ድለ

ውዕሊ ላተራነንሰ፥ ኣብ ዝኽሪ መበል 90 ዓመትi ውዕሊ ላተራነንሰ፥ ኣብ ዝኽሪ መበል 90 ዓመትi 

ውዕሊ ላተራነንሰ፥ ኣብ ዝኽሪ መበል 90 ዓመት

ናይ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሉኣላዊ ሃገር ቡዙሕ ወሳኒ ተግባራት ፈጺሙ እዩ፡ ንኣብነት ብፋሺስታዊ ፖለቲካ ዝህደኑ ዝነበሩ ኣብ ቀዳማይን ደሓር እውን ኣብ ካልኣይ ውግእ ዓለም ብፖለቲካ ምኽንያት ዝሳደዱ ንዝነበሩ ዑቕባ ክሳብ ምሃብ እውን ከይዱ እዩ

ካብ 1929 – 2019 ዓ..ም. ኣብ ዝኽሪ መበል 90 ዓመት ውዕሊ ላተራነንሰ ብዝብል ኣእርስቲ ጳጳሳዊ ናይ ስነ ታሪኽ ስነ ምርምር ሽማግለ ኣቦ መንበር ኣባ በርናርድ ኣርዱራ ኣወሃሃድነት ዝተደርሰ ነቲ ውዕሊ ብዝተፈላለየ ናይ ስነ ምርምር ክፍለ መጽናዕትታት ዝድህስስ ብናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ብፁዕ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን ዝተደርሰ መቕድም ዘጠቓለለ መጽሓፍ ንንባብ ከምዝበቕዔ ሎ ሶርቫቶረ ሮማኖ እተሰምየ ናይ ቅድስቲ መንበር ዕለታዊ ጋዜጣ ኣብ ናይ ዕለት 10 ሓምለ 2019 ዓ.ም. ሕትመቱ ሓቢሩ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

እቲ መጽሓፍ ዕለት 12 ለካቲት 2019 ዓ.ም. ኣብ ጳጳሳዊ ኤውሮጳዊ ተቕዋም ኣብ ውዕሊ ላተራነንሰ ኣማእኪሉ ናይ ዝተኻየደ ናይ ክቢ ጠረጴጥዛ ምይይጥን ዓውደ ጉባኤን ውጽኢት ክኸውን እንከሎ፡ ብፁዕ ካርዲናል ፓሮሊን ኣብ ዝደረስዎ መቕድም፥ እቲ ዕለት 11 ለካቲት 1929 ዓ.ም. ኣብ ጳጳሳዊ ላተራነንሰ ሕንጻ ፍርርም ዝተገበረሉ ውዕሊ፡ ነቲ ኣብ መንጐ ቤተ ክርስቲያንን መንግስትን ዝነበረ ዘይምርድዳእን ምስሕሓባትን መዕለቢ ክረብ ዝገበረ ምዃኑ ኣዘኻኺሮም። ውዕሊ ላተራነንሰ ብዛዕባ ሮማ ንዝምልከ ሕቶ እወታዊ መልሲ ዝሃበ ከምዝዀነን ብሓቂ ኣዚዩ ዝለዓለ ክብሪ ዘለዎን ር.ሊ.ጳ.ን ቅድስቲ መንበርን ዘለዎም ኵላዊ መንፈሳዊ ተልእዀ ከስተውዓልን ኣብ ቅድሚ ዝዀነ ይዅን ናይ ፖለቲካ ስልጣን ብዘይ እደ እታውነትን ደጋዊ ጸቕጥን ብናጽነትን ብሉኣላዊ ሓዋርያዊ ምሕደራ ተልእኾኦም ከሳልጡ ዝደገፈ እዩ።

