ድለ

ብፁዕ ኣቡነ ካሚለሪ፡ ኣሳዶ ብሃይማኖት ዘሰንብድ ጭቡጥ ኩነት እዩ ብፁዕ ኣቡነ ካሚለሪ፡ ኣሳዶ ብሃይማኖት ዘሰንብድ ጭቡጥ ኩነት እዩ 

ብፁዕ ኣቡነ ካሚለሪ፡ ኣሳዶ ብሃይማኖት ዘሰንብድ ጭቡጥ ኩነት እዩ

እቶም ናይቲ ኣብላጺ ክፍሊ ሕብረተሰብ ወገን ዘይኰኑ ማሕበርሰብ ወይ ሰባት መንግስቲ ነቲ ኣብላጺ ሃይማኖት ሓለፋ ዝብልን ወጋንን ከምዝዀነ ክስምዖም ንዝገብር ሓደጋ የቃልዕ

ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ ወጻኢ ጉዳይ ርክባት ምኽትል ዋና ጸሓፊ ናይ ሃይማኖት ናጽነትን ኣብ ልዕሊ ክርስቲያን ዝፍጸም ኣድልዎን ከምኡ እውን ኣብ ዓለም ዝረአይ ዘሎ ብሔርተይናውነትን ጸንፈይናነትን ሰብኣዊ ክብሪ ዝጐድእ ምዃኑ ይገልጹ፡

ዕለት 16 ሓምለ 2019 ዓ.ም. ሮማ ኣብ ዝርከብ ባሲሊካ ቅዱስ በርጠለመዎስ ኣብ ልዕሊ ክርስቲያን ዝፍጸም ኣሳዶን ኣድልዎን ዝድህስስ መጽሔት ኣማእኪሉ ኣብ ዝተኻየደ ርክብ ተሳቲፎም ዘረባ ዘስምዑ ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ ወጻኢ ርክባት ጉዳይ ምኽትል ዋና ጸሓፊ ብፁዕ ኣቡነ ኣንቶይነ ካሚለሪ፥ ኣብ ልዕሊ ክርስቲያን ዝፍጸም ኣሳዶ ብፍላይ ኣብቲ ማሕበረ ክርስቲያን ኣብላጺ ኣብ ዘይኰነሉ ከባቢ ዓለም ዝወርዶ መከራን ኣድልዎን ክንየው ትእምርታዊ ሕቶ ዝኸይድ ዓቢይ ናይ እምነት ምስክርነትን እዚ ኣብ መንጐ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ሰላማዊ ናይ ሓባር ናብራ ተኻኣሊ ዝኸውን ናይ ሰብኣዊ ፍጥረት ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ኣብ ምኽባር ምዃኑ ዝሕብር እዩ ከምዝበሉ ልኡኽ ጋዜጠይና ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ቫቲካን ሚከለ ራቪያርት ሓቢሮም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ብፁዕ ካሚለሪ ኣስዒቦም፡ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብምኽንያት ሓፈሻዊን ሓባራውን ዘይተገዳስነትን ሸለልተይናነትን ዝፍጸም ግብረ ምጽናት ቢሎም ክምዝገለጽዎ፡ ህላዌ ክርስቲያን ንምሕኻኽን ኰነ ተባሂሉ ብኣገባብ ካብ ሕብረተሰብን ካብ ባህልን ካብኡ ሓሊፉ እውን ካብቲ ናይ እምነት ክርስቲያን ኣናስር ዝዀነ ከባቢ ዓለም ንምጥፋእ ዝፍጸም ኣሳዶ ዘሰንብ ጭቡጥ ተግባር እዩ ከምዝበሉ ራቪያርት ይሕብሩ።

