ድለ

2019.05.20 Amazzonia Brumadinho miniere Brasile visita mons. Duffé 2019.05.20 Amazzonia Brumadinho miniere Brasile visita mons. Duffé 

ሲኖዶስ ዛዕባ ኣማዞን፡ ናብ እትስባእ ቤተክርስቲያን ዝመርሕ ሓድሽ ፍኖት

እቲ ኣብ ብራዚሊያ ናይ ቅድመ ሲኖዶስ ሓሙሽተ ኣባላት መማክርት ብፁዓን ጳጳሳት ዝርከብዎም ብጠቕላላ 23 ብፁዓን ጳጳሳት ኣሳቲፉ ዝተኻየደ ዓውደ መጽናዕቲ

እቲ ኣብ ቀረባ እዋን ወግዓዊ ዝዀነ ናይቲ ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ ካብ ዕለት 6 ክሳብ ዕለት 27, 2019 ዓ.ም. ኣብ ሃገረ ቫቲካን ብዛዕባ ኣማዞን ዝመክር ቅዱስ ኣቦና ዝጸውዕዎ ሲኖዶስ ናይ መዛተዪ ሰነድ ማእከል ዝገበረ ዓውደ መጽናዕቲ ኣብ ብራዚል ከምእተኻየደ ብዛዕባ እቲ ዕለት 18 ሓምለ 2019 ዓ.ም. ዝተዛዘመ ዓውደ መጽናዕቲ ኣማእኪሎም ብፁዕ ኣቡነ ኣድሪያን ኮካ ምስ ቫቲካን ረዲዮ ኣግልግሎት ክፍሊ ዜና ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ሓቢሮም፡ እቲ ሲኖዶስ ኣዚያ ናብ እትስገው ቤተ ክርስቲያን ዝመርሕ ሓድሽ ፍኖት ዘመላኽት እዩ ኢሎም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ጭቡጥ ኩነታት ከባቢ ኣማዞን ንምልላይን ኣብ ኣማዞናዊ ከባቢ ዘሎን ምስቲ ከባቢ ዝተተሓሓዘ ዝተሓላለኸ ብድሆታትን መሳቕላትን ንምግጣም ዘይትፈርሕ ኣብ ትስብእታውነት እትዓቢይ ቤተ ክርስቲያን ንምስትውዓል ሓቒኑ ዝተኻየደን ብናይ ከባቢ ኣማዞናዊ መርበባዊ ርክብ ቤተ ክርስቲያንን ናይ ኣስፍሆተ ወንጌልን ሕንጻት ኣሕዛብን ኣገልግሎት ማእከላትን ብምትሕብባር ዝተሰናደው ዓውደ መጽናዕቲ

ሲኖዶስ ዛዕባ ኣማዞን፡ ናብ እትስባእ ቤተክርስቲያን ዝመርሕ ሓድሽ ፍኖት

ናይ ድኻታት ገዓር

ሰለስተ ዓበይቲ ሕቶታት ብቐረባ ብምምልካት፡ ንናይ ኣማዞን መሬትን ድኻታትን ገዓር ኣብ ማዕቅፍ እቲ ኣብዚ እዋንዚ ኣብ ልዕሊ ኣማዞን ዝፍጸም ዘሎ በደል ከመይ ገርካ ምስትውዓልን እቲ ናይቲ ከባቢ ደቀባት ሕዝቢ ሚዛኑ ዝሓለወ ምስቲ ከባቢ ዝተሳነየ ዓይነት ኣነብብራ ብውልቃዊ ናይ ዓበይቲ ህብረ ትካላትን ኤኮኖሚይውን ናይቲ ከባቢ ህዝቢ ግምት ዘይህብን ዘይጽምብርን  ረብሓታትንን መኽሰብን ጥራሕ ብዝብል ምርጫ ንሓደጋ ዝተቓልዔን ምዃኑ ነዚ ኣማእኪሉ ዝተመያየጠን፡ ካልኣይ መስቀላዊ ሕቶ፥