ኣብ ዝሓለፉ ሚእቲ ዓመታት ዝተፈላለዩ ናይ ታሪኽ መጽናዕትታትን ብዛዕባኡ ዝምልከቱ ዝተሓትሙ ናይ መጽናዕቲ ጽሑፋትን ሰነዳትን ር.ሊ.ጳ. ፒዮስ መበል 11 ኣብቲ እዋን ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ዝነበሩ ብፁዕ ካርዲናል ፒየትሮ ጋስፓሪ ዝገጠመዎም ዝተሓላለዅ ሕቶታት ክፍለጥ ገይሮም እያቶም። ንቕድስቲ መንበር ዘገድስ ር.ሊ.ጳ ብምሉእ ሉኣላውነት ትእምርታዊ እውን ዝመስል እተዀነ ነቲ ዕለት 13 ግንቦት 1871 ዓ.ም. ዝተኣወጀ ሕጊ ጉኣረንቲጂየ ኣብ መንጐ ኢጣሊያን ቅድስቲ መንበርን ዘሎ ርክብ ዘመሓድር ክንየው ናይ ገዛእ ርእሱ ሃገር ዘለዎም ምዃኑ ሕጋዊ ኣፍልጦ ዝሃበ እዩ።

ናይ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሉኣላዊ ሃገር ቡዙሕ ወሳኒ ተግባራት ፈጺሙ እዩ፡ ንኣብነት ብፋሺስታዊ ፖለቲካ ዝህደኑ ዝነበሩ ኣብ ቀዳማይን ደሓር እውን ኣብ ካልኣይ ውግእ ዓለም ብፖለቲካ ምኽንያት ዝሳደዱ ንዝነበሩ ዑቕባ ክሳብ ምሃብ እውን ከይዱ እዩ፡ ስለዚህ ሃገረ ቫቲካን ትእምርታዊ ዘይኰነስ ከምቲ ብዓለም ሓቆፍ ደረጃ ተቐባልነት ዘለዎ ትርጉምን ሕጋዊ ትንታነ ሃገርነት ብምሉእ መሰል ዝውክሎ እዩ፡ ስለዚህ ከም ሃገር ተፈላጥነትን ተቐባልነትን ዘለዎ፡ ብምሉእ ኣርእስቲ ኣብ ዝተፈላለዩ ዓለም ሓቆፍ መድረኻት ዝዛትይ እዩ።

ብዙሓት ናፋቕያን ሃገረ ቫቲካን ካብቲ ዘለዎ ስፍሓት ክንየው ከብል ነይርዎ ዝብሉ እውን እንተለዉ ፒዮስ መበል 11 ንዅሉ ግምት ብምሃብ ኣብቲ ሎሚ ሃገረ ቫቲካን ዝገልጽ ሃገራዊ መልክዓ ምድር ተቐቢሎም ዝፈጸምዎ ስምምዕ በዓል ዓቢይ ጥበብን ርሑቕ ኣማትን ምዃኖም የመስክሩ እንክብሉ ብፁዕ ካርዲናል ፓሮሊን ኣብ ዝደረስዎ መቕድም የብርሁ።

ብር.ሊ.ጳ. ራቲ (ፒዮስ መበል 11) ነቲ ስምምዕ ኣስዒቦም ሰፊሕ ናይ ስነ ርክብ ሜላ ብምርግጋጽ ሓዋርያውያን ልኡካን ብምቛም ማእለያ ዘይብሎም ክሌኣዊ ስምምዓት ክረጋገጹ ገይሮም እዮም፡ እዚ ንናይ ከባቢያዊት ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያንን ጓሶትን ምእመናንን ጥቕሚ ንምንቕቓሕን ንናይ ብሔራዊ ሃገር ጥቕሚ ኣብ መንጐ ኣብ ከባቢ እትርከብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያንን እታ ቤተ ክርስቲያን ኣብ እትርከበሉ ምስ ዘሎ መንግስቲ ምትሕብባር ክህሉ ዝብል እዩ።

ፒዮስ መበል 11 ናይ ተልእዀ ር.ሊ.ጳ. ዝብል መግለጺ ክወሃቦም ዝገበረ ኣብቲ እዋን ኣብ ዓለም ለኻዊ መድረኻት ብምሉእ ናጽነትን ሉኣላውነትን ዘርኣይዎ ትውሳኤ እዩ፡ ሃገር ዘብል ዓይነት ከይድን ውሳኔን።