ንዝኣምን ዘይምኽባር

ኣሳዶን ኣድልዎን ዓመጽን ኣብ ልዕሊ ዝኰነ ይኹ ሰብኣዊ ፍጥረት ዝፍጸም ብፍላይ ብእምነትን ሃይማኖትን ምኽንያት ምፍጻም ብግብረ ገብ ተቐባልነት ዘይብሉ ኢግብረ ገባዊ ተግባር እዩ፡ ኣብ ዝሓለፉ ናይ መወዳእታ ዓመታት ብኣሸበርትን ብጉጅለ ጸንፈይናታትን ደረቐይናውያንን መኽረርትን ነቲ ካብቲ ናቶም ዝተፈልየ ሃይማኖት ዝስዕብ ወይ ፍልይ ዝበለ ኑዛዜ ኣምነት ዘለዎ ምንም ዓይነት ኣኽብሮት ዘይብሎም ብጉልባብ ሃይማኖት ዝፍጸምዎ መጥቃዕቲ ርእዩ ከምዝዀነን እዚ ኸኣ ኣብ ዝተፈላለየ ክፍሊ ዓለም ንዝተፈላለዩ ማሕበረሰብ ሃይማኖት ዝትንክፍ ክስተት እዩ ከምዝበሉ ዝሓበሩ ራቪያርት ኣስዒቦም፡

ዓቢይ ጻዕሪ ካብ መንግስታት

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 4 ለካቲት 2019 ዓ.ም. ኣብ ኣቡ ዳቢይ ምብጻሕ ኣብ ዘካየድሉ እዋን፡ መኽረርትን ጸንፈይናውያን ሃይማኖት ዘይምልከት ክንየው እቲ ንሶም ዝፈጥርዎ ጸገም ካልእ ኣብ ልዕሊ ሃይማኖት ዝፍጸም ፖለቲካዊ ጽልዋ እውን ከምዘሎን፡  መጋበርያ ፖለቲካ ንምግባር ዝፍጸም ፈተነ ከምዘሎ ዝገለጽዎ ሓሳብ ብፁዕነቶም ኣብ ዘስምዕዎ መደረ ጠቒሶም፡ መንግስታት ናይ ሃይማኖት ናጽነት ኣብ ምኽንባርን ንኽኽበርን ብሃይማኖት ምኽንያት ዝፍጸም ኣሳዶን መከራን ንምውጋድ ክሳብ ክንደይ ከምዝጸዓሩን ከምዝጽዕሩን ገዛእ ርእሶም ክሓቱ ግድን ኽከውን እናተገበኦ፡ ብዙሕ እዋን ነቲ ዝፍጸም ኣሳዶ ከመኽንዩ ኰነ ኩኑን ክብሉ ኣይረኣዩን፡ ብኻልእ መዳይ ፖለቲካዊ ድዩ ኤኮኖሚያውን ንግዳውን ወተሃደራውን ንግድን ወይ ውን እቲ ናይ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን መሰረት ዝዀነ ናይ ሃይማኖት ናጽነት ክገሃስ እናረኣዩ ከምዘይረኣዩ እናሰምዑ ከምዘይሰምዑ ከይኖም ይርከቡ።

ንዅለን ሃይማኖታት ዝትንክፍ እዩ

እቶም ገበነይናታት ብዘይ ተሓታትነት ክነብሩን ወይ በቲ ዝፍጽምዎ ገበን ምኽንያት ዓለም ሓቆፍ ማሕበረሰብ ቁሩብ ናይ ምስንባድን ሕፍረትን ርእስኻ ናይ ምንቕናቕ ተግባር እንተዘይኰነ ነዚ ክስተት እዚ ብዙሕ ኣተኵሮ ክገብረሉ ኣይረኣይን፡ ስለዚህ ቅድስቲ መንበር እቲ ሃዋኺ ዝዀነ ብሃይማኖት ምኽንያት ዝፍጸም ኣሳዶን መከራን ኣብ ልዕሊ ክርስቲያን ስለ ዝፍጸም ጥራሕ ዘይኰነ ኣብ ልዕሊ ዝዀነ ይኹን ሃይማኖት ዝፍጸም ኵሉ ኣዚዩ ከምዘሰክፋ ትገልጽ፡ ደጋጊማ እውን ጻውዒት ተቕርብ። ከምዚ ዓይነት ኣሳዶ ኣብ ልዕሊ ነቲ ንናይ ሰብኣዊ ክብርን መሰልን መሰረት ኣብ ዝዀነ ናጽነት ዝወርድ መጥቃዕቲ እዩ፡ ብፍላይ መግረፍትን ሞትን ዝወርዶም ማሕበረ ክርስቲያን ንኣና ነቶም ምስቶም ዝሳደዱ ማሕበረ ክርስቲያን መንፈሳዊ ምትእስሳር ንዘሎና እውን ዓቢይ ስቓይ እዩ ከምዝበሉ ራቪያርት ይገልጹ።

