ድለ

ሲኖዶስ፥ ቅዱስ ኣቦና ናብ ሃገራት ከባቢ ኣማዞን ዘብጽሕ ብሓጺር ማዕበል ፈነው ቫቲካን ኣገልግሎት ዜና ሲኖዶስ፥ ቅዱስ ኣቦና ናብ ሃገራት ከባቢ ኣማዞን ዘብጽሕ ብሓጺር ማዕበል ፈነው ቫቲካን ኣገልግሎት ዜና 

ሲኖዶስ፥ ቅዱስ ኣቦና ናብ ሃገራት ከባቢ ኣማዞን ዘብጽሕ ብሓጺር ማዕበል ፈነው ቫቲካን ኣገልግሎት ዜና

ናይታ ሃገር ሕዝቢ ከባቢ ኣማዞን ፍሉዩ ቆላሕታ ብምግባር ብጠቕላላ ናብቲ 25 ሚሊዮን ሕዝቢ ዝቕመጠሉ ሳንብኡ ዓለም ተባሂሉ ናብ ዝግለጽ ከባቢ ኣማዞን ብሓጺር ማዕበል መደብ ፈነወ ራዲዮ

ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ቫቲካን መደብ ቋንቋ ፖርቱጋል - ብራዚል ብሓጺር ማዕበል መደብ ፈነው ናብ ከባቢ ሃገራት ኣማዞም ከምዝጀመረ ክሕበር እንከሎ፡ ናብ ብራዚል ናይ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ቃል ዘብጽሕ ቫቲካን ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ንልዕሊ 61 ዓመት ዝህቦ ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና መደብ ቋንቋ ፖርቱጋል ናብ ብዝራዚል ብሓጺር ማዕበል ዘመሓላልፎ ዝነበረ ፈነወ ዳግም ናብ ሃገራት ከባቢ ኣማዞን ብዝብል መደብ ከምዘበገሶ ተገሊጹ።

መደብ ቋንቋ ፖርቱጋል - ብራዚል ብሓጺር ሞገድ ዘመሓላልፎ ዝነበረ መደብ ብስነ ኣሓዝ ብዝተራቀ ናይ መራኸቢ ብዙሓን ስልቲ ተኪኡ ድሕሪ ምጽናሕ እዚ ከምዘለዎ ኰይኑ ራዲዮ ቫቲካን -  ቫቲካን ነውስ ናብ ሃገራት ከባቢ ኣማዞን ብሓጺር ማዕበል፡ ሓድሽ ፈነወ ራዲዮ ከምዝጀመረ ነበስር።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ  - ሃገረ ቫቲካን

ዛዕባ ኣማዞን ዝመክር ናይ ከባቢ ሃገራት ኣማዞን ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ሲኖዶስ ካብ ዕለት 6 ክሳብ ዕለት 27 ጥቅምቲ 2019 ዓ.ም. ንኽካየድ ቅዱስ ኣቦና ከምዝወሰኑን፡ እዚ ሲኖዶስ እዚ ዝካየደሉ እዋን ራዲዮ ቫቲካን - ቫቲካን ነውስ ናብታ ሎሚ እውን እንተዀነ ምስቲ ዘለዋ ምዕባለ ተተሓሒዙ ብራዲዮ ሓበሬታ ናብ ዝረክብ ናይታ ሃገር ሕዝቢ ከባቢ ኣማዞን ፍሉዩ ቆላሕታ ብምግባር ብጠቕላላ ናብቲ 25 ሚሊዮን ሕዝቢ ዝቕመጠሉ ሳንብኡ ዓለም ተባሂሉ ናብ ዝግለጽ ከባቢ ኣማዞን ብሓጺር ማዕበል መደብ ፈነወ ራዲዮ ቫቲካን ብቋንቋ ፖርቱጋል - ብራዚል ብምብጋስ ነቲ ኵሉ ናይ ክርስቶስ መልእኽቲ ክበጽሖ መሰልን ክብርን ዘለዎ ዝብል ርድኢት ኣብ ግብሪ ዘውዕል እዩ።

ራዲዮ ቫቲካን ዕለት 12 ለካቲት 1931 ዓ.ም. ዝተመስረተ ክኸውን እንከሎ መደብ ቋንቋ ፖርቱጋል - ብራዚል ኣብ ወርሒ መጋቢት 1958 ዓ.ም. ብትኽክል ድሕሪ 27 ዓመት ምስረታ ራዲዮ ቫቲካን ዝተጀመረ ኰይኑ ናይ ቤተ ክርስቲያንን ናይ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ስልጣናዊ ትምህርትን ዛዕባ ኣቢያተ ክርስቲያን ዝምልከቱ ዜናታትን ኩነታት ዓለም ብመንጽር ቅድስቲ መንበር ብምዝርጋሕ ራዲዮ ቫቲካን ክፍሊ ብራዚል ካብ ፒዮስ መበል 12 ክሳብ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፡ ሸውዓተ ኣርእስተ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ ታሪኹ ዘሕለፈን፡ ኣብዚ እዋንዚ ብራዚሊያውያን ጋዜጠይናታት ራዲዮ ቫቲካን - ቫቲካን ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ብራዲዮን ብመርበብ ሓበሬታን ብማሕብራዊ መራኸቢ መረብትን ብምጥቃም ሰፊሕ መደብ ፈነወ ከምዘቕርቡ ይፍለጥ።

ኣብ 2008 ዓ.ም. ብምኽንያት መበል 50 ዓመት ምጅማር መደብ ራዲዮ ቫቲካን ብራዚል በነዲክቶስ መበል 16 ንራዲዮ ቫቲካን ክፍሊ ብራዚል ኣብ ምስፋሕ ወንጌልን ሱታፌ ኣቢያተ ክርስቲያን ብምንቕቓሕን ኣብ መንጐ ሕዝቢ ብራዚል ቤተ ክርስቲያን ጽኑዕ ሱታፌ ህልው ንምግባር ዝገበሮ ጻዕሪ ዝነኣድ እዩ ቢሎም ብምምስጋን ዝህቦ ኣገልግሎት ክቕጽል ተላብዮም ከምዝነበሩ ይዝከር።

ሲኖዶስ፥ ቅዱስ ኣቦና ናብ ሃገራት ከባቢ ኣማዞን ዘብጽሕ ብሓጺር ማዕበል ፈነው ቫቲካን ኣገልግሎት ዜና
16 July 2019, 17:16