ኣብቲ እዋን ዝነበረ ዓቢይ ሕቶ፡ ኣብቲ እዋን ንኢጣሊያ ምስ ዘመሓድር ዝነበረ ፋሺስታዊ ስርዓተ መግስቲ ውዕሊ ምፍርራን ዝብል እዩ፡ እዚ ስምምዕ እቲ ፋሺስታዊ መግስተ ስርዓት ንናይ ገዛእ ርእሱ ተቐባልነት ንምስፋሕ ዝጥቀመሉ እውን እንተመሰለ እዚ ብድሆ’ዚ ኣብ ቅድሚ ቤተ ክርስቲያን ከምዘሎ፡ ር.ሊ.ጳ. ፒዮስ መበል 11ን ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ብፁዕ ካርዲናል ጋስፓሪ ኣይሰሓትዎን፡ ገለ ገለ ብፁዓን ካርዲናላትን ምእመናንን ዳርጋ ብዙሓት እውን ክበሃል ይከኣል ምስ መንግስቲ ስርዓተ ፋሺስቲ ምንም ዓይነት ውዕሊ ከይፍረምን ዝቃወሙ ነይሮም እዮም። ከምኡ እውን ናይ ገለ ገለ ሃገራት መንግስታት ብተመሳሳሊ መገዲ። ዋላ’ኳ እቲ ዕለት 11 ለካቲት 1929 ዓ.ም. ዝተኸተመ ውዕሊ ላተራነንሰ፡ ምስ ፖለቲካ ስልጣን ዘይኰነ ምስ ሃገረ ኢጣሊያ ዝብል እዩ፡ ስለዚህ ንርሑቕ ዝኣመተን ነቲ ርክብ መንግስትን ኣብ ኢጣሊያ እትርከብ ቤተ ክርስቲያን ቅርጺ እውን ዘትሓዘ እዩ፡። እቲ ውዕሊ ላተራነንሰ ርኢኻ ብሓቂ ፒዮስ መበል 11 ርሑቕ ኣማትን ክውንነታውን ምዃኖም ተስተውዕል፡ ናይ ኢጣሊያ ቅዋም ሃገር ኣብ ዓንቀጽ ሸውዓተ፡ ርክብ ኢጣሊያን ቤተ ክርስቲያን ኣብ ዝምልከት ጉዳይ፡ ውዕሊ ላተራነንሰ ረአ እንክብል ይሕብር፡ ስለዚህ ብሓቂ ፒዮስ መበል 11 ነቲ ስምምዕ ነቲ ዝነበሩሉ እዋን ጨቢጦም ንርሑቕ ኣሚቶም እዮም ዝኸተምዎ።

ስዒቡ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ዘምጽኦም ሕዳሴታት ንኢጣሊያ ኰነ ነቲ ናይ ላተራነንሰ ውዕሊ ዘለዎ ኣገዳስነትን ዝገልጽ ኰይኑ፡  ኣብ ሕንጻ ማዳማ ዕለት 18 ለካቲት 1984 ዓ.ም. ዝተፈጸም ስምምዕ እውን ዘረጋግጾ ምዃኑ ብፁዕ ካርዲናል ፓሮሊን ኣብሪሆም፡ እዚ መጽሓፍ ዝኽሪ መበል 90 ዓመት ውዕሊ ላተራነንሰ ነቲ ውዕሊ ዘብርህን ብዝበለጸ ክስትውዓልን ኣብ መንጐ ቤተ ክርስቲያንን መንግስቲ ኢጣሊያን ዘሎ ርክብ ንናይ ሓባር ጥቕሚ ዝኣመተ ፍርያምነትን ብሉጽ ርክብን ክህሉ ዝድገፈን ዝድግፍን እውን እዩ እንክብሉ ዝደረስዎ መቕድም ይዛዝሙ።

ውዕሊ ላተራነንሰ፥ ኣብ ዝኽሪ መበል 90 ዓመት
11 July 2019, 17:44