ድለ

ውሳኔ ቅድስቲ መንበር ናይ ዘይተኸሳስነት መሰል ሓዋርያዊ ልኡኽ ኣብ ዝምልከት ውሳኔ ቅድስቲ መንበር ናይ ዘይተኸሳስነት መሰል ሓዋርያዊ ልኡኽ ኣብ ዝምልከት  

ውሳኔ ቅድስቲ መንበር ናይ ዘይተኸሳስነት መሰል ሓዋርያዊ ልኡኽ ኣብ ዝምልከት

ብስምምዕ ዓለም ሓቆፍ ውዕሊ ቨየና ዕለት 18 ሚያዝያ 1961 ዓ.ም. ናይ ሃገራት ልኡካነ መንግስታት ነፍሲ ወከፍ ልኡከ መንግስቲ ዝምልከት ካብ ናይ ገበነይና መቕጽዒ ሕጊ ኪደት ዕላማ ናጻ እዩ ዝብል ውሳኔ መሰረት ኵለን ሃገራት ንልኡካነ መንግስታተን ናይ ዘይተኸሳሲ መሰል ዝህባ ክዀና እንከለዋ፡ ቅድስቲ መንበር እውን ናይዚ መሰል’ዚ ከም ሃገር ተጠቃሚት ክትከውን እንከላ

ቅድስቲ መንበር ኣብ ፈረንሳ ንሓዋርያዊ ልኡኽ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ኣቡነ ልዊጂ ቨንቱራ ኣብ ፈረንሳ ኣብ ልዕሌኦም ዝቐረበ ክሲ ብናጻ ኣብ ዝምልከቶ ቤት ፍርዲ ክሙግቱ ብዘለዎም ፍቓድ መሰረት ከም ሓዋርያዊ ልኡኽ ናይ ዘይተኸሳስነት መሰሎም ክለዓል ከምዝገበረትን እዚ ብፁዕ ኣቡነ ቨንቱራ ምስ ሕግን ፍትሕት ዘለዎም ናይ ምትሕብባር ድላይ ዝገልጽ ምዃኑ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ግዚያዊ ሓላፊ ኣለሳንድሮ ጂሶቲ ኣፍሊጦም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ብስምምዕ ዓለም ሓቆፍ ውዕሊ ቨየና ዕለት 18 ሚያዝያ 1961 ዓ.ም. ናይ ሃገራት ልኡካነ መንግስታት ነፍሲ ወከፍ ልኡከ መንግስቲ ዝምልከት ካብ ናይ ገበነይና መቕጽዒ ሕጊ ኪደት ዕላማ ናጻ እዩ ዝብል  ውሳኔ መሰረት ኵለን ሃገራት ንልኡካነ መንግስታተን ናይ ዘይተኸሳሲ መሰል ዝህባ ክዀና እንከለዋ፡ ቅድስቲ መንበር እውን ናይዚ መሰል’ዚ ከም ሃገር ተጠቃሚት ክትከውን እንከላ፡ ንሓዋርይያውያን ልኡካን እትህቦ መሰል ከምዝዀነ ዝፍለጥ ክኸውን እንከሎ፡ ኣብ ፈረንሳ ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርይዊ ልኡኽ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ኣቡነ ልዊጂ ቨንቱራ እቲ ኣብ ሃገረ ፈረንሳ ብዝቐረበሎም ክሲ መሰረት፡ ካብቲ ዝቐረበሎም ክሲ ናጻ ምዃኖም ከም ተኸሳሲ ኣብ ቤት ፍርዲ ቀሪቦም ኣብ ኪደት ሕግን ፍትሕን ብገዛእ ፍቓዶም ክምጉቱ መታን እቲ ናይ ዘይተኸሳሲ መሰሎም ከምዝነጸገቶን ንሶም ብፁዕ ኣቡነ ቨንቱራ እውን ዝሓተትዎ ከምዝዀነ ጂሶቲ ብዛዕባ እዚ ጉዳይ’ዚ ካብ ጋዜጠይናታትን ንዝቐረበሎም ሕቶ እንክምልሱ ኣብ ዝሃብዎ መልሲ የብርሁ።

ብፁዕ ኣቡነ ቨንቱራ ሰብዓን ኣርባዕተ ዝዕድመኦም ኣብ ፈረንሳ ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ልኡኽ ኣብ ፈረንሳ ክልተ ዜጋታት ናይ ወሲብ ዓመጽ ፈጺሞም እንክብሉ ንዘቕረብሎም ክሲ ናጻን ብዘይ ናይ ዘይተኸሳሲ መሰል ኣብ ናይ ገበን ኣጻራዪ ቀዳማይ ቤት ፍርዲ ኣብ ዘካይዶ ናይ ገበን ምጽራይ ኪደት ክቐርቡ ከምዝሓተቱ ዝዝከር ኰይኑ ቅድስቲ መንበር እውን ነዚ ጉዳይ’ዚ ቅቡል ቢላ ናይ ዘይተኸሳሲ መሰሎም ከምዝነጸገቶ ጂሶቲ ኣፍሊጦም።

ውሳኔ ቅድስቲ መንበር ናይ ዘይተኸሳስነት መሰል ሓዋርያዊ ልኡኽ ኣብ ዝምልከት
09 July 2019, 18:22