን ዝምልከት እዩ። እዚ ቅድስና እዚ ኣበው ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ሓደራ ዝበልዎን እዚ ቅድስና እዚ ኣብ ዝሥርዓሉ ግዜ ንኩሎም ነቶም ኣብኡ ዝሳተፉ ከምዝቅድስ እዩ። ስለዝኾነ ከኣ ከምቲ ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ዝብልዎ ‘ሥርዓተ ኣምልኾ ንመላእ ሕዝበ ቤተክርስትያን ሕይወት እዩ። በዚ ሥርዓት እዚ እቲ ማንም ክበጽሖ ዘይክእል ቅድስና እግዚኣአብሔር በቲ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ብገጽታ ምሕረት ዘሳትፈና ብነጻ ብፍቅሩ ዝዓደለና ጸጋ ኣብ ሕይወቱ ከምእንሳተፍ ይገብረና።’

ቅዱስነቶም ዝምንየዎ ኣብ ፍጻሜ እዚ ሶሙን ሥርዓተኣምልኾ ቅድስና እግዚአብሔር ናብኡ ዝስሕበና ዝኸበረን ዝለዓለን ፍጻሜ ሥርዓተ ኣምልኾ ምዃኑ ኩሎም ክርድኡን ኣፍልጦ ከብዕዩን እዩ።

ካብ ሥርዓተ ኣምልኮ ከም ጐይታ ንምዃን ለውጢ ይውለድ!

ኣብ ቅዱስ ቊርባን መንፈስ ቅዱስ ኣብ መለኮታዊ ሕይወት ጐይታ ከምእንሳተፍ ይገብረና። እዚ መለኮታዊ ሕይወት እዚ ከኣ ከምቲ ትርኢት ደብረ ታቦር ንመዋትን ድኹምን ኩነትና ከፍቅር ከምዝኽእል ገሩ ከምቲ ክርስቶስ ሕይወቱ ንኣገልግሎት ካልኦት ዘወፈዮ ሕይወትና ንኣግልግሎት ኣሕዋትናን ኣሓትናን ከምእነወፊ ይገብረና። በዚኸስ ንሥርዓተ ኣምልኾ ብምሉእ ርድኢትን መንፈስን ምፍጻም ከምቲ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ዚሓስቦ ክንሓስብ ከምቲ ንሱ ዚገብሮ ዝነበረ ክንገብር የኽእለና። ይልውጠና። ድሕሪ ቢሎም ነቲ ር.ሊ.ጳ ንሥርዓተ ኣምልኾን ሥርዓት ምሥጢራትን ንእትሓሊ ማሕበር ዝበልዎ ማለት ‘ሥርዓተ ኣምልኾ ባዕልኻ እናወደቅካን እናተንሳእካን ትገብሮ ዝይኮነ ብፍቅሪ እናተኣዘዝካ ኣብ ጸሎትን ምስታ ንሕና እንብላ ቤተክርስትያን ተዋሃሃዲካን እዩ ዝግበር’ ስለዚ እታ ማሕበረ ክርስትያን ወትሩ ክትህሉ ኣለዎ ኣነ ዘይኮነ ንሕና ዝብል ሓቀኛ ማሕበረክርስቶስ እዩ ዝፍጽሞን ምልኣት ዝህቦን እንክብሉ ሥርዓተ ኣምልኾ ዝለዓለ ምስ ኣምላኽን ሰብን እንራኸበሉ መንፈሳዊ ሥራሕ ምዃኑ ገሊጾም።

ብድምጺ ንምክትታል!
27 August 2019, 17:53