ኣብ ልዕሊ ናይ ሃይማኖት መራሕቲ ዝፍጸም ግብረ ጠቐነ

ሳሕቲ እቲ ኣብ ልዕሊ ሃይማኖት ዝፍጸም ኣሳዶን ኣብቲ ስርዓት ደሞክራሲ እውን ጽኑዕ ኣብ ዝዀነሉ ከባቢ ዓለም እውን ኣብ ልዕሊ ናይ ሃይማኖት መራሕቲ ዝፍጸም ግብረ ጠቐነን ናይ ሃይማኖት መራሕቲ ብዛዕባ ናይ እምነት መሰረታዊ መርገጽን ብዛዕባ ሕይወትን መርዓን ስድራ ቤትን ኣብ ዝምልከት ጉዳይ ብዘቕርብዎ መሰረታዊ ትምህርቲ ምኽንያት ነዚ ብምቅዋም ብዘይ ምንም መርትዖ ገበነይናታት ገርካ ንምቕራብ ብዝግበሩ ፈተናታት ዝፍጸም እናዀነ ፍልይ ብዝበለ ኣገባብ ክብ እናበለ እዩ ዝኸይድ ዘሎ።

ሓደ ናይ ሓድነትን ሰላምን ረቛሒ

ናይ ሃይማኖት ናጽነት ባህላውን ሕጋዊ ሕቶን ጥራሕ ዘይኰነ ኣብ ናይ ሰብኣዊ ክብሪ ዝሰረጸ፡ ነቲ ብሓይሊ ወይ ብጸቕጢ መልክዕ ናይ ዘይቐርብ ሓቂ መግለጺ ኵነት እውን እዩ። በዚ ምኽንያት’ዚ ሃይማኖት ኣብ ሰብኣዊ ስድራ ንናይ ሓባር ጥቕሚ ድልያ ብዘተ ኣገባብ ዘበራትዕ ንሓድነትን ሰላምን ዘገልግል ሓደ ረቛሒ እውን እዩ።

ናይ ዜጋታት ማዕርነት

ኣብ መንጐ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ከምኡ እውን ኣብ መንጐ ዝተፈላለያ ባህልታት ዝግበር ዘተ ዝፍጸም ኣሳዶን ንምብዳህን ኣብ መንጐ ዜጋታት ማዕርነት ክህሉ ዝብል ከይድን ንናይ ዜጋታት ማዕርነት ኣፍልጦ ምሃብ ኣዚዩ ኣገዳሲ እዩ፡ ኩሉ ዜጋ ማዕረ እዩ፡ ኣብ ገለ ገለ ሃገራት ዝረአይ ብሄርተይናውነት ሃይማኖታዊ መንነት ንምርግጋጽ ዝፍጸም ኣጥቃዒ ተግባር ክሕወሶ እንከሎ ብቐሊሉ ናብ ናይ ሃይማኖት ኣኽራርነት የብጽሕ፡ እቶም ናይቲ ኣብላጺ ክፍሊ ሕብረተሰብ ወገን ዘይኰኑ ማሕበርሰብ ወይ ሰባት መንግስቲ ነቲ ኣብላጺ ሃይማኖት ሓለፋ ዝብልን ወጋንን ከምዝዀነ ክስምዖም ንዝገብር ሓደጋ የቃልዕ እንክብሉ ዘስምዖ መደረ ከምዘጠቓለሉ ራቪያርት ሓቢሮም።

ብፁዕ ኣቡነ ካሚለሪ፡ ኣሳዶ ብሃይማኖት ዘሰንብድ ጭቡጥ ኩነት እዩ
17 July 2019, 16:37