ብዙሕነት ተልእዀ

ብዙሕነት ናይ ኣገግሎት ጸዋዕታን ግደ ደቀንስትዮን ዝምልከት ኰይኑ፡ ከባቢ ኣማዞን ብዋሕዲ ካህናት ዝተጠቕዔ ብምዃኑ፡ ነዚ ጸገም’ዚ ንምፍታሕ እቲ ከባቢ ብዘይ ቅዳሴን ብዘይ ሰራዔ ቅዱሳት ምስጢታን ንኸይተርፍ፡ ብስልጣን ቤተ ክርስትያን ብናይ ቤተ ክርስቲያን መምዘንታት ዝሕረዩን ፍሉይን ግቡእን ምቅርራባት ዝገብሩን እዚ ማሕበረሰብ ክርስቲያን ኣማዞን ብዘይ ቅዱስ ቁርባን ከይተርፍ ዝብል ኣብቲ ናይ መዛተዪ ሰነድ ዝተነብረ ሓሳብ ብሰፊሕ ዝዳህሰሰ ዓውደ መጽናዕቲ ከምዝነበረ ብፁዕነቶም ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ገሊጾም።

እቲ ሳልሳይ መስቀላዊ ሕቶ፥ ይብሉ ብፁዕ ኣቡነ ኣድሪያን ኮካ፥

ከተማዊ ዓለምን ንጡፍ ማሕበረሰብን

እቲ ሰማንያ ሚእታዊ ዝግመት ሕዝቢ ኣማዞን ካብ ከባቢኡ ተሰኢዱ ኣብ ከተማታት ፋሕ ዝበለ እዩ፡ ነዚ ኣማዞናዊ ስደተይና ከይንጸልን ኣብ ድኽነትን ምዝመዛን ከይወድቕን ነቶም ድሮ ኣብ ሕሱም ድኽነት ንዝርከብ ቀረባ ብምዃን፡ ነቲ ግብረ ገብ ዝንጽልን ኣህላኽነት ዘስፍሕ እዋናዊ ባህሊ ንኽገጥምን ኣብዚ መዳይ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ብዝሃነ ሃይማኖታዊ መግለጽን ከመይ ምንባርን ዝብል ሕቶ መሰረት ገይሩ ዝመኸረ እውን ምዃኑ ሓቢሮም፡

ንድምጺ እግዚኣብሔር ምክልኻል

እቲ ኣብ ብራዚሊያ ናይ ቅድመ ሲኖዶስ ሓሙሽተ ኣባላት መማክርት ብፁዓን ጳጳሳት ዝርከብዎም ብጠቕላላ 23 ብፁዓን ጳጳሳት ኣሳቲፉ ዝተኻየደ ዓውደ መጽናዕቲ፡ እቲ ዛዕባ ኣማዞን ዝዝትይ ሲኖዶስ ናይ እግዚኣብሔር ድምጺ ጽን ንምባል ዝሓቀነ ምዃኑ ከምዘስመረሉን፡ ስለዚህ ካብ ቲዮሎጊያ ደቀባት ናብ ኢንዶስ ቲዮሎጊያ ዘሰንይን እቲ እግዚኣብሔር ብናይቲ ከባቢ ሕዝቢ ኣቢሉ ዘቕርቦ ጻውዒት ዘማእከለ ቲዮሎጊያ በቲ ናይ መዛተዪ ሰነድ መሰረት ንምንባብ ዝመኸረ ዓውደ መጽናዕቲ ከምዝነበረ ኣፍሊጦም።

ሲኖዶስ ዛዕባ ኣማዞን፡ ናብ እትስባእ ቤተክርስቲያን ዝመርሕ ሓድሽ ፍኖት

Photogallery

ሲኖዶስ ዛዕባ ኣማዞን፡ ናብ እትስባእ ቤተክርስቲያን ዝመርሕ ሓድሽ ፍኖት
19 July 2019, 18:02