ድለ

ቨነዝወላ፡ ካርዲናል ፖራስ፥ ኣብ ቅድሚ ዝወደቐ ስርዓተ መንግስቲ ንርከብ ቨነዝወላ፡ ካርዲናል ፖራስ፥ ኣብ ቅድሚ ዝወደቐ ስርዓተ መንግስቲ ንርከብ 

ቨነዝወላ፡ ካርዲናል ፖራስ፥ ኣብ ቅድሚ ዝወደቐ ስርዓተ መንግስቲ ንርከብ

መንግስቲ ኣብታ ሃገር ዝፍጠር ዘሎ ጸገም ኵሉ ናይ ጸላእቲ ሃገር ሓላፍነት እዩ እንክብል ዝገልጾ ምኽኒት ናይ ገዛእ ርእስኻ ሓላፍነት ዘይምቕባል እውን እዩ ዘስምዕ እሞ ናይ ገዛእ ርእሱ ተሓታትነት እውን ብትሕትና ክቕበል ኣለዎ

ሃገረ ቨነዝወላ ናይ ገዛእ ርእሱ ሓላፍነት ብዘይቅበል መንግስቲ ምኽንያት ኣብ ቅድሚ ዝወደቐ ስርዓተ መንግስቲ ንርከብ፡ ኣብ ምኽባር ስብኣዊ ሕይወት ዝረአይ ዘሎ ምጉዳልን ነታ ሃገር ናብ ዝኸፍኤ ደረጃ የብጽሓ እውን ምህላዉ ብፁዕ ካርዲናል ባልታዛር ፖራስ ኮርዶዞ ብዛዕባ ሃገሮም ኣመልኪቶም ምስ ቫቲካን ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ሓቢሮም፡ ኣብ ሃገሮም ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ መላእ ቨነዝወላ ተኸሲቱ ዝነበረ ምቁራጽ መብራህቲ ብሓቂ ሓደ ናይ ውድቀት መግለጺ እዩ ይብሉ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብ ዝሓለፉ መዓልታት እውን መላእ ሃገረ ቨነዝወላ ምቁራጽ ሓይሊ መብራህቲ ከምዘጋጠማን፡ ኣብ ቨነዝወላ እትርከብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ነቲ ንዝተፈላለየ ጸገም ዝቃላዕ ዘሎ ህዝቢ ቀረባ ብምዃን፡ እቲ ዕለት 22 ሓምለ 2019 ዓ.ም. ኣብ መላእ እታ ሃገር ዕለት 23 ሓምለ ኣብ ገለ ገለ ዞባታት ዘጋጠመ ምቁራጽ መብራህቲ ምኽንያት መንግስቲ ናይ ኣገልግሎት መውሃቢ ተቕዋማት ንሕዝቢ ግቡእን ዘድልን ኣገልግልግሎት ኣብ ምቕራብ ክመርሖ ከምዘለዎ ካብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ቨነዝወላ ጻዋቲ ከምእተመሓላለፈ ክፍለጥ እንከሎ፡

ናይ መሪዳ ሊቀ ጳጳስን ናይ ካራካስ ሓዋርያዊ መስተናብር ሊቀ ጳጳስ ብፁዕ ካርዲናል ባልታዛር ኤንሪከ ፖራስ ካርዶዞ ምስ ቫቲካን ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት፡ ተደጋጋሚ ዝርአይ ዘሎ ምቁራጽ መብራህቲ ከይህሉ መንግስቲ ናይ ሕዝቢ መውሃቢ ኣገልግሎት ውሑስ ክገብር ኣለዎ፡ መንግስቲ ኣብታ ሃገር ዝፍጠር ዘሎ ጸገም ኵሉ ናይ ጸላእቲ ሃገር ሓላፍነት እዩ እንክብል ዝገልጾ ምኽኒት ናይ ገዛእ ርእስኻ ሓላፍነት ዘይምቕባል እውን እዩ ዘስምዕ እሞ ናይ ገዛእ ርእሱ ተሓታትነት እውን ብትሕትና ክቕበል ኣለዎ፡ ስለዚህ ምቁራጽ መብራህቲ ቨነዘወላ ትሮፒካላዊት ሃገር ብምዃና መብዛሕቲኡ ዞባታት ክብ ዝበለ ናይ  ሙቐት መጠን ዘለዎ እዩ፡ ስለዚህ ምቁራጽ መብራቲ ክሳብ ክንደይ ንዝተፈላለየ ሓደጋ ዘቃልዕ ምዃኑ ንምግማት ዘጸግም ኣይኰነን ይብሉ።

መንግስቲ ቨነዝወላ ናይ መላእ ሕዝቢ መሰረታዊ ጥቕሚ ውሑስ ኣብ መግባር ሓላፍነቱ ዝጐደለን ምምሕያሽ ዘየርኣየ ስርዓትን ዝወደቐ መንግስትን ኰይኑ ኣሎ፡ ምዝ እዚ ተተሓሒዙ እውን ኣብታ ሃገር ዝረአይ ዘሎ ዝውውር ዕጸ ፋርስን ግብረ ሽበራን እውን ናብ ዝገደደን ዝኸፍኤን ማሕበራውን ሰብኣውን ቅልውላው ንኸተብል ይድርኻ ከምዘሎ ገሊጾም፡ መንግስቲ ናይ ገዛእ ርእሱ ሓላፍነት ክፍጽምን ክኽብርን ኣለዎ ምስ በሉ ኣስዒቦም እቲ ኣብ ቨነዝወላ ዘሎ ሽግር መንቀሊ ውሽጣዊ ጉዳይ ጥራሕ ዘይኰነ ነቲ ኩሉ ህልው ኩነታት እታ ሃገር ርኢኻ ብሔራውን ላቲን ኣመሪካዊ ማዕቅፍ ዘለዎ ጥራሕ ዘይኰነ ክንየው ክፍለ ዓለም ላቲን ኣመሪካ ዝዀነ መንቀሊ ዘለዎ እውን እዩ ኢሎም። ኣብ ቨነዝወላ ዘሎ ማሕበራውን ፖለቲካውን ኤክኖሚያውን ጸገም ፍታሕ ክረክብ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ቅድሚ ክልተ ሰናብቲ ኣብ ዘዕረገዎ ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር ምእንቲ ቨነዝወላ ከምዝጸለዩ ኣዘኻኺሮም፡ ደላይ ሰላም ጥራሕ ዘይኰነ ሰራሕ ሰላም ምዃን የድሊ፡ እብዚ መዳይ ኩሉ ከከም ሓላፍነቱ ክዋሳእ ጻውዒት ኣቕሪቦም ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ዛዚሞም።

ቨነዝወላ፡ ካርዲናል ፖራስ፥ ኣብ ቅድሚ ዝወደቐ ስርዓተ መንግስቲ ንርከብ
26 July 2019, 17:02