ድለ

ካተድራል ሆ ቺህ ሚንህ ቬትናም ካተድራል ሆ ቺህ ሚንህ ቬትናም 

ኣብ ከተማ ቫቲካን መንጎ ቅድስት መንበርን ሃገረ ቬትናምን ዘተ ክካየድ እዩ! ሓላፊ ክፍሊ ማሕተም

ካብቲ ቀንዲ ዛዕባታት ርክብ ኣብ መንጎ ክልቲአን ንዘሎ ርክባት ንምጽናዕን ሕይወት ቤተክርስትያን ኣብ ቬትናም ከመይ ከምዘሎን ብዛዕባ እቲ ኣብ ቭየትናም ዝቅመጥ ጳጳሳዊ ወኪል ኩነታት ንምዝታይን ኣብ ርእሲኡ ድማ ኣብ ዝመጽእ ግዝያት ናይ ቅድስት መንበር ብፁዕ ካርዲናል ፕየትሮ ፓሮሊን ኣብ ቬትናም ዝገብርዎ ምብጻሕን እዮም።

ሎሚ ፍርቂ መዓልቲ ናይ ቅድስት መንበር ሕትመት ሓላፊ ብዛዕባ ኣብ መንጎ ቅድስት መንበርን ቭየትናምን ዘሎ ርክብ ነዚ መግለጺ እዚ ሂቦም። ‘ከምቲ ኣቀዲሙ ኣብ መርሓ ግብር ተመልኪቱ ዝነበረ ዕለት 21ን 22ን ነሓሰ ማለት ጽባሕን ድሕሪ ጽባሕን ኣብ ከተማ ቫቲካን ኣብ መንጎ ቅድስት መንበርን ሶሻሊስት ሪፓብሊክ ቬትናምን ርክባት ንምፍጣር ዝሰርሕ ዘሎ ጉጅለ ሥራሕ ሻሙናይ ዋዕላኡ ከካይድ እዩ። እቲ ርክብ ኣብ መንጎ ክልቲአን ንዘሎ ርክባት ንምጽናዕን ሕይወት ቤተክርስትያን ኣብ ቬትናም ከመይ ከምዘሎን ብዛዕባ እቲ ኣብ ቭየትናም ዝቅመጥ ጳጳሳዊ ወኪል ኩነታት ንምዝታይን ኣብ ርእሲኡ ድማ ኣብ ዝመጽእ ግዝያት ናይ ቅድስት መንበር ብፁዕ ካርዲናል ፕየትሮ ፓሮሊን ኣብ ቬትናም ዝገብርዎ ምብጻሕን ክዝትዩ እዮም። ተወከልቲ ቬትናም ብምኽትል ወጻኢ ጉዳይ ሚኒስትር ቶ ኣን ዱንግ እንክምራሕ ናይ ቅድስት መንበር ከኣ ብምኽትል ጸሓፊ ምስ መንግሥታት ናይ ዝግበር ርክባት ክቡር ሞንሲኞር ኣንትዋን ካሚለሪ ክምርሑ እዮም’ ክብሉ ገሊጾም። 

ብድምጺ ንምክትታል!
20 August 2019, 16:40